አረ ሓቂ ክንዛረብ

ሓደ ሓደ እዋን እንክሓስብ ምንጪ ኩሉ መግደራናን ጭንቕናን፡ ሓቂ ብምንጻግና ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሰለስተ መማህርተይ (ኖርወጃውያን) ብዛዕባ ትምህርቲ ኣብ እንዘረረበሉ ዝነበርና እዋን፡ ሃንደበት ብዝመስል ስለ ሓቂ ዘረባ ጀመርና እሞ፡ ሓቂ ዝብሃል ከምዘየለ ከእምኑኒ ድማ ብዙሕ ተከራኸሩኒ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሕ ንኽሓስብ ዕድል ረኸብኩ። ህልውና ሓቂ ተኻሒድሉ፡ ሓቂ ኣፍልጦ ዘይወሃበሉ፡ ኣድማሳውነት ሓቂ ተነጺጉ ንነብር ከምዘሎና ድማ ዘይከሓድ እዩ። ብንጽር ዝበለ ትግርይና ድማ ሓቂ ዝብሃል የለን እናተባህለ ኢና ዘሎና። ብዙሓት ፈላስፋታት ድማ ትኹል ሓቂ ዝብሃል የለን እንዳ በሉ ይምጉቱ ኣለው። ነቲ ምጉቶም ንምድንፋዕ ድማ ብዙሕ እኽብካብ ናይ ኣተሓሳስባ መንገዲ ኣጥርዩም ድሮ’ውን ንሕብረተሰብና ዝጸሉ ዘሎ ይመስል። ገለ ካብኡ ከምዚ ይብል፡ –

  • ንዓይ ስለ ዘይሰርሐለይን ዘይዓየየለይን ወይ ኣባይ ክውን ስለ ዘይኮነ ሓቂ ኣይኮነን።
  • አእምንቶናን እምነትና ነንገዛእ ርእስና ይኹነና።
  • ንኩሉ ምሳኻ ዘይሰማማዕ፡ ግጉይ’ዩ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን።
  • ንስኻ ናትካ ሓቂ ኣሎካ፡ ኣነ ከኣ ናተይ ሓቂ ኣሎኒ።
  • እዚ ንዓኻ ሓቂ እዩ፡ ንዓይ ግን ሓቒ ኣይኮነን።
  • ሓቂ እኾ ባዕልኻ ትፍብርኮ ወይ ተመስርሖ እዩ።
  • ሓቂ እኮ ኣጠማምታ እዩ፡ ኣበይ ኰንካ ትርእዩ’ዩ ኣገዳሲ።
  • ዝፈተኻዮ ክትኣምን ትኽእል ኢኻ።” ወዘተረፈ . . .

እዞም ከምዚኣቶም መሰልቲ ሓሳባትን ኣተሓሳስባትን ዘይውድዓውያንን (illogical) ህላውነቶም ድማ ዘይቐጻሊ እዩም። እግዚኣብሄር እንክፈጥረና ንሓቂ እነናዲ ገይሩ እዩ ፈጢሩና፡ ኮይኑ ግን ብምኽንያት ውድቀት፡ ሓቂ ጠምዘዝቲ ኮንና (ዘፍ 1-2) ተሪፍና። ድሕሪ ውድቀት ድማ ሓጢኣት፡ ኣቕነንቲ ሓቂ ገይሩና ኣሎ። ሰብ ሓቂ ዝርእየሉ መንገዲ ድማ ተቀይሩ። ኣብ ዘመንና ሓቂ ብክልተ ዝተፈላለዩ መንገድታት ይርአ ኣሎ፡ ነዞም ዝስዕቡ ድማ ይመስል፦

  1. ሓቒ ተዛማዲ (relative) እዩ
  2. ሓቒ ባዕላዊ (subjective) እዩ
  1. ሓቂ ተዛማዲ ኣይኮነን

ሓቂ ተዛማዲ እዩ ዝብል ሓሳብ ብዝያዳ በዛ ኣበሃህ’ዚኣ ክትግለጽ ትኽእል። እዚ ንዓኻ እምበር፡ ንዓይ ሓቂ ኣይኮነን። ወይ ድማ ምናልባት ንስኻ ናትካ ዝኾነ ሓቂ ኣሎካ፡ ኣነ ድማ ናተይ ዝኾነ ሓቒ ኣሎኒ። ዝብል ኣበሃህላ ልሙድ እንዳኰነ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንስኻ ሓደ ነገር ኣሚንካ ኣሎኻ፡ ኣነ ድማ ሓደ ካልእ ነገር ኣሚነ ኣሎኹ – ስለዚ ንፍልልያትና በዚ ንዕረቖ ዝብል እዩ። ነፍሲ ወከፍና ነናትና ዝኾነ ሓቒ ኣሎና። ስለዚ ድማ ክልቲኡ ምንም ስሕተት የብሉን። ክልቴና ቅኑዓት ኢና ዋላ እዃ እንተዘይተሰማማዕና ዝብል እዩ።

ኣብዚ ክልተ ጸገማት ንርኢ ኣሎና።

  • ቀዳማይ፡ ሓቂ ኩሉ ግዜ ምስ ክውንነት (reality) እያ እትጋፈጥ፡ ማለት ነገራት ከም ዘለዉዎ፡ ብዘይ ለውጢ፡ ምምሕያሽን ምስዳዕን ክኮኑ እንከለዉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሓደ ነገር ሓቂ እንተኮይኑ፡ ንኩሉ፡ ኣብ ኩሉን ሓቂ እዩ። ወድዓውነት፡ ሎጂክ ኣብ ዘለዎ ድማ ንዓይ ሓቂ ኮይኑ፡ ንካልእ ሓቂ ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን።
  • ካልኣይ፡ እምንቶን ሓቅን ሓደ ኣይኮነን። እምንቶ (belief) ንዝኾነ ነገር ሓቂ ኣይገብሮን እዩ። ሓቂ ግን ነቲ እምንቶ፡ ሓቂ ይገብሮ እዩ።

እዘን ዝስዕባ ክልተ ቀለልቲ ኣብነታት እስኪ ንውሰድ፡ ዝሙት ሓጢኣት እዩ። ክልተ ሰባት ብዛዕባ ዝሙት ሓጢኣት እዩ ወይ ኣይኮነን ኢሎም ምስዝከራኸሩ።  እቲ ሓደ ከምዚ ኢሉ፡ “ዝሙት ሓጢኣት እዩ።’’ ኢሉ። እቲ ሓደ ድማ “ዝሙት ሓጢኣት ኣይኮነን።’’ ኢሉ። ኣብዚኣ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ፡ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ድማ ግጉይ ክኸውን ኣለዎ። ወይ ዝሙት ሓጢኣት እዩ ወይ ድማ ኣይኮነን እዩ’ቲ መልሲ፡ ሳልሳይ ኣማራጺ የለን። ክሳብ እዞም ሰባት ክልተ ተጻረርቲ ዝኾነ ርዲኢታት ዝሓዙ ድማ፡ ክልቲኦም ቁንዓት ክኾኑ ብፍጹም ኣይክእሉን እዮም።

ሕጂ ንበል፡ እቲ ሓቂ ተመርሚሩን ተራእዮን ውሳኔ ተዋህቦ እሞ፡ እቲ ውሳኔ ድማ “እወ፡ ዝሙት ሓጢኣት እዩ።’’ ተባህለ፡ ብርግጽ ድማ ሓጢኣት እዩ። እቲ ካልኣይ ሰብ መጺኡ ነቲ ውሳኔ ብዝምልከት፡ ጽቡቕ፡ ምናልባት ንዓኻ ዝሙት ሓጢኣት እዩ፡ ንዓይ ግን ዝሙት ሓጢኣት ኣይኮነን።’’ እንተ ዝብል። ነፍሲ-ወከፍና ነቲ ኣብዚ ዝልዓል ዘሎ ጌጋ ሓሳብን ኣተሓሳስባን ንስሕቶ ኣይመስለንን።

ምናልባት ዝተጠቀምኩሉ ኣብነት’ውን ኣስፊሑ ከየርእየና ይኽእል እዩ። ግን ምስ ከምዚ ዓይነት ዝምዕብል ዘሎ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተሓሳስባታትን ሽግራትን ንስሕቶ ኣይመስለኒ። ቅሩብ ነቲ ኣብነትና ምእንቲ ኣስፊሕና ክንሓስበሉን በየናይ ነጥበ-ርእየት ከም እንርእዮን ምእንቲ ክንመዝን፡ እስኺ ኣብነት ንወስኽ።

ኣብ ቀረብ እዋናት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ዝነበሩ ኣዛረብቲ ነገራት ኣብነት ክጠቅስ፡ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት። ሓደ ወገን እቲ ዘይተወልደ ናጽላ ክንከላኸለሉ ኣሎናይብል፡ ከም ህይወት ዘለዎ መጠን መሰሉ ክሕለወሉ ኣለዎ በሃላይ እዩ። እቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ናይ እታ ኣደ ህይወት ክንከላኸል ኣሎና” በሃላይ እዩ። ብርግጽ ኣጠማምታ ሰባት ክንቕይር ኣይንኽእልን ኢና።  እቲ ዝጥምት ዘሎ ሰብ ግን ካበየነይ ነጥበ-ርእየት ኮይኑ እዩ ዝርእዮ ዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ምንጻል ጥንሲ ወይ ሓጢኣትን ገበንን እዩ ወይ ድማ ኣይኮነን፡ እምበር ሳልሳይ ኣማራጺ የለን። ከም ክርስትያናት ንሕና’ኸ ኣበይ ነጥበ-ርእየት ኮይና ንርእዮ ንኸውን፧

ተዛማድነት ዝብሃል ነገር ግን ንዓይ ሓጢኣት ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ንዓኻ ግን ሓጢኣት ኣይኮነን ዝብሃል የለን። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ነጥበ-ርእየት ቃል እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣበር-ኣልቦን ናይ መወዳእታ ሓቅን። ስለዚ፡ ሰባት ነቲ ዝኣምንሉ መርገጺ ሓቂ ክገብርዎ ይፍትኑ እዩም። ኣብቲ ትኩል ቃል ኣምላኽ ዘይተመርኮሰ ኩሉ ሓቂ ግን ባዶሽ፡ ሓሶት እዩ። ሓቂ ንኩሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ቦታ ሓቂ እዩ፡ ሕብሪ፡ ዓሌት፡ ዞባ ኮታ ብዝኾነ ኣይድረትን እዩ።

relative truth

  1. ሓቂ ባዕላዊ ኣይኮነን

ንሓቂ ብናትካ ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባን መንገዲን ክትቅበሎን ክንፈልጦን እንኰሎኻ ባዕላዊ ሓቂ ይብሃል። ባዕላዊ ሓቂ በቲ ዝስምዓናን እንፈልጦን እተሞኮርናንዮን ነገራት ጥራይ ኢና፡ ሓደ ነገር ቅኑዕ’ዩ ወይ ኣይኮነን ኢልና እንመዝኖ። እንተተሰሚዑካን መሲሉኻን ካልእ ሓቂ ንክትርኢ ቦታ ኣብ ኣእምሮኻ የብልካን። ዋላ እዃ ጌጋ መንገዲ ሒዝካ እንተሃሎኻ ንሓቂ እትርእየሉ መሬጼንካ ስምዒትካ እምበር ክውንነት ሓቂ ኣይኮነን። ንዓ ተጋጊኻ ኣሎኻ ዋላ እንተተባህለካ ንስምዒትካ ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ። ሳብጀክቲቪ ወይ ባዕላዊ ሓቂ ነቲ ኣብ ኣእምሮ ዘሎ፡ ወይ ኣእምሮኣዊ ሓሳብ እምበር ተጨባጢ ነገር ኣይቅበልን እዩ።

ኣብነት ንውሰድ፡ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንዛግራ ብንእሱ ይሕዙዎ እሞ፡ ኣእዛኑ የጽምምዎ፡ ምስ ደረውህ ድማ የዕብይዎ። ኩሉ ዝገብርዎ፡ ዝበልዕዎ፡ ዘድህይዎ ኮታ ኩሉ ነገር ድማ ከም ደርሆ ኮይኑ ከምዝዓቢ ይገብርዎ። እቲ ዛግራ ንገዛእ ርእሱ፡ ከም ደርሆ እምበር ከም ዛግራ ኣይሓስባን እዮ። ኣብዚ ባዕላውነት ንርኢ ኣሎና። እቲ ዛግራ ንገዛእ ርእሱ ከም ደርሆ ክሳብ ዝሓሰበ ደርሆ እዩ። ግንዛቢኡን (perception) ኣቓልብኡን ድማ ናይ ህይወቱ ሓቅነቱ’ዩ። ናይ ካልኦት ሓሳብን ኣረኣእያን ኣብ ህይወቱ ቦታ የብሉን። እዚ ዛግራ ደርሆ ኣይኮነን። ሓቀይና መንነቱን ዲኤንኤ ናቱን፡ ናይ ደርሆ ኣይኮነን። ግን ኣብ ግንዛቤኡ (perception) ጌጋ ኣሎ። ምኽንያቱ ሓቂ ምስ ክውንነት (reality) እምበር ምስ ግንዛቤ ኣይኮነን ጉዳዩ።

ብዙሕ እዋናት ንገለ እንገጥሞም ሓሳባት ከም ሓቂ ከምዝኾኑ ንሓስቦም እሞ፡ ሓቂ’ዮም ብምባል ናብ ተግባር ንኸይድ ኢና። ተግባራትናን ግንዛቤናን ቅኑዕ ስለዝመሰለና፡ ሓቂ ግን ኣይኮኑን። ንሓቂ ሓቂ ዘብሎ፡ ብኽውንነታዊ ህላዊኡ እምበር ብናትና ቅኑዕ እንብሎ ግንዛቤ ወይ ርድኢት ኣይኮነን።

ሓደ እዋናዊ ዛዕባ ከልዕል፡ ንነፍሲ-ወከፍ ወዲ ተባዕታይ ክልተ ዓይነት ክሮሞዞም (chromosome)፡ ማለት Xን Yን ኣለዉዎ። እዚ ወዲ-ተባዕታይ ንገዛእ ርእሱ ከም ጓል ኣንስተይቲ እንተ ሓሰባ፡ ሓደ ግንዛቤ የሕዲሩ ኣሎ። እዚ ግንዛቤ ግን ንስምዒቱ ብፍጹም ሓቂ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ጾታይ ቀይረ ከም ጓል-ኣንስተይቲ ክኸውን’የ እንተ በለ፡ ኣይከውንን እዩ። ነቲ ሓቂ ተጋፊጡ ክስዕሮ ኣይክእልን እዩ።

እዚ ዘርእየና፡ ሰብ ንብዙሕ ነገራት ብጌጋ ክንግንዘቦም ከምዝኽእል እዩ። ግና ግንዛቤ ንክውንነት (reality) ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ክውንነት (reality) ከምቲ ዘለዎ ከምኡ እዩ። ሓቅነት እምበኣር ኣብ ክውንነት ዘሎ ሓቂ ምፍላጥ እዩ። ነቲ ዘሎስ የለን ዘይምባል። ሓቅነት ድማ ኣብ ግንዛቤ ብፍጹም ኣይምርኮስን እዩ።

ሎሚ ክንዮ-ምዕባለ ብዘምጽኦ ጽልዋ ሰባት ንእግዚኣብሄር ስለዘይተገንዘብዎ ወይ  ኣብ ስምዒቶም ስለ ዘይተሰምዖ ከምዘየለ ዝቖጽሩ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እግዚኣብሄር ግን እግዚኣብሄር ስለዝኾነ፡ ንብዘሎ ፍጥረታት ብሓይሊ ቃሉ ኣጽኒዑ ሒዙ እንዳሃለዎ፡ ብስምዒትካን ግንዛቤኻን ክትመዝኖ ኣይክኣልን እዩ። ብህይወት የሱስ ክርስቶስን ብሓቂ ቃል ኣምላኽን ድማ ምስክርነት ህላወ እግዚኣብሄር ኣሎና። ግንዛቤ ምህላውን ዘይምህላውን ናይ እግዚኣብሄር መንነት ዝቕይር ኣይኮነን፡ ማንም ሰብ’ውን ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ንእግዚኣብሄር ብግንዛቤኻ ስለዘይተገንዘብካዮ፡ የለን ክትብሎ ኣይትኽእል ኢኻ። ንሱ ህያው ኮይኑ ስለዘሎ፡ ነቲ ትኹል ቃል ሓቂ – ቃል እግዚኣብሄር ከምዘለዎ ትቕበሎን ትስዕቦን። ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኩሉ ግጉይ ግንዛቤታት ብዛዕባ ኣምላኽ ድማ ከንቱ እዩ።

ነዚ ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር፡ ሓቅን ጐይታ ሓቂ እዩ። ንክውንነት ከምዘለዎ ገይርዎ፡ ነቲ ዘይልወጥ ቅርጺ ባህሪኡ ብክርስቶስ የሱስ ንዘልኣለም ብቃሉ ገለጾ። ሓቂ ኣድማሳዊ እምበር ተዛማዲ ኣይኮነን። ሓቂ ወድዓዊ እምበር ባዕላዊ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።”  (ዮሃ 3:21)። ኣብ ዘመንና ድማ ሰይጣን ከምዚ ዓይነት ጽልእን መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ሓቂ እንተኣምጽአ ዘገርም ኣይኮነን። ጸረ-ክርስቶስ`ውን ካብቲ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሳርሒ፡ ሓቂ ምድርባይ እዩ ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፣ ገበረ ሰለጠሉ ኸኣ።” (ዳኒ 8:12)። ካብ ትኹል ሓቂ ምርሓቅ ኣብ ቤተክርስትያን ይኹን ኣብ ሕብረተሰብ – ጸራግ መንገዲ ንጸረ-ክርስቶስ እዩ። ንሓቂ ከመስርሓ ዝኽእል የለን። ነቲ ሓቂ ቃል ኣምላኽ ተቀቢልና ርእስና ነቲ ትኹል ሓቂ ቃል ከነግዝእ ይግባእ። ምኽንያቱ ሓቂ ጥራይ’ዩ ሓራ ዘውጽእ (ዮሃ 8:32)።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.