ዕዉት ህይወት

መገዲ ዓወት ብኸመይ ንኺዶ፧

ኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብኡት እስራኤላውያን ምስ ደቆምን ኣንስቶምን ካብ ግብጺ ወጺኦም። ግናኸ፡ ክልተ ካብኣቶም እያሱን ካሌብን ናብ ምድሪ ከንኣን ኣትዮም። ከምኡ ድማ ብከምዚ መሰረታዊ ገምጋም፡ ብማዕረ ብመለክዒ መጠን’ዚ 2 ካብ ከባቢ 600,000 ክርስትያናት ናብ ዕዉት ዝኾነ ህይወት ክርስትና ይኣትው። እያሱን ካሌብን ናብታ ናይ ተስፋ ምድሪ ተስፋ ኣትዮም፣ ምኽንያቱ ልዉጥ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮም። ኣተሓሳስብኦም፣

ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ውረስዋ እንተ ኢሉና፡ ክንገብሮ ይክኣለና ኢዩ

እዚ እምነት እዩ። እምነት ምስቲ እግዚኣብሄር ዝሃበካ ተስፋ ጥራይ ዝተኣሳሰረ እዩ። ፈጺሙ ምስቲ ዘጋጥመና ሽግራትን መግደራን ኣይተሓሓዝን እዩ። ግና፡ ናይቶም ካልኦት እስራኤላውያን ኣተሓሳስባ ድማ ከምዚ ነይሩ፡ “እዚ ኣይክኣልን እዩ”። ደቂ ዓናቅ፣ ግዙፋት፡ ንጉዓትን ዓበይትን ሓያላትን እዮም፣ ኣይንኽእሎም ድማ ኢና። ከምኡ ድማ ሎሚ ብዙሕእት ክርስትያን ዘለዉዎ ነገራት ዘይክኣል ኮይኑ ይስምዖም፣ ክሓልፍዎን ክስዕርዎን ዝኽእሉ ፈጺሙ ኣይመስሎምን ድማ። በቃ፣ በቲ ብዓይኖም ዝጠመትዎ ብኡ ይዓግቡን ይረውዩን። ናታቶም ክገብርዎ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ ኣይሕዝዎም እዮም። ምኽንያቱ እዞም ባህግታት እዚኣቶም ብጣዕሚ ሓያላትን ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝገዝእዎምን፡ ዝቕየሩን ዝልውጥዎምን ከምዘይኽእሉ ሓንሳእ ንህይወቶም ኣእሚንማ እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ኣመንቲ፣ ኩሉ ዘመን ሂወቶም እንዳ ተደፍኡን እንዳተወርሱን ጥራይ እዮም ዝተርፉ። ኣብቲ ምድረ በዳ ድማ ይጠፍኡ።

እቲ መንፈሳዊ ወሓዚ፡ እቲ ካብ ሰማይ ዝውሕዝ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓሳብ ዝሓዘ ዓይኒ ማይ፡ ብኣና ገይሩ ክውሕዝ እንከሎ ብዘይተበትከን ዘይተበከለን መስመር ኣብ ልብና ክውሕዝ ይግባእ። ማለት ሓሳብ ኣምላኽ መንፈስ ኣምላክ ኮታ ናይ ኣምላኽ ዘበለን ዝሓዘን ክኸውን ኣለዎ። ዝተበከለ፡ ዝረስሐን ዓለም ዓለም ዝሽትት መስመር – ብሕማቅ ሓሳባት፡ ምጒርምራም፡ ምረትን ፍቅሪ ገንዘብን . . . ኮታ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ንህይወትናን ሕብረትና ክብክሎ ኣይግባእን። ኣይፋሉን፣ ሕብረትናስ ናይ ግድን ጽሩይ፡ንጹህ መስመር፣ ውጹእ ሓራ ካብ ሓጥያት ክኸውን ኣለዎ።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ወሓዚ ህይወትና፡ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክባርኾም ይኽእል። ብጽሩይ ማይ ህይወት፡ ነታ ካብ ክርስቶስ ዝሰተናዮ ማይ ከነስቲ ንኽእል። ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይ መራሕትን ሰበኽትን ውሽጣዊ መንፈሳውን ጽሬት ዘይምህላው እዩ። ንሓጢኣት ዝሰዓረ ህይወት ኣይትርእዮሎምን፡ ኣብ ልቦምን ኣብ ናይ ግላዊ ሂወትን ሓጢኣትን ኣበሳን ይንበብ፣ንፍቅሪ ገንዘብ ኣይሰዓርዎን፡ ፍትወት ኣዒንቲ፡ ምረት፡ መንፈስ ውድድር ምስ ካልኦት ክርስትያን መራሕቲ፡ ሻራ፡ ቅንኢ፡ ምጥባር፡ ምንጽርጻር፡ ቖይቂ፡ ፍረ ጽድቂ ዘይምግባርን ሸለል ምባልን ወዘተረፈ። ጌና ንህዝቢ ኣምላኽ ይሰብክዎ።

እንታይ ድኣ’ዮም ንህዝቢ ኣምላኽ ክምህርዎ፧ እቲ ዝገበርዎን ዝለመድዎን፧ ከመይ ጌርካ ተቋያቚ ትኸውን፡ ብኸመይ መሪር ትኸውን፡ ብኸመይ ትቀንእን፡ ከመይ ጌርካ ምስ ካልኦት ትወዳደርን?ኮይኑ ተሪፉ ግና እቲ ዝመሃሮ ባዶሽ ክልሰ ሓሳባት ጥራይ፡ ሓይሊ ዘይብሉ ህይወት ይኸውን ኣሎ። ኣብ ህይወትካ ሰዓሪ እንተ ዘይኮይካ፡ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠትካ ተማሂርካ ዝረኸብካዮ ጥቅሚ ዝብሃል ይኸውን።

እግዚኣብሄር ንእያሱ ሓደ ውሑስ ዝኾነ ተስፋ ሂብዎ፣ ንሱ ድማ “ምሳኻ ክኸውን እየ”። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እያሱ ደው ምባል፡ ከም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ምባል እዩ። ንሓጢኣት ብገለ ብምእማንን ምስዓብን ገለ ምህሮ፣ ወይ ድማ ብገለ ተሞክሮ ኣይንስዕሮን ኢና። ያእ ኣይፋልናን፣ ክንስዕር ኣይንኽእልን። ግና ዘኽእለና ብቀጻሊ ናይ ጐይታ መንፈስ ምሳና ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ መንፈሱ ዝተዓጥቁን ኣብ መንፈሱን ዝተወከሉ ሰባት፡ እዩ ዝደሊ ዘሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ከምዚ በሎ፡ – ጽናዕን ትባዕን፡ ቀጥ በል። ነዛ ብጸላእትኹም ንነዊሕ ዘመን ክትግዛእ ዝጸንሐት ምድሪ ንስኻ መሪሕካዮም ክትወርስዋ ኢኹም (እያሱ.1፡6)። ከምዚ እያሱ መሪሑ፡ ዘውጽአ፣ ወጺና ንህዝቢ ኣምላኽ ንሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ስጋ ሰዓርቲ ገይሩ ዘንብር ህይወት ክነብሩ ክንድግፍን ክንመርሕ ይግባእ። ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝገዝኦም ኣብ ስግኦም ዝመለኸ – ስጋን ስጋውነትን ክመልኩ ክንመርሕ ይግባእ። ሎሚ ምድሪ ብምድራውያን ዝመልአት እያ። ኣብ ምድሪ ሒደት መንፈሳውያንን መንፈሳዊ ሓሳብ ዘለዎም ጥራይ ይነብሩ ኣለዉ። ምእማንን ምጥማቕን፡ ኣብ ልዳትካ ደም ገንሸል ምቕባእን ብቀይሕ ባሕሪ ተሳጊርካ ምሕላፍን ጥራይ እኩል ኣይኮነን። እዚ መጀመርታ ጥራይ እዩ። ከምቲ ደቅና ኣብ መውዓለ-ህጻናት ትምህርቲ ምስ ጀመሩ፡ በቃ ንሱ ጥራይ ኣዩ ትምህርቲ ኢልና ደው ዘይነብሎም። ከምኡ ድማ፡ ናይ ሎሚ ክርስትና ዓንዲ ደበናን፡ ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስን፣ ናብ ምድሪ ተስፋ ክመርሖም እዩ ዝመጸ። ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ክእቶ ዝኽእል ዝነበረ፡ ግናኸ ኣብ 40 ዓመት ኣይኣተዉን። ምኽንያቱ ብሰንኪ መራሕቶም ዘይምእማኖም እዩ። እምነት ካብ ምስማዕ ይመጽእ ምስማዕ ድማ ካብ ቃል ክርስቶስ (ሮሜ.10፡17)። እዚ ኣብ ኣኼባ ማሕበር ኣመንቲ እንተ ዘይተነጊሩን ተዘይተሰሚዑን፣ ከመይ ገይሮም ክኣምኑ ይኽእሉ፧ ከመይ ገይሮም ድኣ ንሓጢኣት ክስዕርዎ ይኽእሉ፧

ዕዉት ህይወት ንምንባር፡ ቃል ኣምላኽ ዘማእከለ ህይወት ምንባር!

መወከሲ ሓሳብ፡ ዛክ ፖነን

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    According to the book of Numbers (26:51) there were 601,730 males 20 and older when the Hebrews camped along the Jordan River just outside the Promised Land. (This number did not include the Levites.)

    Allowing for those under the age of 20, plus women ( and the Levites) the number easily aproaches 2.5 to 3 million.

Leave a Reply