ንሰይጣን ስዕረቱ ነፍልጦ

“. . . ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።” (ያእ 4.7)

ዳርጋ ኩልና ንሰይጣን ኣይንፈትዎን ኢና። ግና፡ ብንጹር ድማ፡ ንሰይጣን ስዕረቱ ነፍልጦ ። ግና በቲ ብዝሒ መጠን ሰይጣን ኣብ ህይወትና፡ ዝፈተነናን ዝመጸናን — ብኡ መጠን፡ ብዝበለጸ ንንቃሕ — ምኽንያቱ እቲ ክቡር ዓወት ናይ ክርስቶስ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝውከልዎን ዝኣምንዎን ዝያዳ ስለዝግሃድ።

ምሉእ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምህሮ ከምዝምህረና፣ ክርስቶስ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ሰይጣን ወሳኒ ስዕረት ተሳዕረ። ንሰይጣን ስዕረቱ ነፍልጦ ። ንዝተወሰነ ግዜን፡ ዝተወሰነ ነጻነት ጥራይ ተፈቕደሉ ኣሎ፣ ግና ሓይሉ ኣንጻን ናይ እግዚኣብሄር ህዝቢ ስዑር፡ ድኹም፡ ብፍጹም ፍሩስን እዩ። ብሓይሊ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ተሳዒሩ እዩ።

ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን
በኣብይ ሃይል ወስለጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን
ወ ኣግኣዞ ለኣዳም
ሰላም
እምእዝየሰ
ኮነ ፍስሓ ወሰላም

  • “. . .  ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ።” (1ዮሃ 3.8)
  • “እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን [ሰብ መሰለ] ካብ ዚሐብሩስ [ንሱ፡ ክርስቶስ]፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ . . .” (እብ 2.14)
  • ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ [እግዚኣብሄር ኣምላኽ]፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም። (ቆሎ 2.15)

ብካልእ ኣባህላ፡ እቲ ዲያብሎስ መታለሊ፡ ናይ ምትላል ግብሩ ኣብ መስቀል ቀራንዩ፡ ተጋሂዱን መደምደምታ ተገይርሉን እዩ። ከምኡ ድማ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ውሱን ዘለዎ ነጻነት ፍጹም መደምደምታ ዝግበረላ መዓልቲ ክትመጽእ እያ። ንሳ ድማ ከምቲ ኣብ፡ ራእ 20.10 ኢሉና ዘሎ፣ “እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን [ንሱ’ውን ክድርበ እዩ] ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።”

እዚ፡ ነቶም ናይ ክርስቶስ የሱስ ሰዓብቲ እንታይ ማለት እዩ፧

  • “እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።” (ሮሜ 8.1)
  • “ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ።” (ሮሜ 8.33)
  • “. . . [ንዋላ ሓደ እዃ] መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና። (ሮሜ 8.38-39)
  • “. . . ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።” (1ዮሃ 4.4)
  • [እቶም ቅዱሳን] ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።” (ራእ 12.11)

በዚ ምኽንያት’ዚ፣ “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ!” ድያብሎስ ተሳዒሩ እዩ፣ እቲ ዓወት ድማ ብትንሳኤ ክርስቶስ ንዓና ተዋሂቡ ኣሎ። ተራና እምበኣር፡ ኣብዚ ናይ ትንሳኤ ዓወት ክርስቶስ ምምልላስን ምንባርን እዩ። ንሰይጣን ድማ ስዕረቱ ክፈልጥ ምግባር እዩ። ንሰይጣን፣ ብትንሳኤ ክርስቶስ ከምዝተሳዕረ ንገሮ። ስዑር ጸላኢ እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply