ሓይሊ ሞት ተሳዕረ

ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን
በኣብይ ሃይል ወስለጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን
ወ ኣግኣዞ ለኣዳም
ሰላም
እምእዝየሰ
ኮነ ፍስሓ ወሰላም

ብርግጽ ሓይሊ ሞት ተሳዕረ . . .

ነዚ ነገር ክብሃል እንከሎ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝብለኒ ነገር፡ ወጋሕታ ተንሲእና ምስ ወለደይ ናብ እንዳ ማርያም ቤተክርስትያን ከድና መስቀል ክንስዕምን ኣቦይ ቀሺ ድማ «. . . ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን» ይብሉና። ብርግጽ ትርጉሙ፡ ኣይርድኣኒን እዩ ነይሩ።

ግን ክንደይ ኮን ጥዑም እዩ ተረዲኡካ እትገብሮ ነገር!

ዓርቢ ስቕለት ክኸውን እንከሎ፣ ማይ ክንሰቲ ወይ’ውን ገለ ነገር ክንበልዕ ኣይፍቀደልና። በዚ ምኽንያት ጾምካ ምውዓል እዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝዓበየ ሕቶ ዝኾነኒ ዝነበረ “ስለምንታይ እዮም ንየሱስ ቀቲሎሞ፣ ገባሪ ጽቡቕዶ ኣይነበረን፧” ዝብል ሕቶ እዩ ኔሩ። ንቐተልቱ ድማ ብጣዕሚ እጸልኦም ኔረ። ዓርቢ ስቕለት ከም ናይ ጓሂ መዓልቲ ኮይና እያ ትስምዓኒ ኔራ። ከመይሲ እቲ ሕያዋይ የሱስ ስለ እተሰቕለን ዝሞተን። ንዕኡ ክሓስብ እንከለኹ ድማ ጓሂ ይስምዓኒ፡ ስለ ዝነበረ ብዝተኻእለኒ መጠን ጾመይ ክውዕል እየ ዝፍትን ኔረ። ሰንበት፣ ትንሳኤ ወይ ፋሲካ ምስ ኮነ ግና እቲ ናይ ዓርቢ ስምዒታት ኩሉ ይጠፍእ’ሞ ጐይታ ተንሲኡ ብዝብል ሓጎስ ይትካእ።

ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ’ውን፡ ኣብ እዋን ስቕለቱ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከምዝነበሩ እስከ ንሕሰብ። ተስፋ ጌሮምዎ ዝነበሩ፣ ብዙሕ ድንቅን ተኣምራትን ዝገበረ መራሒኦም እዩ፡ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፉ እተዋህበ። ከም ናብ ማሕረዲ እትኹብከብ በጊዕ ስቕ በለ እምበር፡ ንርእሱ ክከላኸል ኣይፈተነን። ጴጥሮስ እኳ ኣይሰለጦን እምበር ክከላኸለሉ ፈቲኑ ኔሩ። ምስ ሞሟት ክርስቶስ ድማ ኩሉ ነገራቶም እዩ ተቐቢሩ። ትንሳኤ ዝብሃል ነገር ኣይረኣዮም እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ደጊም እንታይ እዮም ክገብሩ፣ ናበይ እዮም ክኸዱ፣ ዝፈልጥዎ ኣይነበሮምን። ኩሉ ነገራቶም ሓዲጎም እዮም ስዒቦሞ፡ ድሕሪ‘ዚ ግና ንቕድሚት ከኺዶም ዝኽእል ተስፋ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ኩሎም ናብቲ ናይ ቀደም ተግባራቶም ክምለሱ ጀመሩ። ተስፋ ሃዋርያት ግና ጸልሚቱ ኣይተረፈን። እቲ ተስፋ ጌሮምዎ ዝነበሩ የሱስ፡ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን። ንሞት ስዒሩ ተንስኤ። ተስፋኦም ድማ ተሓደሰ።

“ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1 ቆረ 15፡17-19

ንክርስትና ትርጉም ካብ ዘልብስዎ እመነ-ኵርናዕ እምንትኡ፡ ካብቶም ቀንዲ ሓደ ትንሳኤ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ዘይምህላዉ ትንሳኤ፡ ንክርስትና ትርጉም ኣስኢኑ፡ ነቶም ሰዓብቱ ካብ ኹሉ ሰብ ዘደንግጹ ውጹዓት ምገበሮም ነይሩ። ግናኸ

“. . . ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ . . .” ሉቃ 24፡34።

ንክርስትና ካብ ካልእ እምነታት ፍልይ ዘብሎ፡ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ምትንሳእ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ከም ቦኽሪ ኩሎም ምውታንን ማእሰር ሞት በቲኹ ካብ ሞት ምትንስኡን እዩ። ይኹን እምበር ርዝነትን ኣገዳስነትን ትንሳኤ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ካብቲ ዲያብሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ምዕባጥ ዝገብሮ ላዕልን ታሕትን፡ ምስትብሃል ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ክርስቶስ ተንሲኡ ዘይኾነስ ተሰሪቑ እዩ ብምባል ነቲ ሓቂ ክዓብጦ ፈቲኑን፡ እዚ ወረ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣይሁድ ይውረ ኣሎ።

ሃዋርያ ጳውሎስ

“ንሱ (ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።” ሮሜ 4፡25

ኢሉ ይምህረና።

“. . . ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡” 1ቆረ 15፡3-4

ትንሳኤ ክርስቶስ ምስ ሓጢኣትን ሞትን (ማለት መንፈሳዊ ሞት) ከምኡውን ምስ ጽድቂ ብቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ስለዚ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሞት ምፍላጥ ናይ ግድን ክኸውን እዩ። ፍጥረት ደቂ ሰብ ከምኡውን ሓጢኣት ካብ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝጀመረ እንርድኦ ሓቂ እዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ድማ ሞት፡ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ፡ ናብቶም ከም ሙሴ ዝኣመሰሉ ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳምውን ዘይግበሩ ሓለፈ። ኩሉ ሰብ ሓጢኡ ክብሪ ኣምላኽ ድማ ስኢኑ።

እዚ ሞት’ዚ፣ እቲ ብኣምላኽ፡ ካብኣ ምስትበልዑ መዓልቲ ሞት ክትሞቱ ኢኹም ዝተባህለሎም – መንፈሳዊ ሞት እዩ።

“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።” ዘፍ 2፡16-17

በታ ነታ ኦም ዝበልዓላ መዓልቲ እዚ ሞት ኣብኡ ትፍጸመ፡ ስጋዊ ሞት ግን ኣይነበረን።

ሞት ማለት ብመሰረቱ ምፍላይ ማለት እዩ። ሰብ ብስጋ ካብ ማእከልና ምስ ዝፍለ፣ ሞይቱ ንብሎ። እዚ ድማ ምፍላይ ነፍሱን መንፈሱን ካብ ስግኡ የመልክት። ብእኡ መንጽር ከኣ እቲ ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጸመ (መንፈሳዊ) ሞት፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ምፍላይ ካብ ኣምላኽን ህላውነቱን የመልክት። ከም መርኣያኡ ድማ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ካብ ገነት ሃልሃል እትብል ሴፍ ብዝሓዘ ኪሩቤል ተሰጉ ወጹ፡ ዘፍ 3፡24።

ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ፡

“. . . ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ . . .” ኢሳ 59፡2

ብሰሪ እዚ ዘይምእዛዝ ሰባት ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ክነብሩ ጀምሩ። ምክንያቱ ነቲ እትእዘዞ ዘበለ ኩሉ ብግብሪ ባርያኡ ኢኻ እትኾኖ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል

“ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ሮሜ 6፡16

ንባርያ ምውጻእ ሓራ ከም ዘድልዮ፡ ሰባት ድማ ሓርነት ዘድልዮም ፍጥረት ኾይኖም ተረኽበ። ምውጻእ ሓራ ድማ ብዘይ ኣውጻኢ ሓራ ስለዘይሕሰብ፡ መድሕን (deliverer) ኣድለየ። እንተኾነ ፍጹም ሓርነት ከውህብ ዝኽእል ምብጃው ዝፍጽም መድሕን ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝኾነ ፍጡር ኣይትዋህቦን እሞ፡ እቲ ካልኣይ ኣካል ስላሴ ባዕሉ ብኣካል ሰብ ኮይኑ፣ ካብ ድንግል ማርያም ክውለድ ናይ ግድነት ኾነ። ስለዚ እዚ ነገር ንፈጣሪ ዙፋኑ ገዲፉ ንኽመጽእ ክሳብ ዘገድዶ ዓሚቅ ምስጢር፡ ከቢድ ርዝነት ዘለዎ ዋጋ ኣኽፈሎ እዩ።

“ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።” ግብ 4፡12

ካብ ሞት ምድሓን ብእኡ ጥራይ ማለት፣ ብክርስቶስ እዩ።

ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝተመልከትናዮ፡ ክልተ ዓይነት ሞት (ማለት መንፈሳውን ስጋውን) ከም ዘሎ፡ ክልተ ዓይነት ትንሳኤውን ኣሎ (መንፈሳውን ስጋውን)። ከምቲ ብሰሪ ኣበሳ ኣዳም መንፈሳዊ ሞት ቅድሚ፣ ድሒሩ ድማ ስጋዊ ሞት እተጋህደ፡ ብምክንያት ምእዛዝ ክርስቶስ እቲ መንፈሳዊ ትንሳኤ ድማ ተረኪበ። ክርስቶስ ሞት ስዒሩ ተንስአ። ሓይሊ ሞት ተሳዕረ

“ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።” 1ቈረ 15፡55-56

ሓይሊ ሞት ተሳዕረ ፡ ብግልጺ ሓይሊ ሞት ስዒሩ፡ ነቶም ብእኡ ዘበሉ ድማ ኣብ ምጽኣቱ ብዝግለጽ ናይ ትንሳኤ ሓይልን ውሕስነትን ሃቦም። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቅሰ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ምእንቲ ጽድቅናውን ተንስኤ። ስለዚ ትንሳኤ ካብቲ ብፍቓድና ኣብ ልዕሌና ዝሸምናዮ ሓጢኣት ዘናገፈና ዓብዪ ፍጻሜን መገዲ ኣምላኽን እዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ብዝዘክርናሉ እንእውጆ ናይ እምንትና ኣዋጅን ናይ ክርስትናናን ሓቅን እዩ።

ካልእ ትንሳኤ ኣዋጅ ሰላምና እዩ። እቲ ሓደ ሰላም፡ ሰላም ምስ ኣምላኸ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ሰላም ኣብ ንሓድሕድና እዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን እቲ ቀዳማይ ዘጥፍእዎ ነገር እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ሰላም እዩ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረ ሰላም’ውን ጠፊኡ እዩ። ብሕፍረት ካብ ንሓድሕዶም ኽርሓሓቁ፡ ካብኡ ሓሊፎምውን ኽካሰሱ ጀመሩ። ካብኦም ናብ ደቆም፡ ካብ ውለዶ ናብ ወለዶ ድማ ሰገረ። ብትንሳኤ ጎይታ ከም ዝረኸብናዮ እንእውጆ ዓቢ ጸጋ ድማ ሰላም እዩ። ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ድማ ምስ ስብ።

“እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።” ሮሜ 5፡1

ነዚ ብሓይሊ ትንሳኤ ዝተዋህበና ሰላም ንነብረሉ’ዶ ኣሎና፧ እንተዘይኾይኑ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለና

“ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” ማቴ 5፡9

ናይ ውሉድ ኣምላኽ መርኣዪ እዩ’ሞ ኣብ ከባቢና ንሰላምን ምህዳእን ምኽንያት ክንከውን ይግብኣና እዩ።

ዓለም ብብዙሕ ነገራት ትናወጽ ኣላ። ምንቅጥቅጥ መሬት፣ ምዕልቕላቕ፣ ህቦብላ፣ ውግእን ናዕብን ፌራን … ወዘተ፣ መኽፈቲ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ማዕከን ዜና ዓለም ድማ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ጠፊኦም፣ ብዙሓት ዝነበሮም ስኢኖም፣ ብዙሓት ፈተውቶም ሓሊፎም እናተባህለ ይውረ ኣሎ። ህዝብና‘ውን ካብዚ ኣደዳ መዓት ኣየምለጠን። ኣብ ፍቖዶ ባሕርን ምድረበዳን ይጠፍእ ኣሎ፣ ገለ ድማ ከርተት ይብል ኣሎ። ሞትን ስቓይን ዝነገሰ ዀይኑ እዩ ዝስምዓካ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ እንኮ ተስፋ ክኾነና ዝኽእል እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ እዩ። ጸላኢ ክሓርድን ከጥፍእን እዩ ዝመጽእ፣ ክርስቶስ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ክህብ እዩ ዝመጽእ።

ክርስቶስ ብመስማር ክሽንከር እንከሎ እምበኣር ንሓይሊ እቲ ብሰንኪ ሓጥኣትና ዝመጸ ሞት እዩ ካባና ዝወሰዶ። ሓይሊ ሞት ተሳዕረ ። ነዚ እተረድአ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፣

“ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” 1ቈረ.15.55-57

እምበኣርከስ ንዘክር፣ ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘሎና ነቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስኤን እንበር ንርእስና ምእንቲ ከይንነብር ኢሉ እዩ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞተ እሞ ብኹሉ ናብራና ንዕኡ ብምኽባር ንንበር (2ቈረ.5.15)።

“እቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።” ሮሜ 8፡11

ኣሜን!!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.