. . . ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ

ማርያም ድማ በለት ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። (ሉቃ 1፡46-55)

ማርያም ብንጹር እቲ እግዚኣብሄር ንወዲ-ሰብ ዝረኣየሉ ኣገዳሲ መቀይሮ-ታሪኽ ዝረኣየት እያ። እቲ እግዚኣብሄር መገዲ ኩሉ ሰብ ክልውጥን ታሪኽ ደቂ-ሰብ ክእንፍትን ምዃኑን፡ እተን ዝቕጽላ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ማዕረ ክንደይ ኣገደስቲ ኮይነን፡ እተን ዓመታት ከምዝጅምራ ዝፈለጠት ትመስል።

ግና እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ፧

ገዛእ-ርእሱ ኣብ ክልተ ዘይፍሉጣትን ትሑታትን ኣንስቲ – ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአትን መካን (ኤልሳቤጥ)፣ ሓንቲ ብዕድመ ንእሽቶን ድንግልን (ማርያም)፣ ‘ዶ ኮን ዓቚሩ ኮይኑ። ማርያም ግና፡ በቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝረኣየቶን እተቀበሎቶን ራእይ፡ ነቲ ንትሑታት ዘፍቕር ኣምላኽ፡ ኣብ ልባ ብዘፍሰሰላ መዝሙር፣ ነቲ ልዑል ዝወደሰትሉ መዝሙር – “ውዳሴ-ማርያም” ዘመረት።

ማርያምን ኤልሳቤጥን ኣብ ወንጌል ሉቃስ ካብ ዝተጻሕፋልና ኣዝየን ዝድነቃ ናይ እምነት ጀጋኑ እየን። ሉቃስ ካብ ዘስፈሮ ወንጌል፡ እምነተን ብምግራም፡ ናይ እምነት ኣዴታት ምዃነን ገሊጹ ኣሎ። እዚ ነገር እዚ ድማ ካብቲ ኣዝዩ ዘስደመሞን ዘደነቆን ኮይኑ ይስምዓኒ። ነዚ ነገር ድማ፡ ነቲ ፈታው-ኣምላኽ ዝኾነ “ቴዎፍሎስ” ብዝርዝር ጽሒፉ፡ ከመይ ተጠንቂቁ ከምዝነገሮ ጽሒፉልና ኣሎ። ሉቃ 1፡3-4 “ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ አሎ።” ካብቲ ገለ ዝገለጾ ድማ፡ ትሕትንአንን ብጽንአንን – ናይ ማርያምን ናይ ኤልሳቤጥን – ንምእዛዝ እቲ ልዑል ኣምላኽ ከመይ ምኹኑ ኣርእዩ ኣሎ።

ኤልሳቤጥ ድማ ከምዚ በለት (ሉቃ 1፡43) ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ ማርያም ድማ ከምዚ በለት (ሉቃ 1፡48) “ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ።”

እዞም ከም ኤልሳቤጥን ማርያምን ዝኣመሰሉ ሰባት፡ እቶም ናይ ብሓቂ ነፍሶም ንእግዚኣብሄር እተዕብይ፡ እንኮ ሰባት እዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት – ደረጃ ህይወቶም ዝፈልጡ፡ ወርደትን ትሕትና ህይወቶም ዝርድኦምን፣ ከምኡ ድማ ብመንጽሩ – ነቲ ናይ ሓቂ ናይ እግዚኣብሄር ዕቤት፡ ክብሪ፡ ማዕርግን ልዕልናን ዝፈልጡን ኣፍልጦ ዝህቡን ሰባት እዮም።

ከመዮ ‘ዚ ሓቒ እንተዝበርሃላ እዛ ነፍሲ

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    Bless you Wihbet ministry

Leave a Reply