1 ጴጥሮስ – ጥቕሉል ሓሳብ

ጸሓፊ

ብመሰረት 1ጴጥ 11፡ ጸሓፊኡ ባዕሉ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምዃኑ ኣብቲ ሰላምታ ይነግረና። ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እዚ መልእኽቲ ድማ ጸሓፊኡ ባዕሉ ጴጥሮስ ምዃኑ ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። ከም ኣብነት ኣብ 1ጴጥ 51 ከም ዝጠቀሶ “. . . ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡. . . ይብለና፣ እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት ይገልጸልና። ብተወሳኺ’ውን ብዙሓት ናይ መጀመርታ ጸሓፍትን ተመሃሮን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘረጋግጹልና ከምኒ ኢራንዮስ (185 ዓ.ም.)፣ ክለምንጢዮስ ናይ እስክንድሪያ (200 ዓ.ም.)፣ ቱርቲሊያን (200 ዓ.ም.)፣ ኢዩሰቢስ (300 ዓ.ም.)፣ ጸሓፊኡ ጴጥሮስ ምዃኑ የረጋግጹልና። ኣብዚ መልእኽቲ እዚ ጴጥሮስ ብሓው ስልዋኖስ ከምዝተደገፈ ይገልጸልና እዩ (1ጴጥ 512) ስልዋኖስ ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ሃዋርያት ዝነበሩ ሚስዮናውን ነብዩን ምዃኑ ብንጹር ሰፊሩ ንረኽቦ (ግብ 1532-34, 40, 1619-25, 1714)፥ ከምኡ’ውን ምስ ጳውሎስ ከምዝነበረ ኣብ ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ንረኽቦ (1ተሰ 11, 2ተሰ 11)

ዝተጻሕፈሉ ግዜ

ብመሰረት ገምጋማዊ ጽሑፋትን ታሪኽን ኣብ መንጎ ከባቢ 60 ክሳብ 65 ዓ.ም. ተጻሒፉ።

ንመን ተጻሒፉ

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ከም ዝጠቀሶ ተቐበልቲ እዚ መልእኽቲ’ዚ “. . . ፋሕ ኢሎም ዘለዉ. . . ይብል። እዛ ፋሕ ኢሎም እትብል ቃል ኣብ ዮሃ 735 ተጠቂሳ ንረኽባ ኢና፡ “. . . ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ . . .እዞም ፋሕ ዝበሉ ኣይሁድ ብዘመነ ምርኮ ብኣሶራውያንን ባቢሎናውያንን (ከባቢ 700-500 ቅ.ል.ክ.) ፋሕ ዝበሉ እዮም። በዚ መሰረት ድማ ብዙሓት እዚ መልእኽቲ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ኣይሁድ ክርስትያናት እዩ ተጻሒፉ ብምባል ርትዒ የቕርቡ፡ ኣብ ያእ 11’ውን ሰፊሩ ንረኽቦ ኢና። ይኹን እምበር ቅርብ ኢልና ንመልእኽቲ ጴጥሮስ ምስ እነጽንዖ፡ እዚ መልእኽቲ ነቶም ኣህዛብ ዝነበሩ ግናኸ ብምእማን ክርስቶስ የሱስ ክርስትያናት ዝኾኑ’ውን ከም ዝተጻሕፈ’ውን ንረክብ (1ጴጥ 121)። ስለዚ ጴጥሮስ፡ ነዛ ፋሕ ኢሎም እትብል ቃል ነቶም ኣብ ፈቀዳ ዝተበተኑ ክርስትያናት’ውን እምበር ንኣይሁድ ጥራይ ከምዘይተመልክት የርእየና፥ ብሓፈሻ ንቤተክርስትያን እተመልክት እያ (1ጴጥ 29-10)

ናይ ጴጥሮስ ቀዳሞት ተቀበልቲ መልእኽቱ እምበኣር፡ ክርስትያናት ኣብ ፍቀዳ ፋሕ ዝበሉ (1ጴጥ 211)፡ ኣብ ጶንጦስን ገላትያን ቀጶዶቅያን እስያን ቢቲንያን ዝነበሩ ማለት ናይ ዘመንና ቱርኪ እዩ። ጳውሎስ ኣብዚ ቦታታት ብዙሕ ግዜ ከም ዝተጓዓዘ ተጻሒፉልና ኣሎ (ግብ 167)፥ ወንጌል ንክሰፍሕ ድማ ብዙሕ ዕድል ዝረኸበ ቦታ እዩ ነይሩ።

ቀንዲ ዓላማ – 1ጴጥሮስ

እዚ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ፈቀዳ ተበታቲኖም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ምእመን፣ ነቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ከቢድ ፈተና ንምጽንናዕን ምጽናዕን እዩ ተጻሒፉ (1ጴጥ 16, 4:12-19)። ፈተና ዝርድኦ ሰብ እንተደኣ ሃልዪ ከም ጴጥሮስ ኣይከውንን፡ ምኽንያቱ ብምኽንያት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጴጥሮስ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዓይነቲ ፈተና ዝሓለፈ ሃዋርያ እዩ፡ ተቀጥቂጡ፡ ተፈራሪሑ፡ ተገሪፉ፡ ተኣሲሩን ካልእ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና በጺሕዎ እዩ። ጴጥሮስ በዚ መልእኽቲ ኣብ እዋን ፈተና ንክጸንዑን ንክተብዑን ክቆሙን ይነግሮም (1ጴጥ 1:13; 4:16; 5:8,9)። ስለዚ መከራ ጸጊብኻ፥ ብዘይ ምረት ምውጻእ ወይ’ውን ብዘይ ምጉርምራም ምኻድ እንታይ ምዃኑ ዝፈልጥ ይመስል። ኣብ እዋን መከራ ከም ምረት፡ ተስፋ ምቑራጽን ዘይእዙዝ ህይወት ምህላው፡ ሰብ ብቀሊሉ ከጥርዮ ይኽእል’ዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፡ ተስፍኦም ከሐድስን እዙዝ ህይወት ንክህልዎምን ዝመኽሮምን ዘጸናንዖምን ዘሎ። ብተደጋጋሚ ድማ በረኸቶምን ሓፍነቶምን ኣብቲ ዝሓረዮም ኣምላኽ ምዃኑ፥ ንሳቶም’ውን ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት (1ጴጥ 1:2)፣ ሕሩይ ወለዶ (1ጴጥ 2:9) ምዃኖም የረጋግጸሎም። እቲ ቀንዲ ሓሳቡ ድማ መልእኽቲ ክርስቶስ የሱስ ዝኾነ ህያው ተስፋ ምህላውን ኣርኣያ ክርስቶስ ምኽታል ዘመልክተና እዩ።

  • ምትብባዕን ምጽናዕን ኣብ እዋን ፈተና (1ጴጥ 5:10)
  • ዝበለጸ ዕድልቶ ካብ እግዚኣብሄር ቅዱስ ህዝቢ ምዃን እዩ (1ጴጥ 2:9)
  • ናይ ባህርን ናይ ጽቡቅ ስነ-ምግባር ትምህርቲ (1ጴጥ 2:11-12)

ቀንዲ ጥቕስታት

  • 1ጴጥ 1:3 እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡
  • 1ጴጥ 2:9 ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።
  • 1ጴጥ 2:24 ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።
  • 1ጴጥ 5:8-9 ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።

ጥቅሉል ሓሳብ

ኣብ እዋን መከራ ብሓጎስ መከራኻ ምቕባል፡ ጴጥሮስ ዝብለና ዘሎ መከራ ክንቕበል እንከሎና ነቲ መከራ ምእንቲ ክርስቶስ ንረኽቦ ከምዘሎና ርግጸኛታት ምዃንን ኣብ ክንዲ ክርስቶስ መከራ ምርካብ ድማ ዓብዪ ዕድል ምዃኑን እዩ። እዛ መልእኽቲ ነቲ ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ እንከሎ ዝነበረ ተመኹሮን ርክብን፣ ከምኡ ድማ ንትምህርትታቱ ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ግብረ ሃዋርያት የነጽረልና። እቲ ቀንዲ ጸላኢ ክርስትያናት ሰይጣን ባዕሉ ምዃንን፡ ብምምጻእ ክርስቶስ የሱስ ድማ ዓብዪ ተስፋ ከምዘሎና የበስረና።

ምዝማድ

ካብዛ መልእኽቲ ብፍሉይ እንመሃሮ ነገር ምዝማድ ትምህርትታትን መልእኽትን ጴጥሮስ ምስ ትምህርትታት ብሉይ ኪዳንን ትንቢታትን እዩ። ብምግላጽ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ብብርሃንን ዕዮን መሲሕ ማለት ክርስቶስ ዝተረኽበ ዓወታት ክርስትያናት የርእየና። ኣብ 1ጴጥ 116 ካብ ዘሌዋውያን 1144 ብምጥቃስ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። . . . ይኹን እምበር ቅድስና ብምሕላው ሕጊ ዝመጽእ ከምዘይኮነ’ውን ብንጹር ገሊጹልና፡ ግና ብምግላጽ ጸጋ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ዝውሃብ ምዃኑ ኣብ ጥቕሲ 113 ይነግረና። ብተወሳኺ ጴጥሮስ ካብ ኢሳ 2816መዝ 11822ን ብምጥቃስ ብዛዕባ እምነመኣዝን ወይ እምነኲርናዕ ንሱ ድማ ክርስቶስ ምዃኑ ይምህረና። ንሱ እቲ ኣይሁድ ዝነዓቅዎን ንምእዛዝ እምነቱ’ውን ዘይተገዝኡን ከምዘይተኣዘዙን ብንጹር ይገልጸልና። ብተወሳኺ`ውን ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብብዙሓት ዝተጻሕፈሉ፡ ንሱ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ንጹህ ምዃኑ (1ጴጥ 222, ኢሳ 539)፣ ብክርስቶስ የሱስ ድማ ንቅድስናን ንበረኸት ኣምላኽ ንምውራስ ከምዝተጸዋዕና (1ጴጥ 310,12, መዝ 3412-16, 1ጴጥ 55, ምሳ 334) የበስረና።

ትግባረ

ምርግጋጽ ምድሓን ንነፍሲ-ወከፍ ክርስትያን ዝተዋህበ ዕድሎት እዩ። (ዝረገጽናዮ ዓፍራ ኣይኮነን!) ምስ ክርስቶስ ምህላውና እነረጋግጽ፡ ኣብቲ መከራ ክርስቶስ ምስ እንሓብር’ውን እዩ።

ምስቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝወዓለልና እንታይ ኮን ምኾነ ምላሽና። ነቲ ዝፈለጥካዮ ሒዝካ ምትንሳእ፡ ንሓቂ ምሓዝ ብመከራ ምሕጓስን ሰይጣን ድማ ኩሉ ግዜ ጸላኢኻ እዩ፡ ተጠንቀቅ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.