… ዋጋ ጐይታ ይበልጽ …

ነቲ ጽቡቕ ግብርና፡ ብፍጹም ኣይሃርፎን፣ ንዝኣተናዮ ቃል ተኣማሚኑ ኣይምሕረናን፣ ንጽባሕ ክጠቕምኒ ይኽእሉ እዮም ኢሉ፡ ነቲ ቑንጣሮ ዓቕምና ቢሂግዎ ኣይፈልጥን እዩ። ግና፣ እቲ ምእንታና እተሓርደ ገንሸል ፋሲካና፡ ክርስቶስ፡ ዝኸፈሎ ዋጋ፣ ዋጋና ዓብዪ እዩ። ኣብ ምድሪ ኮነ ኣብ ሰማይ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ፣ እቲ እተሓርደ ናይ እግዚኣብሄር ገንሸል ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። ንሱ፣ ምስ ምንም ክወዳደር ዘይክእል ዋጋ ከፊሉ፡ ነቲ መለኮታዊ ዝኾነ ፍቕሩ ክንቕበል ኣብቒዑና። ነዚ ዓብዪ ምድሓን፣ ብቑዓት ክንከውን ድማ ፍቱን መድሃኒት ዝኾነ፡ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ክርስቶስ የሱስ እዩ።

እወ፣

“ንፍቕሩ፡ ስግኡ ብምስቃል ኣርኣየ፡ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ደሙ ብምፍሳስ ተሓትመ። በቁሳሉ ምስ እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ዕርቂ ረኸብና። ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ኮነ (ሉቃ 2፡14)። እንሆ ድማ ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ምዕራፍ ከፊትና። ምስ እግዚኣብሄር ኮነ ምስ ሰብ ክንዕረቕ መድሓኒ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለልና። ምድሓንና ተኣወጀ። ሓጢኣትና ተሰረየ፣ ኩሉ ዝነበረ ሓጢኣትና ብክእለትን ጸጋን እግዚኣብሄር ተሓድገልና፣ ዓመጻ ዘበለ ረሓቀልና፣ ናይ ዘልኣለም ጽድቂ ተዋህበና፣ ምሕረት ኣምላኽ ተበሰረልና፣ ፍቕሪ ኣብ መስቀል ብክርስቶስ ተመስረተልና። ብሓይሊ ትንሳኤኡ፣ ጸልማት ተቀንጢጡ፡ ብርሃን ነጊሱ፣ ክብሪ ንእግዚኣብሄር ንበይኑ ጥራይ ኮይኑ።”

ነዚ ከምዚ ዝበለ መድሕኒ፣ ይቕረ ንክብል፡ መንጎኛ ኣማላዲ መተዓረቂ ኣየድለዮን። መምጺኢኡ ምኽንያት ንደቂ ሰብ ናይ ይቕሬታ፡ ምሕረት ህይወት ክህብ እዩ። ካብ ህላውኡ ሪሒቕና ኣብ ዝተፈለናሉ ግዜ፡ እግዚኣብሄር ናብኡ ተመሊስና ክንመጽ ብልቡ ይናፍቐና እዩ። ካብቲ ፍቕሩ፡ ሓለውኡ ብምጉዳልና ምኽንያት ስሌና ይነብዕ፣ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ብፍቕሩ ክሓቑፈና ይጽበ እዩ። ናባና ይጎይይ፣ ኣብ ውሽጢ ሑቕፉ ይእክበና። ከማና ዝበሉ ዓመጸኛታትን ሓጥኣንን፡ ይቕረ ኢሉ ክቅበለናን ክእክበናን ምሕረቱ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሓደ፡ ዲ. ኤል. ሙዲ ከምዝበሎ፡  “ካብቲ ኣብ ውሽጥና ኮይንኑ ዝጭድር ናይ ሓጢኣትና ህውከት ንላዕሊ፡  ንልቢ ዘዕርፍ ጭድርታ ምሕረትን ይቕሬታን እግዚኣብሄር ኣጸቢቑ ይስማዕ።”  ብኻልእ ኣበሃህላ ድማ፣ ካብ ሓጢኣትና ንላዕሊ ምሕረት እግዚኣብሄር ይበልጽ።

ምድሓንና ብጸጋ እግዚኣብሄር እዩ፣ ምሕረት ዝረኸብናሉ ድማ ብእምነት እዩ። እዚ ማለት ግና፣ ናይ እግዚኣብሄር ጸጋን “እምነትናን” ብምውሳኽ ወይ ብምሃብ ንድሕን ማለት ኣይኮነን። እምነትና እኮ ብረዲኤት መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና እምበር ካበይ ዘምጻእናዮ ዲዩ፧ ብካልእ ኣበሃህላ፣ ኣብቲ ናይ እንግሊዘይና ከምዚ ይብል፡ “God does justify the believing man [sinner], yet not for the worthiness of his belief, but for His worthiness who is believed.” ማለት፥ “እግዚኣብሄር ንዚኣመነ [ሓጢኣተኛ] ሰብ የድሕኖ፤ ግን ናይቲ ኣማኒ እምነት ምንም ዋጋ የብሉን ግና ብምኽንያት ብዝኣመኖ ብእኡ [ክርስቶስ] ብዘለዎ ክቡር ዋጋ እዩ።

ነቲ ዝኣመንናዮ፣ ክብሪ ይግብኦ እዩ!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply