እግዚኣብሄር ዝረኣዮ ምርኣይ

ራእይ፡ ዝብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ልሙድን እንፈልጦን ኣርእስቲ እዩ። ራእይ ማለት ምርኣይ ማለት እዩ። ኮይኑ ግና ኣንታይ ኢኻ እትርእይ? ምርኣይ ክብሃል እንከሎ ብዙሕ ዓይነት እዩ። ቤት መቅደስ ትርእዮ ግና ኣይትጥምቱን`ውን ይብል እዩ። (ማቴ13፡15)። ስለዚ ራእይ ማለት በዚ ስጋዊ የዒንትኻ እትርእዮ ነገር ኣይኮነን ምኽንያቱ በዚ ስጋዊ ኣዒንትኻ እትርእዮ ነገር ከይትጥምት ስለ እትኽእል ስለዚ ራእይ ክበሃል እንከሎ ሃሊፍካ ምርኣይ ልዕሊ ንቡር ንመጻኢ ምርኣይ እዩ። ኣብ ቤት መቅደስ ራእይ ዝብሃል ነቲ እግዚኣብሄር ዝረኣዮ ክትርኢ ምኽኣል እዩ። ኤር 1፡11-16፡ እንታይ ትርኢ  ኣሎኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ኤርምያስ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝረኣዮ ነገር ንምርኣይ ክኢሉ። ስለዚ ራእይ ነቲ እግዚኣብሄር ክትርእዮ ዝደልየካ ነገር ሓሊፍካ ምርኣይን ንዕኡ ድማ ተጊህካ ንምግባሩ ምክኣል እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝረኣዮ እንተዘይርኢኻ፡ ናይ እቲ ዕዮ ክቶኣይይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ዝርኣየልካን ንስኻ እትርእዮን ነገርን እንተተፈላልዩ፡ ብፍጹም ምስ ኣምላኽ ክትዓይይ ኣይገብረካን እዩ። ራእይ ካልእ ድማ ምስ ገዛእ ርእስኻን እግዚኣብሄርን ኪዳን ኣቲኻ እትገብሮ ናብራ እዩ። ንኣብነት እዮብ ምስ የዒንቱ ኪዳን ብምታው ምስ ራእይ ገይሩ ይሰርሓሉ ነይሩ፡ (እዮ 31፡1)

ስለዚ ራእይ እግዚኣብሄር ከም ዝርኦ ጊርካ ምርኣይ እዩ። እግዚኣብሄር ዓጺድ እንዳርኣየ ንስኻ // ትርኢ እንተኮይንካ ራእይ ዘዮነስ ሕልሚ ኢኻ እትርኢ ዘሎኻ። ንኣብነት ኣብ ዮሃ 4፡35-37 ምድሪ ንዓጺድ ቀሪባ እንከላ ናይ ዘራእቲ እዋን ኣይትጽበን ኢኻ። ስለዚ ራእይ ንዝሓዘ ሰብ ግድን እቲ ዝረኣዮ ክርኢ ኣለዎ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ዝረኣዮ ኩሉ ሓሊፍ እንታይ ከም ዝኸውንን ከመይ ከም ዝኸውንን ንጹር ደኣ እምበር ዋግዋግደልሃመት ስለዘይኮነ እቲ እትበጽሖ ነገር ብንጹር ክትርኢ የኽእለካ። ራእይ ብዙሕ ዓይነትን ዝተፈላለየን እዩ። ካብቲ ክግለጽ ዝኽእል ዓይነታት ራእይ ግሓፈሻዊ ራእይ ጉጂለኣዊን ግላውን ራእይያት ኣለዉ። ሓፈሻዊ ራእይ ንኹሉ ሰብ ዝውሃብ ናይ ተልእኾ ራእዩ እዩ፡ ንኣብነት ጎይታ የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ዝሃቦ ራእይ ሎሚ`ውን ንዓና ይምልከተና ኣሎ። (ግብ 20፡25-32) ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ንኹልና እዩ። ጉጂለኣዊ ራእይ ድማ ንዝተወሰኑ ሰባት ዝወሃብ ራእይ እዩ (ግብ 6፡1-6)። ግላዊ ራእይ ድማ ብውልቅካ እቲ እግዚኣብሄር ዝረኣየልካ ነገር ክትበጽሕ ዘሎካ መገዲ እዩ (ግብ 6፡8-10)። ስለዚ ራእይ ሎሚ ብዝተፈላለየ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኩሉ ግና ሃሊፉ ንቅድሚት ዝጥምትን ድሕሪ ግለ እዋን ክኸውን ንዘለዎ ነገር ዘርኢ ኣዒንቲ እግዚኣግሄር ጌርካ (ተጠቂምካ ) ክትጥምተሉ እዩ። ራእይ ንምህላው እኹል ኣይኮነን፡ ራእይ ናቱ ዝኾነ ባህርያት ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ባህርያት ራእይ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ።

  1. ቃል፡ ራእይ ንዝተዋህቦ ወይ ራእይ ንዘለዎ ኩሉ ቃል ኣለዎ ኩሎም ናይ ኣምነት ኣቦታትና፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ቃል ስለ ዝነበሮም ነቲ ራእይ ክገድፍዎ ኣይኮነሎምን፡ በቲ ቃል ተስፋ ኪዳን ብእኡ ድማ ይእሰሩን ይጸንዑን።
  2. ህዝቢ፡ ራእይ ኩሉ ዝምራሕን ዝስዕብን ህዝቢ ኣልዎ
  3. ቦታ፡ ዝፍጸመሉ ቦታ ኣልዎ
  4. ግዜ፡ ራእይ ምሉእ ብሙሉእ ዝፍጸመሉ እዋን ኣለዎ (2ጢሞ 4፡1-4, ዮሃ 17፡4, 17፡1-2) ጳውሎስ ራእይ ጢሞቴዎስ ዝፍጸመሉ እዋን ከምዘሎ ይፈልእ ነይሩ እዩ።

እግዚኣብሄር ዝረኣዮ ምርኣይ

ራእይ ነዚን ካልእን ባህርን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ራእይ ኣሎኒ ኢልካ ቃል፡ ህዝቢ፡ቢታን ግዜን ናይ ራእይ እንተዘይፈሊጥካን ዘየስተውዒልካን ተፈጻምነት ራእይ ከቢድ እዩ። ስለዚ ራእይ ዝሕለወሉን ከይጠፍእ ክግበር ዘለዎ ነገራት ኣሎ። ምኽንያቱ ራእይ ሕጂ ዘይኮንካ እትርእዮ  ሓሊፍካ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስለ እትርእዮ እቲ ዘለኻዮ እዋን ተስፋ ዘይብሉ፡ ምንም ነገር ዘይርኣየሉ እዋን እዩ። ነዚ ምንም ዘይርኣዮ ራእይ ብትግሃት (2ጢሞ 4፡6-7) ብጽንዓት (ነህ 4፡1-23) ብስርዓት (ምሳ 29፡18) ብስርዓት ምሕባሩ (ነህ 8፡3, 10-13) ናብ ካልእ ምምሕልላፍ (2ጢሞ 2፡2) ብኩነታት ዘይምልዋጥ (1ሳሙ 13፡10-14) ብምዃን ኢኻ እትሕልዎ። ነህምያ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ እዋን እዩ ሓሊፉ መካባብያ ዮርሳሌት ተሃኒጹ ብትብዓትን ብጽንዓትን ብስርዓትን ዝረኣየ። ስለዚ ንሕና’ውን ሎሚ ንዝሓዝናዮ ራእይ ኣብ ተስፋ ዝበሃል ዘይብሉ ዝመስል እዋን ብጽንዓት፡ ትግሃት፡ ስርዓትን ናብ ካልኦት ብምትሕልላፍን ኵንን ተግባራውን ክንገብሮ ይግባኣና።

ራእይ ዝሃዘና ሰባት ቤተክርስትያንን ከም ምዃንና መጠን ዝተፈላለየ ብቕዓታት ክህልወና ኣለዎ። ምኽንያቱ ሎሚ ራእይ ኣሎኒ ዝብል ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እዚ ሓቀኛ በዓል ራእይ ግና ናቱ ዝኾነ ትብዓት ክህልዎ ኣለዎ። እምበኣር በዓል ራእይ ብቁዕ ክኸውንን ንጹር ጻውዒት ካብ ኣምላኽ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ቀንድን ናይ መጀመርታን ነገር ሰብ ራእይ ኣሎኒ ቅድሚ ምባሉ ኣብ ኣምላኽ ጻውዒት ክህልዎ ኣለዎ። ካብኡ ዘይሰንፍ ድማ ውፉይ ክኸውን ኣለዎ። (2ቆረ 11፡23-31, 2ጢሞ 4፡1-3)። ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ጻውዒትውን ውፉይ ክኸውን ኣለዎ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ በዓል ራእይ ሓቢሩ ዝሰርሕ፡ ንካልኦት ዝትክእን ሰብ ናይ ምልላይ ክእለትን ዓቕምን ክህልዎ ኣለዎ። ምኽንያቱ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ራእይ ናብ መፈጸምታኡ ንዘብጽሑ ከም ጢሞቴዎስን ካልኦትን ዘመሰሉ ዝጥምት ክኸውን ኣለዎ።

ራእይ ምህላውን ምፍጻምን ቀሊን ኣይኮነን ስለዚ ንራእይ ተፈጻሚ ንምግባሩ ዘድልዩ ረቛሒታት ኣለው። ገለ ካብኡ ድማ ነቲ ራእይ ዝኸውን ምድላው ኣዩ። ራእይ ሒዝካ ግና ዘይትግበር ክኸውን ይኽእል እዩ ስለዚ ተግባራዊነት ራእይ ፈሊጥካ ስትራተጂ ፡ ውጥንን መደብን ንትግባረ ራእይ ክትግብር ግድን እዩ። ምኽንያቱ ራእይ እንዳ ሃለወካ ተተግባራውንቱ ዝከውን ውጥንን ስትራተጂን እንተዘይብልካ ንራእይካ ክትበጽሕ ኣይትክእልን ኢኻ ስለዚ ራእይካ ንክትበጽሖ ክግበር ዘለዎ

  1. ቅርጺ ምትሓዙ (1ቆሮ 3፡10-11) መሰረት ምንጻፍ ናብቲ ሸቶ ዘብጽሓካ ስትራተጂ፡ ውጥንን መደባትን መገድን ድማ ምቋም።
  2. ውሽጣዊ ምድላው መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ምድላው (ነህ 6፡3, 9-13, 1ጴጥ 3፡15)
  3. ደጋዊ ምድላው (ተግባራውንት ) ኣብ ባይታ ምዕያይ (እዝ 8፡1-36, ዘጽ 18፡12-27)

ኣብ መደምደምታ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና ርእይ በዚ ዝረኣናዮ መገዲን ውጥንን ብምሓዝ ውፉያት፡ ጽኑዓት፡ ትጉሃትን ክንከውን ኣሎና። ምኽንያቱ ራእይ እንዳ ሃልወካ ብምኽንያት ምቅያር ቦት ጽቡቕ መጻኢ ብዘይምርኣይን ነቲ ራእይ ከነጥፍኦን ክንብተንን ኣይግብኣናን። እግዚኣብሄር ድማ ይርድኣና።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.