ብጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሽ ዓመት

ኣቤት ጸጋ ኣምላኽ። ድሮ ድማ ሓድሽ ዓመት ሂቡና ኣሎ እሞ፣ ብጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሽ ዓመት ከመይ ንሰግሮ፧ ጸጋ እንታይ እዩ፧ ጸጋ ኣምላኽ፡ ባህሪ እግዚኣብሄር ነቲ ዘይግብኦ ሰብ፡ ጽቡቕ ንምግባር ጥራይ ዝድግፍ ኣይኮነን። ጸጋ ግና፡ ናይ ሓቂ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ ንምግባር ዘኽእል፣ ሰናይን ደግን ነገር ኣባናንዓናን ክውን ዝገብር ባህሪ እግዚኣብሄር እዩ።

እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። (1ቈረ 15፡10)

ጸጋ ኣምላኽ ግና ዕዮ ኣምላኽ ኣብ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ዝተጸውዓሉ ጽውዓ ብጸዓት ንኽዓዮ እዩ ነይሩ። “ብጸጋ ኣምላኽ . . . ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ (I worked harder) እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ . . .”  – ብብዙሕ ጸዓት ዘዕይይ እዩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ እዚ ክብል እንከሎ፡ “. . . ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ(working out)።” ብብዙሕ ናይ ጽድቕን ቅድስናን ህይወት ድማ ምድሓንካ ዘፈጽም እዩ። ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል፡ “. . . እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ . . .” – እቲ ጸጋ ካብኡን ብእኡን ንዕኡን እዩ። ስለዚ፡ ጸጋ ብሓደ መልክዑ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝውሃብ ሓይሊ ኮይኑ፡ ዕዮ ኣምላኽ ንምግባር ዝፈስስ ጸዓት፡ ኣባና፣ ከምኡ’ውን በቲ ዝተዋህበና እዩ።

“ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ።” (ፊሊ 2፡12-13)

እዚ ጸጋ’ዚ ንዝሓለፈን ንዝመጽእ ንኲሉ ግዜ እዩ። እቲ ብሕጂ ዝግለጽ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ንዘልኣለማዊ ክብሪ ዘጎልብብ፡ መወዳእታ-ኣልቦ ወሓዚ ህይወትን፣ ካብቲ ዘይቅህምን ዘይድብዝዝን ሩባ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታና ዝፈለቀ ንቀጻሊ ህይወትና ዝኸውንን፣ ምእንቲ እቲ ዝሓለፈ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዕቑር ጸጋ እዩ።

ስለዚ በዚ ሓድሽ እግዚኣብሄር ዝህበና ዘሎ ዓመት፡ ነዚ ዓመት ዝኸውን ጸጋ ኣለዎ። ቁሩብ ንሕሰብ ሕጂ፣ ኣብዘን ዘለዋኻ ዉሑዳት ደቓይቅ፡ ዘንብረካን ዘሕልፈካን ንመጻኢ ዝኾነካን ጸጋ ኣሎ። ከምኡ ድማ ኣብተን ስዒበን ዘለዋ ካልኦት ደቓይቅ ሕሰብ፡ ዑቑር ጸጋ ኣምላኽ ነቲ ኲሉ ዝሓለፍካዮ ህይወት ኣሎ። ስለዚ እቲ ወድዓዊ ምላሽና፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ዘስተማቀርናዮ ጸጋ ኣምላኽ፡ ምስጋና እዩ። እቲ ካልእ ወድዓዊ ምላሽና ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ተስፋ ጸጋኡ ንመጻኢ ህይወትና ድማ፡ ምእማን እዩ። ነዚ ኣቦ ኩሉን ወሃቢ ምሉእ ውህበትን ዝኾነ ኣምላኽና፡ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝኸውን ጸጋ ስለዝሃበና ምስጋና ይኹኖ። ምስኡ ድማ ትውክልትናእምነትናን ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት ዝኸውን መጻኢ ጸጋ ኣምላኽ ስለዘሎ፡ ኣዝዩ ዓብዩን ምሉእን እዩ። ብጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሽ ዓመት ንሰግሮ ኢና።

እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply