ይሓልየልኩም እዩ!

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ   እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። (1ጴጥ 5፡6-7)

ንምንታይ ኢና ብዙሕ እዋናት ብዛዕባ መጻኢና እንጭነቕን እንፈርህን፧

ፍርህናን ጭንቀትናን ስክፍታታትናን ሓልዮትናን፡ ምስ ኣብ ርእስና ምትእምማን ዝተሓሓዙ እዮም።

ከም ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እዚ ሕቶ ኣብ ኣእምሮይ ኣብ ዝመጻሉ፡ ስክፍታታትን ጭንቐትን ኣሎኒ። ግና ስለምንታይ፧ ሎሚ ንግሆ ካብ ገዛ ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን እንዳወጻና፣ ኣብ መኪና እንዳተጓዓዝና ዝተኻፈልናዮ ቃል እዩ ነይሩ።  ብርዓይ ኣዋዲደ ድማ ክጽሕፎ ወሲነ። ምኽንያቱ፡ ከም ሎሚ ገይሩ ዘፍርህን ዘሰክፍን ኩነታት ስለዘየለ። ኣብ እዋን ፍርህናን ጭንቀትናን፡ ኣየናይ ድምጺ ኮን ንሰምዕ ንኸውን፧ ናይ እግዚኣብሄር መልሲ ኩሉ ግዜ ከምዚ ኮይኑ ይስምዓኒ፣ ኣብ ኢሳይያስ 51 ጥቕሲ 12 ካብ ዘሎ ሓሳባት፡ እንተደኣ ለውጠ-ሓረግ (paraphrase) ገይርናዮ –

ኣነ — እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ፈጣሪኻ — ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡  — ተስፋ ዝሃብኹካን ዝኣተኹልካ፡ ዘይሓድገካን ዘይጥንጥነካን — ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ፧  —  ስለዚ ፍርሂ ማለትሲ ንእግዜብሄር ኣምላኽ ዘይምእማን ማለት እዩ — ዋላ እዃ ርግጸኛ ኣይትኹን ግና ኸ ኣብ ከንቱ ሓይልኻን ክእለትካን ንዋትካን እንተተወከልካን እንተተጸጋዕካን፡ ደገፍ ኣይክኾኑኻን እዮም፣ በራሲ፡ ጠፋኢ፡ ሓላፊ እዩ። ግና ኣብ ጸጋይ ደኣ ተወከል፡ ኣብቲ ንዘልኣለም ዝኸውን ንጽባሕን ንመጻኢ ዘውሕስ ጸጋይ። ስለዚ ኩሉ ክጠፋን ከምዘይነበረን ክኸውን እዩ  — ድኹም እዩ፡ ከም ሳዕሪ  — ንብረት ትዕቢ እዩ ሓላፊ።

እቲ ቀንዲ ነገር!

ካብ ምውካል ክእለትካን ሓይልኻን ወጺእካ ናብ ትውክልቲ እግዚኣብሄር ምውጻእ፣ እምነትካ ድማ ኣብቲ ከኣልነት ኩሉ ዘለዎ እግዚኣብሄርን ተስፋ ኣምላኽን ምንባር እዩ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ 1ጴጥ 5፡6-7 እንመሃሮ፡ ንምርኣይ ዝኣክል፣ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ጥቕስታት ዘሎ ናይ ሓረግ ፍልልይ ንርአ። [ጥቕሲ 6] “. . . ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ . . . ትሕት በሉ።” [ጥቕሲ 7] – “. . . ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።” ይብላ። ጥቕሲ 7 ፣ ሓድሽ ሓሳብ ዘይምዃኑ ንምርኣይ ንሽገር ኣይመስለንን። ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ልጥፎ ተወሳኺ ሓሳብ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኣጀማምራ ሓሳቡ፣ ብፍላይ ኣብቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ጽርኢ ብግሳዊ ቅጽል (participle) እዩ ዝጅምር። ከምዚ ይብል፣  “. . . ትሕት በሉ፣  – [ምኽንያቱ ድማ ] ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።”

እዚ ማለት ንኹሉ ሓልዮትናን ጭንቀትናን ኣብኡ፡ ማለት ኣብ እግዚኣብሄር ብምድርባይ ጥራይ ኢና፡ ንርእስና ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ዝኽእል ብርቱዕ ኣምላኽ ከነትሕት እንኽእል።  እዚ ኣብዛ ጥቕሲ ዘሎ ኣባህላ ልክዕ ከም፣ “ሃዲእካ ዘውር . . . ኣዒንትኻ ድማ ኣብ መገድኻ ኣቛምት፣” ከም ምባል ወይ ድማ “ለጋስ ኩን . . . ካብቲ ዘሎካ ድማ ኣኻፍል፣” ከም ንማለት እዩ። ተዋሳሳቢ ሓረግ፣ እቲ ሓደ ምስ ገበርካ ብኡ ድማ እቲ ሓደ ይስዕብ። “ትሕት በል/ሊ/ሉ፣  . . . ንዅሉ ሓልዮትካ/ኪ/ኩም ኣብኡ ኣውድቕ/ቒ/ቕዎ።” ማለት እዩ።

ሓደ መገዲ ርእስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነትሕተሉ፡ ጭንቀትናን ሓልዮትናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ እንድርብዮ እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ከልካሊ ገደብ ጭንቀትና፡ ሽግርና፡ ፍርሃትና፡ ሓልዮትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይነውድቕ፣ ትምክሕትናን ኣብ ርእስና ምውኻልናን እዩ። እዚ ማለት ዘሎና ስኽፍታታት  ህይወት፡ ሓልዮታትናን ጭንቀታትናን ብመልክዕ ኣብ ርእስና ምእማንን ትምኽሕትን እዮም ማለት እዩ። ብዘየገድስ ክሳብ ክንደይ ብኸቢድ ኮነ ንእሽተይ ነገር ሓልዮታት ንተሓዝ፣ እቲ ስምዒታት ናይ ውሽጥና ግና ርእሰ ምእማንን ትምኽሕትን እዩ።

ኣይትጨነቕ / ቒ / ቑ – ይሓልየልኩም / ካ / ኪ እዩ

ስለዚ፣ ስለምንታይ ኢና ኩሉ ስኽፍታታትና፡ ጭንቀትናን ሓልዮትናን ከም ትምኽሕቲ ኣንጻር ጐይታ እዩ፡ ኢልና እንገልጾ ዘሎና፧ ምኽንያቱ ኣብ ርእስኻ ምእማንን ትምኽሕትን ዘለዎ ሰብ ኩሉ ግዜ ሓልዮት ኮነ ስኽፍታታት ከምዘለዎ ክእመን ኣይፈቱን እዩ። ወይ ድማ ባዕልና ነቲ ጉዳያት ክፍትሑ፡ ነጻ እንሓድጎም ሰባት ኣይኮንናን። ትምኽሕትን ኣብ ርእስኻ ምምርዃስን ዘለዎ ሰብ ኩሉ ግዜ እንተደኣ ክእመን ፈትዩ’ውን ብብዙሕ ፍርሒ ተዋሒጡ እዩ ዝእመን፣ እቲ ፍርሒ’ውን ገደብ ኣልቦ እዩ። እዃ ደኣ ካብ ምእማን፣ ናብ ካባታቶም ይበልጹን ይሕሹን፡ ኣዝዮም ጠቢባንን በላሕትን እዮም ዝበልዎም ሰባት ክውከሉን ገለ ደገፍ ክረኽቡን እዮም ዝፈትዉ።

ብካልእ ኣበሃህላ፣ ትምክሕቲ ወይ ኣብ ርእስኻ ምእማን ካልእ ገጽ ናይ ዘይምእማን እዩ። ከምኡ’ውን ንእግዚኣብሄር ብምንም ነገር ክውከል ዘይፈቱን ዘይደልን፡ ንጽባሕ ዘሕልፍ ጸጋ ኣምላኽ ዘይኣምንን ጥራይ እዩ። እምነት፡ በቲ ካልእ ወገን፡ ደገፍ፡ ሓገዝ እትደሊ መሳሪሒ ኣምላኽ እያ። ኣሚነ ማለት ኣነ ዘይክእሎ ነገር እግዚኣብሄር ክሕግዘንን ክድግፈንን ዕድል ሂበዮ ማለት እዩ። እምነት፡ እግዚኣብሄር ገለ ነገር ክድግፈና እንኹሕኩሓሉ መሳርሒ እያ፣ ኣብ ርእስኻ ምእማን ግና ከምኡ ኣይኮነን። እምነት ኩሉ ሓልዮታ ናብ ኣምላኽ እያ እትድርብዮ፣ ኣብ ርእስኻ ምእማን ግና ከምኡ ኣይትገብርን እያ።

ስለዚ፣ ነቲ ናይ ዘይምእማንን ኣብ ርእስኻ ምምርዃስን እንቃለሰሉ መሳርሒ እምበኣር፡ ንሓልዮትካን ስክፍታታትካን ብነጻ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ፣ ነቲ ንጽባሕን ንመጻኢ ህይወትካ ከሕልፈካ ዝከኣሎ ጸጋ ኣምላኽ፡ ነቲ ቃል እንዳጠቀስካ፣ “ንሱ ይሓልየለይ እዩ” ኢልካ ምእዋጅ እዩ። ንኩሉ ስክፍታታትን ፍርህን ህይወትካ ኣብተን ብርቱዓት መንኩቡ ምድርባይ እዩ።

ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። (1ጴጥ 5፡6-7)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. ተስፋይ ግርማይ

    ሰናይ ሓወይ፣ ጎይታ መመሊሱ ምግላጹ፣ ጸግኡን የብዝሓልካ። ንዓይ መሃሪን እዋናዊን ኮይኖ ረኺበዮ።
    “—ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ” 2ተሰ 3፡13

Leave a Reply