‘ቲ ኣንበሳን ‘ቲ ገንሸልን

እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።(ማቴ 12፡18-21 ካብ ኢሳይያስ 42 ዝተጣቀሰ)

እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ባህ ዝብሎን ብሓጎስን ደስታን ዝርስርስ ብወዱ ጥራይ እዩ። ከስምረሉ፣ ብወዱ ጥራይ እዩ። በቲ ትሑትን ኣዝዩ ወሪዱ ባርያ ዝመሰልን፡ ሰብ ዝመሰለን ክብሩ ዝደርበየን እንኮን ሓደን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።

እታ ዓቖሚ ስኢና ሰንከልከል ኢላ፡ ነቀይ ነቀይ እትብል ሻምብቆ፡ ክትስበር ነቂዓ ምስ ዘዘው ዘዘው ምስ በለት። ዝድግፋን ደው ዘብላን፣ ‘ቲ እንኮ ‘ቲ ጊልያን ባርያን ዝኾነ ጐይታ እዩ። ንሱ ጉድለታ መሊኡ፡ ምልእቲ ይገብራ። ሕማማን ቊስላን ሰፊፉ፡ ጥዕይቲ ይገብራ። እታ ፈትሊ ጥዋፍ፡ ብንፋስ እትንብድበድ፡ ንፋስ ሃዊጹ ከጥፍኣ ዝረበጻን። ነታ ሽምዓ መብራህቲ፡ እታ ኩራዝ ብርሃን ቤትና ደብዚዛ ጽልግልግ ኢላ ሃሲሳ በርዚዛ፣ ግና ‘ቲ ኣገልጋሊ፡ ጊልያን ባርያን ዝኾነ ጐይታ ኣየጥፍኣን። እዃ ደኣ ይልኲሳ፡ የንድዳ ደጊማ በሪሃ ክትቀውም፣ ብርሃን ክትህብን ክትደምቕን።

በዚ ድማ፣ ኣቦ ካብ ሰማያት ድምጹ ኣውሲኡ፡ እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ዝበለ። ክርስቶስ የሱስ፣ ብቑዕን ጅግናን ወዲ ኣምላኽ እዩ። እዚ ግና ካብቲ ንጉሳዊ መንነቱ (ዘርኢ ዳዊት ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ) ጥራይ ዝመጸ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ካብቲ ትሑትን ስቡርን ምስ ረአይዎ ገጾም ዘጎልበብሉ’ውን ዝተናዕቐ መንነቱ ጥራይ’ውን ዝመጸ ኣይኮነን። ብቕዓቱን ጅግንነቱን ግና፡ ካብቲ ፍጹም ሚዛናውነት ኣምላኽነቱን ትሒቱ ሰብ ምምሳሉን ዝመጸ እዩ።

እቲ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፡ ኣወጀ፡ ነገረ . . .  ኣብ ራእይ 5፡2 ነዚ መጽሓፍ እዚ ኺግንጽሎ ንማሕተሙ’ውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን ኣሎ፧  ማንም ነቲ ማሕተም ኪፈትሕ ብቑዕ የለን። እቲ መልሲ ድማ ብኡ ብኡ መጸ፣ ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ ኣሎ፡ በለኒ። (ራእይ 5፡5)። ሃሌሉያ!!

እግዚኣብሄር ኣቦ፣ ብርታዔን ሓይልን ናይ’ቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣንበሳ ኣዝዩ ይፈትዎ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ብቑዕ ገይሩዎ። ነቲ ናይ ዘመናት ታሪኽን ናይ መወዳእታ ዘመንን ቁጻር ንምፍታሕ ክእለትን ብቕዓትን ኣለዎ።

ግና እዚ ምስሊን ተምሳሌትን ኣንበሳ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንበይኑ፣ ብቑዕን ፍጹምን ኣይነበረን። ‘ቲ ኣንበሳ ከመይ ጌይሩ እዩ ስዒሩ፧ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣብታ ምዕራፍ 5 ዘላ እትቕጽል ጥቕሲ መግለጺ ምስልን ተምሳሌትን ናይቲ ኣንበሳ ትገልጽ እያ፣ ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።(ራእይ 5፡6)።

ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ ፍትውን ሓጎስን ደስታን እግዚኣብሄር ኣቦ ዝኾነ፡ ከም ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ጥራይ ኣይኮነን፣ ግናኸ ከም እተሓርደ ገንሸል’ውን እዩ።

እዚ ፍሉይን እንኮን ክብሪ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ብስጋ እተገልጸ ወዲ ኣምላኽ – ፍሉይ፡ ብሉጽ ውህደት ናይ ንጉሳዊ ክብርን ሰብ ናይ ምምሳሉን እዩ። ንሱ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽ እዩ።

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply