ሰላም ኣብ መንጎ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም

ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። (ሉቃ 2፡12-14)

ሰላም ንመን፧

ኣብ መንጎ እቶም ማሎም ብለይቲ ክጓስዩ ዝወጸ ጓሶት፡ ሓደ ድሙቕ ብርሃን ናይ መልኣኽ ኣምላኽ ኣብርሀ። ሰላም! ሰላም ኢሉ ኣወጀ። ሰላም ኣብ  ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት። ሰላም ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዘሐጉሱን ዘስምሩን ሰባት። ግና፣ መን እዩ ንኣምላኽ ዘስምርን ዘሐጉስን፧ ብዘይ እምነት ማንም ሰብ ንኣምላኽ ከስምር ኣይክእልን እዩ (እብ 11፡6)። ስለዚ፡ ልደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ኣይኮነን ሰላም ዘምጽኣሉ፣ ብዘይካ ነቶም ዚኣምኑ።

እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። (ዮሃ 3፡19)። ወይ ድማ ከምቲ እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ – ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዚጽበን፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ዝነበሮ ሰብኣይ – ስምኦን ዝበሎ፣ ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምውዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። . . . (ሉቃ 2፡34-35)። ስለዚ፣ ጌሌና ካብቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዝግበር ኣሸበሸብ ሽመታን፡ ብሪቕሪቕ ድምቀት መብራህትታትን ዝተፈላለዩ ሽልማትን ሓሊፍና ዘይንርኢ ክንኸውን ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ሓደ ካብ ምልክት ምጽራር እቲ ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ ክርስቶስ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ወይ ንምትንሳእ ወይ ድማ ንውድቀት ስለዝኾነ።

ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። (ዮሃ 1፡11-12)። ንዚኣምን እዩ። ጐይታ ድማ ንደቂ መዛምርቱ ንብሕቶም ከምዚ ኢልዎም ኣሎ፣ –  ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን። (ዮሃ 14፡27)።

እቶም ንኣእምሮ ኩሉ ዝሓልፍ ሰላም ኣምላኽ ኣብ ህይወቶምን ናብርኦምን ዘስተማቕሩ ሰባት፣ እቶም ድሌቶም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ዘፍልጡ እምበር፡ ብገለ እኳ ዘይጭነቑ እዮም። ንሳቶም እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ኣብ ልቦምን ሓሳቦምን ብክርስቶስ የሱስ ዚሕልዉ እዩም። (ፊሊ 4፡6-7)።

ስለዚ እቲ እንኮ መፍትሕ፡ ናይቲ ዘይነጽፍ መዝገብ ሰላም ኣምላኽን ተስፋታት ኣምላኽ፡ እምነትን ምእማንን ኣብ እግዚኣብሄርን ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። በዚ ድማ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሊዩ ኣሎ፡ – “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።” (ሮሜ 15፡13)። ስለዚ ነቲ ተስፋታትን እምንቶን ኣምላኽ እንተደኣ ኣሚንናዮ፡ ኣብ ህይወትና ሓጎስ፡ ሰላምን ፍቕርን ይህልወና – በዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ኣብ ህይወትና ይኸብር እዩ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ኣርያም፡ ከምኡ’ውን ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት! እዚ  ንኹሉ – ካብ ኩሎም ህዝብታት፡ ኣህዛብ፡ ዓሌታት፡ ልሳናትን ሃገራትን – ነቶም ዚኣምኑ፡ በቲ ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ ክርስቶስ የሱስ እዩ። ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    ሰናይ ሓወይ ኣምላኽ ይባርኽካ!

Leave a Reply