ሓራ ዘውጽእ ሓይሊ – ይቕሬታ

ሓራ ክወጽእ ዘፈቱ ሰብ ኮነ ፍጡር የለን። ብዙሕ ግዜ ግና ሓርነትና ብኸመይ ከም ዝመጽእ ዳርጋ ይጠፍኣና እዩ። ሓደን ቀንድን መገዲ ሓርነት ድማ ምሕረት ምግባር ወይ ይቕሬታ እዩ። ሓራ ዘውጽእ ሓይሊ – ይቕሬታ ወይ ምሕረት ምግባር ግና እንታይ ይመስል፧

“. . . ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ።” (Luke 7:48)

ሓደ እዋን ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብቲ ጐይታና የሱስ ዝነበሮ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ብምምጻእ፡ እንዳ ነብዐት ኣእጋር የሱስ ብንብዓታ ሓጸበት። ብርግጽ ድማ ኣብታ እዋን፡ ስምኦን እቲ ፈሪሳዊ፡ ዓይኒ ዓይና እናረኣየ ምስቶም ኣብቲ ቤት ዘለዉ ኩሉም ሰባት፡ ብዛዕባ ሓጢኣታ ክነግሮም እንከሎን፣ ጐይታ ግና በቲ ዝዝረብ ዝነበረ ዘይኮነስ፡ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣእጋሩ ብንብዓታ ክትሓጽቦ ፈቀደላ።

ብርግጽ፡ እዛ ሰበይቲ ሓጢኣተይና እያ። ብሓጢኣታ ትሕፍር ‘ዶ፧ ብሓጥኣታ ዘይትሓፍረሉ ምኽንያት ድማ የብላን። ብዝገበርካዮ በደልን ሓጢኣት ምሕፋር ጥዕና መንፈስ እዩ። ግና ብሓጢኣታ ምሕፋር ናይዛ ሰበይቲ ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኣይነበረን።

ጐይታና የሱስ ድማ ከምዚ በለ፣ “. . . ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ።” (ሉቃ 7፡48)። እቶም ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ በዚ ከጉረምርሙ ምስ ጀመሩ። ጐይታና የሱስ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣጸቢቁ ብምድማቕ፡ ከምዚ ብምባል ንእምነታ ብምድጋፍ፡ ኣበርትዓ፣

ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። (ሉቃ 7፡50)።

ግና ጐይታ የሱስ፣ ነዛ ሰበይቲ፡ ካብዚ ናይ ሕፍረት መግረፍቲ ብኸመይ ክትወጽእ ሓጊዝዋ፧

መጀመርታ ተስፋ እዩ ኣስኒቕዋ። “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ! እምነትኪ ኣድሓነትኪ። መጻኢኪ ከኣ ናይ ዕረፍትን ሰላምን ክኸውን እዩ።” እዩ፡ ኢልዋ። ምኽንያቱ፡ ንበደልካ ብምእማን፡ ብምንዛዙን ካብኡ ብምምላስን እዩ ሓርነት ዝርከብ። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ድማ ኣዋጅ ነገረላ። ዝኣወጀላ ኣዋጅ ድማ፣ ዝሓለፈ ጾርክን ሸክምኽን፡ ሕጂ ግና ሰላምን ዕረፍትን እትዓጽድሉ እዩ፣ ብምባል ኣዋጅ ሓርነት፡ ተኣወጀላ። ኣብ ህይወትና ንዕረፍቲ ክኸውን ኣዋጅና፡ መጀመርታ ዘድልየና፡ ናይ ሓቂ ምምላስን ምእማንን ደጊምካ ድማ ናብ ጌጋኻ ዘይምምላስ እዩ።

ስለዚ፣ ናይዛ ሰበይቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ ኣብ ልዕሊኣ ዝመጽእ ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ እዩ። ኣብ እቲ ንጹህን ናይ ሓቂ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይቕሬታን ምሕረትን ዝተሰረተ፡ ሓራ ዘውጽእ ናይ ምእማን ቃላት ይቕሬታ እዩ። ብቃላት እንተዘይተኣሚንናዮ ብዙሕ እዋን ኣይንፍወስን ኢና። እዚ ነፍሲ ወከፍና፡ ክንቃለሶ ዘሎና ጽልዋን እቲ ኣብ ህይወትና ግሩም ቦታ ሒዙ፡ ኩሉ ግዜ ዝኸሰና ብበደልና ዝመጽእ ሕፍረት (Shame) እዩ። ሕፍረት፡ ብህለት ኣብቲ ናይ እንግልዘይና ካብ Merriam Webster ዝተወስደ ትርጓሜ ከምዚ ይብሎ

a painful emotion caused by consciousness of guilt, shortcoming, or impropriety

a condition of humiliating disgrace or disrepute

something that brings censure or reproachalso something to be regretted

እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ብበደል ዝመጽእ ሕፍረት፣ – ናይ ሓሶት ሕፍረት ዘይኮነስ፡ ግና ሕፍረት – እቲ ናይ ሓቂ ብበደልና ኣብ ውሽጥና ዝስምዓና፡ ግና ሕፍረት እቲ ኣብ ውሽጥና ጥርጥርን ዘይተቀባልነትን ዘስዕብ፡ መንፈሳዊ፡ ስምዒታውን ናብራውን ህይወትና ዝሓዘ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ህወሳ እዩ።

ነቲ ህይወትና ዝሓዘ፡ ምሕረት ናይ ዘይምግባር ናይ ሕፍረትን ነገራት፡ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ብጸግኡ ንኩሉ ግዜ እውን ዝኸውን ጸጋ ስለዘሎን፡ ንኩሉ ናይ ሕፍረት ተግባራት ብንጹር ይቕሬታን ምእማንን ዝመጽእ ናይ ሰላም ናብራ ንምንባር ምግዳል እዩ።

  • “ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፣ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ።” (መዝ 130፡4)

  • ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ። ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ፡ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።” (ኢሳ 55፡6-7)

  • “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።” (1ዮሃ 1፡9)

  • “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።” (ግብ 10፡43)

ነፍስ-ወከፍና ይቕሬታ የድልየና እዩ። ተመሊሱ’ውን ጽባሕ ይቕሬታ ከድልየና እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ይቕሬታ ክህበና እዩ ሞይቱ። ሎሚ ወይ ጽባሕ እቲ ሓቂ ድማ ንሱ እዩ – ናይ እግዚኣብሄር ይቕሬታን ምሕረትን ሓራ የውጽእ እዩ። ንመጻኢ’ውን ናይ ሓርነት ሓይሊ ኣብ ይቕሬታ ኣሎ። እዚ ይቕሬታ እዚ፡ ካብ ናይ ሕፍረት ማእሰርቲ ሓራ የውጽእ እዩ። ይቕሬታ ንዝመጽእ ህይወትና ዝኸውን ጸጋ ኣለዎ።

ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ንኩሉ ግዜ ዝኸውን ጸጋ እናነበርና፡ ኣብ ይቕሬትኡ ተሰሪትና፡ – ካብቲ ዝተናውሐ፡ ዘልምስ ናይ ሕፍረት መግዛእትን ጽልዋታቱን ሓራ ብምውጻእ ነቲ ከነስተማቕሮ ዝግባእ ናይ ሓርነት ህይወት ኢና እንነብር። እዚ ድማ እዩ – ይቅሬታ ማለት።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has 2 Comments

  1. Anonymous

    ዘርእሰናይ ሓወይ፡ በዚ፡ ካብ ማእሰርቲ ሕፍረት ሓራ ዘውጽእ፡ ሓይሊ ይቕሬታ፡ ብዙሕ ተማሂረ እየ እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽካ።
    ሓውካ ዑቝባስላሴ

  2. ምስግና ሰለሙን

    ዝገርም ምግላጽን ጥበብን ጎይታ የሱስ ብርኽ የብልካ።

Leave a Reply