ንኣብይ’ዶ ነቲ ዓብይ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብዙሕ ደስ ዘብሉ ጽቡቕ ጽቡቕ ተስፋታት፡ ዜናታትን ብርሁው መጻኢታት ኣብ መንጎ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝረአየሉን ዝስምዓሉን ዘሎ እዋን እዩ። ነዚ ወሳንን ብርሁውን ውሳኔታት ብምውሳን ንለውጥን ንሰላምን ሰባት ክትንስኡ ምዕዛብ ድማ ኣዝዩ ደስ ዘብል እዩ።

መራሕቲ ሃገር ኮነ ፖለቲከይናታት ድማ ኣብ ኣተገባብርኦ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ድርሻን ትግባረታት ኣለዎም። ከም እንርእዮ ዘሎና ድማ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዘርእዮ ዘሎ ለውጢ ዝዓለመ፡ ሰላማውን ዞባውን ንጥፈታት፣ ኣዝዩ ደስ ዘብል እዩ። ከምዚ መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ተጎ ዝግብኦ ተጎ፡ ነቲ ፍርሃት ዝግብኦ ድማ ፍርሃት፡ ዝበለና ኣድናቆት ምሃብ ጽቡቕ እዩ።

«እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።» ሮሜ 13፡7

ግና ከም ሚዛናውነት ዝመስለ ጽቡቕ ነገር የለን፣ ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ጽንፈነት ኣሸጋርን ሕማቕን ስለ ዝኾነ እዩ። ክርእዩ እንከለኹ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከም ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ገይሩ ቀልብን ወንን ሰባት ዝሰሓበ ሰብ የለን መሸም። ከምቲ ምስሊ ገጽና፣ ኣተሓሳስባና ብዙሕ እንድዩ፡ ገለ ሰባት ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዎ ኣተሓሳስባ፡ ከም መናውሒ ግዜ ናይ ገዛኢ ሰልፊ ክርእይዎ እንከለዉ፡ ገለ ከም ካብ ላዕሊ ዝወረደ ልኡኽ፡ ገለው ሕልፍ ብዝበል ከም መልኣኽ ወይ ሰብ ዘይኮነ ልኡኽ ኢሎም ኣለዉ። ኩሉ ግርም እዩ፡ ግና ኣተሓሳስባና ክቃነን ክስተኻኸልል ግቡእ እዩ። ብልኽዕ ኩሉ ስልጣን ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ እየ ዝኣምን፡ ካብ ልዕሊ ንዝተዋህቦ ድማ ምንም ሓይሊ ዝምንጥሎ የለን። ንወዲ ኣምላኽ ክርስቶስ ናብ መስቀል ኣሕሊፉ ዝሃቦ፡ ጲላጦስ እኳ ከይተረፈ፡ ዝተዋህቦ ስልጣን ካብ ልዕሊ እዩ ነይሩ።

«. . . ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ።» ዮሃ 19፡11.

ብዙሕ እዋን ኣተሓሳስባን ኣገላልጻን ሰባት ምስ ዝዝንብዕ፡ ኣብ እንግሊዘይና ሓደ ቃል ኣሎ ንሱ ድማ ሜኒያ (mania) ዝብል ቃል እዩ። እዚ ቃል እዚ ብርግጽ ንቡዙሕ ነገራት ከስምዕ ይኽእል እዩ። ግና ትርጓሜኡ ዘይጥዑይ ካብ ልክዕ ዝሓለፈን ዝሰሓተን ዉዕዉዕ ስምዒት፡ ኣእምራዊ ክኸውን ይኽእል ኣካላዊ’ውን ኣጋንኖ፡ ምቅዋስ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ንስምዒታትና ዝቅስቅሱ ነዝዕታትን ቀመማትን ልዕሊ መጠን ነዳዲ ብምውሳኽ (elevation of mood)፣ ሃይፐር-ክቲቭ ወይ ልዕለ መጠን ይኾኑ። እዚ ሜኒያ ውሽጣዊ ወይ ደጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ብዝሓለፈ ድማ ሰባት ሃይፖሜኒያ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ልዕለ መጠን ዘይምኽንያታውያን (excessive or unreasonable enthusiasm) ይኾኑ። ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ወድዓውነት ኣጥፊኡ፡ ቅልጡፍ ናይ ሓጎስን ናይ ቁጥዐን ምልክታት፡ ምውካል፡ ባህሪ ለውጢ ወዘተረፈ ካልእ ምልክታትን ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ህይወት ሰብ ናይ ብዙሕ ዓይነታት ሜኒያ ክህሉ ይኽእል እዩ።

እዚ ኩሉ፡ እንታይ ኮን ክትብል ደሊኻ ኢኻ፧

ናብ ዋና ነገረይ ክኣቱ ፍቀዱለይ። ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ገጻትን ልጥፎታትን ገጽ-መጽሓፍ (facebook)፡ ዝተፈላለዩ ኣደነቅቲ ናእዳታትን መጎሳትን ብዛዕባ ኣብዪ ክውሕዝ ቀንዩን ኣሎን። ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ናእዳን መጎስን ጽቡቕ እዃን እንተኮነ ገለ ገለ ዝረኣኽዎ ግና፡ ንኽሓስብ እዩ ቀሲቡኒ። ብፍላይ ድማ ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ኣብዪ ክትዛረብ እንከላ ካብ ዝበለቶ፣ «ዶክተር ኣብዪ ሰብ ኣይኮነን ብምባል ሕፍሶ ዝኾኑ ምኽንያታትን ጭብጥታትን፡ ኣብዪ ሰብ ዘይምዃኑ ዘረጋግጹ ጭብጥታት (ብናታ ኣበሃህላ) ዝርግፍ ኣቢላቶም። ወይ ጉድ! ዶክተር ኣብዪ ሰብ ዲዩ፧ እዚ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ሜኒያ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ዝኸይድ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ሜኒያ እዩ። ስለዚ ኣብ ሰባት ብምኽንያት ዶክተር ኣብዪ፡ ሜኒያ ይርአ ኣሎ። እዚ ናይ ዶክተር ኣብዪ ሜኒያ፡ ምስዓብን ምውካልን (ምእማን)፡ ገለ ገለ’ውን ምምላኽ ዝኸይድ እዩ።

ናብቲ ዘምጽኣኒ ሓሳብ፣ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ዝነበረ ናእዳታትን ምስጋናታት መራሕትናን ተጋደልትን ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ዋላ እዃ ኣዝየ ንኡስ ዕድመ እንተ ነበረኒ፡ ሓንቲ ዘይርስዓ ተዘክሮ ግና ኣላ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዛረብ እንከሎስ፣ «እዝስ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ነብዪ ኢሳይያስ እዩ።» በለ። ብምቅጻል ድማ «ቃላቱ መሬት ኣይወድቕን፡» ክብል እንከሎ ኩሉ ግዜ ይዝከረኒ። እዚ ልኽዕ ከምዚ ሎሚ ንዶክተር ኣብዪ ዝውሕዘሉ ዘሎ ኣድናቖትን ምስጋናን ኮይኑ ይስምዓኒ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ሓደ ታሪኽ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ኣብ 1ሳሚኤል 17ን 18ን ዝርከብ እዩ። ዳዊት ንጐልያድ ቀቲሉ ምስ ሰዓረ፡ ኣብ ምዕራፍ 18 ካብ ጥቕሲ 1 ከም እነንብቦ፡

«ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ።» ኢለን ደረፋ።

ናእዳን ወደሳን እምበኣር ካብ ቀደም ዝነበረ እዩ። እቲ ክፋእ፡ ኣብቲ ናእዳን ወደሳን ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ክፋእ፡ ኣብቲ ነዚ ኩሉ ጽቡቕ ዝገበረ፡ መበቆልን መሰረት ኩሉ ሰናይን ሰናያትን ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ ንበይኑ ክወሃብ ዝግብኦ ሞጎስን ምስጋናን ኣብ ሰባት ክኸውን እንከሎ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ናእዳን ወደሳን እግዚኣብሄር እንተዘይኣኽቢሩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንተዘይወደሰ እንታይ ይጠቕም። ኣብዚ ናይ ዳዊትን ናይ ሳኦልን ነገር፡ ስም እግዚኣብሄርን ውዕለቱን ኣይተላዕለን። ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እተን ኣንስቲ፡ ዳዊት እምበር፡ እቲ ንዳዊት ዝረድአ ኣምላኽ ኣይነበረን። ኣብዚ እዋን ድማ ዝርአን ዝሽተትን ዘሎ ኣብዪ እምበር፣ እቲ ንዶክተር ኣብዪ ከም ሻምብቆ ዝተጠቀመ እግዚኣብሄር፡ ከነህስሶ ኣይግባእን። ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ጸሎትና ንብዓትናን ርእዩ፣ ምላሽ ዝኾነና እግዚኣብሄር ከነክብሮን ሞሳ ክንመልሰሉን ይግብኣና።

ከምዚ ዓይነት ነገራት ግና ኣብ ዘመነ ኦሪት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዘመነ መንፈስ ቅዱስን ዘመነ ሃዋርያትን’ውን ኣጋጢሙ እዩ። ኣብ ግብረ ሃዋርያት፡ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን ዝብሃሉ ከምዝነበሩን፣ ምግቦም ድማ ኩሉ ግዜ ካብ ንጉስ ሄሮዶስ ይወስዱ ከምዝነበሩ ይነግረና። ኮይኑ ግና ሓደ እዋን ምስ ሄሮዶስ ተጻሊኦም ተባኢሶም ነበሩ እሞ፡ ምግቢ ተከልኪሎም ጥሜት ኮይኑ ነይሩ። ነዚ ነገር እዚ ዝዓርቆም ካብ ግዝኣት ንጉስ ዝኾነ ሓለቃ ሽሕ ቤት ንጉስ ረኪቦም ድማ ዕርቂ ንንጉስ ሄሮዶስ ለመኑ። ተዓርቂ፡ ሰላም ኮነ፡ ኮይኑ ግና ዕርቂ ምስ ኮነ ሄሮዶስ ክዛረብን ድምጹ ከስምዕን ምስ መጸ፣ እቶም ሰብ ጢሮስን ሲዶናን ከምዚ በሉ፣

«እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩ። ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ሐሲኹውን ሞተ።» ግብ 12፡22-23።

ኣብዚ፡ እዞም ሰባት እግዚኣብሄር ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ብመገዲ ሄሮዶስ ዘይረኣዩን ዘየመስገኑን፡ ነቲ ሄሮዶስ ዝገበረሎም ምስ ናይ እግዚኣብሄር ክብርን ድምጽን ኣመሳሰልዎ። ያኢ ድምጺ ሄሮዶስ’ሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኮይኑ። እቲ ዝገርም እኮ ሰብ ክንእደካ፡ የጽድፈካ እዩ። በተን ንሄሮዶስ ዝነኣዳ ልሳናውንቲ፡ ሄሮዶስ፡ ቅድሚ ሕጂ ተረጊሙ ምንባሩ እዩ።

ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ዶክተር ኣቢዪ ዝበሉ፡ ንለውጥን ሕዳሴን ዝሓስቡን ዝዕልሙን መራሕቲ ስለ ዝሃበና ስሙ ምስጉን ይኹን። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና እዩ፣ «ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር።» ምሳ 29፡2። ንእግዚኣብሄር ዝፈልጡን ንኣምላኽ ዘኽብሩን፡ ፍቕሪ ሕውነት ዘሓይሉን ዘሰስኑን፡ ንለውጥን ግስጋሴን ዝሓስቡን፡ ዝወፈረ ዝኣትወሉ፡ ዝገሸ ዝምለሰሉ፡ ሓረስታይ ዝሓርሰሉ፡ ነጋዳይ ዝነግደሉ፡ ተማሃራይ ዝመሃረሉ፡ ኮታ ሰላምን ዕረፍትን ዝሰፍነሉ፡ ልዕሊ ማንም ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስሉን ኣርኣይኡን ዘንጸባርቁ መራሕቲ ክበዝሑልና ጸሎትና እዩ። ስለ መራሕትኩምን ነገስታትኩምን መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህለላን ምስጋናን ክግበር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ ክንጽሊ ይግባእ (1ጢምሞ 2፡1-2)። ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ድማ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ክንህቦ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ሓንትስ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ዝኾነ ክብሪ፡ ንዕኡ ንበይኑ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚ ነስተውዕል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንፈርኦን ንፈረስን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ምስ ኣጥሓሎምን ኣስጠመሙን፡ ዝተዘመረ መዝሙር ዓወትን ምስጋና ኣምላኽ ደኣ ንዘምር። ሚርያም ሽዑ ከበሮ ሒዛ ዝሳዕሰዐቶ ንኣምላኽ ንምውዳስ ዝገበረቶ ሞጎስ ንኣምላኽና ንሞግስ።

“ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ።ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።” ዘጸ 15፡19-21

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply