ክርስትያንን ፖለቲካን

ክርስትያን ኣማንን ፖለቲካዊ ተሳታፍነትን

ሓደ ክርስትያን ኣማኒ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኪህልዎ ይኽእልዶ? ሰዓቢ ክርስቶስ ኴንካ ፖለቲካዊ ሞያ ኪህልወካ ይኽእልዶ? ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካዊ ሓደው ማሕበራዊ ንጥፈታት (ኣክቲቪዝም) ኪዋስኡ ይኽእሉዶ? ወዘተ ዚብል ሕቶታት በብጊዜኡ ኣብቶም ወንጌላውያን ከምኡውን ካልኦት ክርስትያናት ኣሕዋት ዚለዓልን ዜከራኽርን ሕቶታት እዩ። ኣብዚ ቅንያት እዚ እኳ፡ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ዝተመዘዘት ኮሚሽን መጽናዕቲ (Commission of Inquiry – Eritrea) ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ንምቅዋም ከምኡውን ንምድጋፍ ኣብ ጄነቫ ኣብ ዚካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት ክርስትያናት ኪሳተፉ ይግባእዶ ኣይግባእን ኣብ ፈይስቡክ ሓያሎ ክትዓት ኪካየድ ቀንዩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብዚ ሕቶታት እዚ ዘሎኒ ኣመለኻኽታ ብመገዲ እዛ ጽሕፍቲ ከቕርብ። እዚ ጉዳይ እዚ ምስቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዚብል ስፍሕ ዝበለ ንኹሉ ሃይማኖታት ዜጠቓልል ኣርእስቲ ዚተሓሓዝ እኳ እንተኾነ፡ ኣነ ግን ኣብ ክርስትናን ፖለቲካን ኣድሂበ ክትንትን እየ።

ፈለማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምንጻሩ ዜድሊ ክልተ ነገራት ኣሎ። እቲ ሓደ እዚ ሕጂ ኣልዒልናዮ ዘሎና “ክርስትናን ፖለቲካን” ዚብል ጉዳይ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ብገለ ሸነኹ ምስኡ ኪተሓሓዝ ዚኽእል ግናኸ ዝተፈልየ ኣርእስቲ “ቤተ ክርስትያንን መንግስትን” ዚብል እዩ። ንዓይ ከምዚርደኣኒ፡ እቲ ዚበዝሕ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ኣመንቲ ጉዳይ ፖለቲካ ኪለዓል ከሎ ዚህሉ ምምንታው (ዳይለማ)፡ ኣብዚ ንጹር ምርዳእ ካብ ዘይምህላው ይመስለኒ። ስለዚ ነዚ ክልተ ከመይ ኢሉ ዝተፈላለየ ነገራት ምዃኑ ከነጽር ክፍትን።

ፈለማ እስከ ነቲ ክርስትናን ፖለቲካን ዚበሃል ኣርእስቲ ንርአ። ክርስትናን ፖለቲካን ዚብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ሓደ ውልቀ-ክርስትያን ከም ሓደ ውልቀ-ዜጋ ሓንቲ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሃገር ዚህልዎ ተሳትፎ ዚምልከት እዩ። ከም ክርስትያን፡ ኤቲካዊ ሞራላዊ መንፈሳዊ እምንቶን ኣመለኻኽታን ሃልዩዎ ዚመላለስ ኪኸውን እምነቱ ይጠልቦ። ህይወቱ በቲ ዝኣመነሉ ሓቂ ይመርሕ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ህይወት ድማ ብመሰረት ዝኣመነሉ ክብርታት (ቫልዩስ) ይምራሕ። ብሓጺሩ ከም መንፈሳዊ ሰብ ኪመላለስ ጽወዓ ኣለዎ። መምህር እንተኾይኑ፡ እምነቱ ቀንዲ መርሖ ህይወቱ ዝገበረ መምህር ኮይኑ ሞያኡ ይገብር። ሓረስታይ እንተኾይኑ ሕጂውን እምነቱ ከም መትከል ሒዙ ናይ ማሕረስ ሞያኡ ይገብር። ነጋዳይ እንተኾይኑ`ውን ከምኡ ንክርስትያናዊ እምንቶኡ ዓቂቡ ንግዳዊ ንጥፈታቱ የካይድ። ልክዕ ምስዚ ብዚሰምር ኣገባብ ድማ እቲ ምስ ፖለቲካዊ ሞያ ኮነ ንጥፈታት ዚዛመድ ተግባራት ይፍጽም። ከም ዜጋ ናይ ሓንቲ ሃገር መጠን፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ይዋሳእ። ኣብ ምርጫታት ይሳተፍ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኪዋሳእ ይኽእል፡ ኣብ ሲቪካዊ ጉዳያት ኪነጥፍ ይኽእል፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ኪሳተፍ ይኽእል። ንዝያዳ ትንታነ ብዛዕባዚ ኣርእስቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ርአ። ናብ፡ ዝያዳ ዝርዝራዊ ገለጻ ቅድሚ ምሕላፈይ ንእንታይነት እቲ ካልኣይ ኣርእስቲ ክገልጽ።

እቲ ካልኣይ ኣርእስቲ “ቤተ ክርስትያንን መንግስትን” ዚብል እዩ። እዚ ንኽልተ በበይኑ ዕላማን መትከላትን ኣገባባትን ዘለወን “ትካላት” (ኢንስቲትዩሽንስ) ዚገልጽ ጉዳይ እዩ። [ሓደራ፦ ትካል ኪበሃል ከሎ ከምቲ ንቤተክርስትያን ዜቋናጽቡ ሰባት ዚብሉዎ ማለት ዘይኮነ፡ ብናታ ስርዓት እትመሓደር ኣካል ምዃና ንምግላጽ እዩ]። ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ ዕላማ ዘለዋ፡ ብሓደ ልዑል ሰማያዊ ስልጣን እትኣምንን ንእኡ ተማእዚዛ እትኸይድን ኣካል እያ። ኣብ ቤተ ክርስትያን እጢ ዝለዓለ ስልጣን “መጽሓፍ ቅዱስ” ወይ “ቃል ኣምላኽ” እዩ። እቲ ስርዓተ ምሕደራ ካብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናብታ ካልእ ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ መወዳእትኡ ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ። ምእመናን ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ንመንፈሳዊ ህይወቶም ከምኡውን ኤቲካዊ ሞራላዊ ህይወቶም ዚምልከት ቤተ ክርስትያን ተመሓድሮም፡ ትምህሮም፡ ትጓስዮም፡ ካልእ ዝምድናታት ድማ ተካይድ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ምድራዊ መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ድማ ንናይ ምድሪ ዝምድናታት ደቂ ሰብ ዜመሓድር ትካል እዩ። ኣብ ሓደ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ዚህልዎም ሰባት እዮም። ኣብ ምልካውያን ስርዓታት ሓያሎ እዋን እቶም መለኽቲ እዮም ዝለዓለ ስልጣን ዚህልዎም። ኣብ ዴሞክራስያውያን ሃገራት ድማ ስልጣን ናይቲ ዚመርጽ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ነቲ ዜመሓድሮ ህዝቢ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ፖለቲካዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ልምዓትን፡ ጸጥታን ኬረጋግጸሉ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ዚመሓደር ህዝቢ ድማ ብዝተፈላለየ መገድታት ከም ግብሪ፡ ቀረጽ፡ ዜግነታዊ ተሳታፍነትን ብምግባር ሓላፍነቱ ይፍጽም።

ብተሓታትነት፡ ዕላማ፡ ዚነጥፉሉ ባይታ (ጁሪስዲክሽን) ከምኡውን እንታይነት እምበኣር ቤተ ክርስትያንን ምድራዊ መንግስትን ዝተፈላለያ እየን። ስለዚ ድማ ኪጸናበራ የብለንን። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ እዩ እቲ ድሕሪ ሰውራታት ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን (ኣብቲ First Amendment ዚበሃል ጥብቆ ቅዋም) ብፍላይ እናጎልሐ ዝመጸ መርሆ “ምፍልላይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን” (separation of church and state) ኪመጽእን ኪስፍሕፋሕን ዝኸኣለ። ቅድሚኡ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ማእከላይ ዘመን እንተተመልከትና፡ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩለን ምድራውያን መንግስታት ልዕልና ነይርዋ። ንነዊሕ ዘመናት ድማ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ሮምን ሃጸያት ኣውሮጳን ናይ ስልጣን ቁርቁ ይካየድ ነይሩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ቤተ ክርስትያን ንባዕላ ኣካል እቲ ኢምበርያጦርያዊ ዕግርግራት እያ ነይራ። ድሕሪ ዘመን ተሓድሶውን እዚ ምጽንባር ይቕጽል ነይሩ። ደሓር ኣብ መበል 18 ክ/ዘመን ግን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን መንግስታት ዓለምን መሰረታዊ ምፍልላይ ኮይኑ። ሎሚ፡ ኣብ ሓያሎ ቅዋማትን ሕገ መንግስታትን ሃገራት፡ እዚ ምፍልላይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ተሰኒዱ ንረኽቦ። እዚ ግን ክልተ-ሸነኻዊ እዩ። ቤተ ክርስትያን ከም ኣካል (ኢንስቲትዩሽን) ኣብ መንግስታዊ መዋቕራትን ስርዓታትን ኢዳ ኣይተእቱን። መንግስታት ኣይትሸይምን፡ መንግስታት ኣይትስዕርን፡ ሓደው ንመስርሕ ምሕደራ ኣይትትንክፍን። በቲ ኻልእ ድማ መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ንቤተ ክርስትያን ኣይትንክፍን። ኣብ መስርሕ ሃይማኖታዊ ስርዓታ፡ ተግባራታን ትምህርታን ኢድ ኣየእቱን። ብዛዕባዚ ቅድሚ ሕጂ ዝጸሓፍክዋ ጽሕፍቲ ኣብዚ ኽትረኽቡዋ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ ኪበሃል ከሎ፡ ቤተ ክርስትያን ሓፈሻዊ ኤቲካውን ሞራላውን ርእይቶ ኪህልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሓንቲ ሃገር ንዘሎ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ መንፈሳዊ መኣዝን፡ ኣመልኪታ፡ ኣባታዊ ጉስነታዊ ምኽሪ፡ ማዕዳ ከምኡውን ለበዋታት ኼተቕርብ ሓላፍነት ኣለዋ። እዚ እቲ ትንቢታዊ ኣገልግሎታ እዩ። መወዳእታ ዕላምኡ ድማ ግብሪ ወንጌል ደኣ እምበር ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይኮነን። ንዘኽታማት፡ መበለታት፡ ስደተኛታት ኽትኣሊ፡ ኽትጓሲ፡ ኽትረድእ ወንጌላዊ ሓላፍነታ እዩ። እዚ ምስ መንግስታዊ መዋቕራትን ስርዓታትን ዚተሓሓዝ ኣይኮነን።

ብዛዕባ ፍልልይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ካብ ኣነጸርና፡ ናብቲ ቀዳማይ ዘልዓልናዮ ጉዳይ ክንምለስ። ክርስትያንን ፖለቲካን ኽንብል ከለና፡ ቤተክርስትያን ከም ኣካል ዘይኮነስ፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ክርስትያን ኮይኑ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዚህልዎ ተሳትፎ ማለትና እዩ። ሓደ ክርስትያን ከም ውልቀ-ሰብ መንፈሳዊ ጽወዓ ኣለዎ ቅድሚ ዝኣገረ። እቲ ኣብ ምድሪ ዚመላለሶ ድማ ብጠመተ መንፈሳዊ ድሕነቱ እዩ። ስለዚ ቀንዲ ዕላማ ህይወቱ ድሕነቱ ዓቂቡ ኪመላለስ እዩ። ነዚ ኺገብር ከሎ፡ መናብሮኡ ኣብ ምድሪ ብምዃኑ፡ ኣብ ምድሪ ዜናብሮ ጉዳያት ኣለዎ። ሰሪሑ ኪበልዕ፡ ወሊዱ ዘሚዱ ኪነብር፡ ምስ ጎረባብቱ ተሳንዩ ኺነብር፡ ምስ ደቂ ዓዱ ኪነጥፍ ባህርያዊ ነገር እዩ። ነዚ ኹሉ ኪገብር ከሎ ኩሉሳዕ እቲ ወንጌላዊ መጸዋዕታ ኣብ ኣእምሮኡ ኣሎ፡ ከመይሲ፦

“ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን።”

ዚብል ጽወዓ ኣለዎ (ማቴዎስ 5፡18)። ብዛዕባ ጨውን ብርሃንን ኪዝረብ ከሎ፡ ወንጌላዊ ተልእኾ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። እቲ ዕላማ ድማ ምምቃር ከምኡ ድማ ኣብ ጸላም ብርሃን ምዃን እዩ። እዚ ብኸመይ ንዚብል ሕቶ ድማ ከም ሓደ ወደ መዝሙር መጠን ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ሰናይ ጽልዋ ኪህልዎ፡ ንክርስቶስ ኬንጸባርቕ ከምዘለዎ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዓውደ ስራሕ፡ ኣብ ስድራቤት፡ ኣብ ጎረባብቲ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ዓዲ፡ ኣብ ማእከል ህዝብን ሃገርን ሰናይ ጽልዋ ኪህልወካ። እዚ ናብ ኩሉ መኣዝን እዩ ዚዝርጋሕ። ናብ መንፈሳዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ መኣዝናት ኣቢሉ ድማ ይዝርጋሕ። ሓደ ክርስትያን መምህር፡ ነጋዳይ፡ ሓረስታይ፡ ወተሃደር፡ ስፖርተኛ ወዘተ ኪኸውን ዚኽእል ካብ ኮነ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣባል ሰልፊ፡ ዲፕሎማት፡ ሚኒስተር፡ መራሒ ወዘተ ኪኸውን ድማ ይኽእል እዩ። እዚ ሞያ ሓደው ዓውደ ስራሕ እዩ። ብርእሱ ኣበር ኮነ እንታ የብሉን። ሰብ እዩ ኣበርን እንታን ሓደው ሓጢኣት ዚገብር ወይ ኪገብር ዚኽእል። ክርስትያን ድማ ከም ሰብ እዩ ኣብቲ ቦታ ብዚገብሮ ዚምዘን። ኣብ ኩሉ ዓውድታት ከኣ ጨውን ብርሃንን ኮይኑ ኪመላለስ ይግብኦ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ዓለም ሓያሎ ክርስትያናት ኮይኖም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ካልእን ኮይኖም የገልግሉ እዮም። ነቲ ክርስትያናዊ ክብርታት (ቫልዩስ) ዓቂቦም ክሳዕ ዝተመላለሱ ድማ ሰናይ ጽልዋ እዩ ዚህልዎም። እቶም ብዙሕ ሳዕ እንጠቕሶም ከም እኒ ዶ/ር ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ወንጌላዊ ቢሊይ ግራሃምን ዴዝሞንድ ቱቱን ካልኦትን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ማሕበራዊ ፍትሕን ዓው ኢሎም ይጣበቑ ነይሮም። ኣብ ምድርና እኳ እቶም ኣብነታዊ ክርስትያን ኣቦ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ሓያሎ ፖለቲካዊ ንጥፈታት የካይዱ ነይሮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ከም በዓል ፍሬድሪክ ዳግላስ (ጸሓፍን ተጣባቕን)፡ ኣብ ሃገር እንግሊዝ በዓል እኒ ዊልያም ዊልበርፎርስ (ኣባል ባይቶ) ብዝገበርዎ ጥብቅነት ጊላነት ተሳዒሩ። እቲ ስምይቲ መጽሓፍ “ዋጋ ወደ መዝሙርነት” ዝጸሓፈ ጀርመናዊ ፓስተርን ስነ-መለኮታውን ዲትሪክ ቦንሆፈር፡ ኣንጻር ኢሰብኣውነት ስርዓተ ናዚ ደው ብምባሉ ሕልና ክርስትና ኣብ ሃገር ጀርመን ኪዕቀብ ክኢሉ። ካልኦትውን ሓያሎ ምጥቃስ ይከኣል።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኽንብል ከለና ግን እንታይ ማለትና ኢና? ሓያሎ ኣሕዋት፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኪለዓል ከሎ ንጽገታዊ ኣመለኻኽታ ተዓዚበሎም። እዚ ኸኣ ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ምድርና ሃናጺ ፖለቲካዊ መስርሕ ርኢና ስለዘይንፈልጥ ኮይኑ እዩ ዚረኣየኒ። ስለዚ፡ ፖለቲካ ኪበሃል ከሎ ንዓና ውዲት፡ ምግፋዕ፡ ምቅትታል፡ ዓመጽ፡ ምትንዃል፡ ክፍኣት፡ ዓሌትነትን ዓሌታዊ ኣፈላላይን፡ ምጥፍፋእ ወዘተ እዩ። ናይ ግድን ከምኡ ድዩ ግን? ምናልባሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ወድ ሰብ ከመዮ ቶማስ ሆብስ ዝበሎ ፖለቲካዊ ጉዳያት ወድ ሰብ “ኩሉ ኣንጻር ኩሉ” ዝቐንዓሉ ሕንፍሽፍሽ እዩ ነይሩ። ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኽንርኢ ከሎና፡ ሕጂውን ኣበየ ኩርናዕ ዓለም ግርጭታት ንርኢ ኢና እሞ፡ ጉዳይ ፖለቲካ ጉዳይ ግርጭታት እዩ ኢልና ንግምግም ንኸውን። እቶም ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ገይሮም ብፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ ዘደንቆሩና ንኹሉ ዝምድናታት ብዓይኒ ግርጭታትን ምፍሕፋሕ ደርብታትን ገይሮም ስለዘረድኡና፡ ንኹሉ ብጊንጣውነት (ሲይኒሲዝም) ከምእንርእዮ እዮም ገይሮምና። ኣብ ማእከል ኩሉ ሕልኽላኽ ህይወት ወድ ሰብ ተስፋን ሰናይን ኸይንርኢ ከልኪሎምና። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ፡ ንኹሉ ዝምድናታት ወድ ሰብ ብዓይኒ ጥርጣረን ክልሰ ሓሳብ ውዲትን (ኮንስፒራሲ ቲዮሪ) ከምእንርእዮ ገይሮምና። ሓደ ካብቶም ግዳያት ናይዚ ድማ ፖለቲካዊ ተሳትፎ እዩ። ግናኸ፡ ንፖለቲካ ካብቲ መሰረታዊ መበገሲኡ ኽንርእዮ ከለና፡ ናብዚ መደምደምታዶ ዚወስደና ይኸውን?

ፖለቲካ፡ ቃል ብቓሉ “ጉዳያት ከተማታት” ማለት እዩ። ብቛንቋ ግሪኽ “polis” ማለት ከተማ ማለት እዩ። ብዛዕባ ምሕደራ እዘን ከተማታት ኣመልኪቱ ንዝጸሓፋ መጽሓፍ ድማ እዩ ኣሪስቶትል ፖለቲካ ኢሉ ሰምዩዋ። ስለዚ ኣብ ዘመንና ፖለቲካ፡ ንኹሉ እቲ ምሕደራዊ ጉዳያት ሃገራት ዚገልጽ ዓውዲ ወዲ ሰብ እዩ። ፖለቲካዊ ተሳትፎ ድማ ኣብዚ ምሕደራዊ ጉዳያት እዚ ብቐጥታ ወይስ ብተዘዋዋሪ ተሳትፎ ምህላው ማለት እዩ። መብዝሕትና እቶም ኣብተን እንነብረለን ሃገራት ዜግነት እተዋህበና፡ ኣብ ምርጫታት ንሳተፍ ኢና። ግናኸ እዚ ተሳትፎና ፖለቲካዊ ተሳትፎ ምዃኑ ይርደኣናዶ? እቲ ዚገርመኒ ነገር ድማ፡ ኣብ ዝኸድካዮ ገዛ፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፕረዚደንት ወይ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ኣሚር ወይ ንጉስ ምዕላል ንቡር እዩ። ኣብ ኬንያ ከለኹ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ ኪባኪ፡ ራይላ ኦዲንጋ ብዛዕባ ምርጫ እታ ሃገር ብዙሕ ይዛረቡ፡ የዕልሉ፡ ደገፎም ወይ ተቓውሞኦም ይገልጹ፡ ዋላ እቶም ኤርትራውያን። ኣብ ዘለኽዋ ሃገር፡ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡውን ሚኒስተራት፡ ክርስትያኑ ዘይክርስትያኑ ኖርማል ኮይኑ የዕልለካ፡ ንፖሊሲታቶም ዘለዎ ደገፍ ወይ ተቓውሞ ይገልጽ። እቶም ኣብ ፌይስቡክ ዝርእዮም ክርስትያናት ኩሎም ከኣ ብዛዕባ ባራክ ኦባማን ፖሊሲታቱን ብዙሕ ኪዛረቡን ኪጽሕፉን እርእዮም። ብፍላይ ከኣ ኣብታ ብዛዕባ “ንሰለስተ” ጾታታት ዚኸውን ሽቓቕ (ይቕሬታ ካልእ ቃል ስለዘይረኸብኩላ) ዚምልከት ዘቕረቦ እማመ ዚምልከት ክርስትያናት ብዙሕ ኪብሉ ርእየ። እዚ ኹሉ ነገራት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ምዃኑ ይርደኣናዶ።

ግናኸ፡ እቲ ክልተ ሚዛን ከምዘሎና ዜመልክት፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኽንበጽሕ ከለና፡ “ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን እየ”፡ “ፖለቲካ ኣይፈቱን እየ”፡ “ፖለቲካ ምስ ክርስትና እንታይ ኣራኺብዎ” ወዘተ ኽንብል ከለና እዩ። በዚ ኾነ በቲ ኣብ ፖለቲካ ንዋሳእ ኣሎና። እቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንእምነትና ኬሳድድ ከሎ፡ ብሕቡእ ኽንጽሊ ኽንእከብ ጽሑፋት ኽንለዋወጥ ከለና፡ ፖለቲካዊ ተቓውሞና ኢና ንገብር ኔርና። እቲ “ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ሕደገሎም” ኢልና ኽንወጽእ ከለና ፖለቲካዊ መርገጺና ኢና ኣነጺርና። እቲ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ከምኡውን ካልእ ዑቕባ ኽንሓትት ከለና ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኢና ጌርና። ንመንግስቲ ኤርትራ ኢና ኮኒንናዮ። ኣብዛ ምድሪ ዚነብር ኩሉ ሰብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከይገበረ ዚነብር የልቦን።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝተፈላለየ መልክዓት ኪህልዎ ይኽእል። ገሊኡ ንጡፍ (ኣክቲቭ)፡ ገሊኡ ኸኣ ልኡም (ፓሲቭ) እዩ። ገሊኡ ብጽሑፍ ኪሳተፍ ይኽእል፡ ገሊኡ ብሰላማዊ ሰልፍታት ኪሳተፍ ይኽእል፡ ገሊኡ ኣብ ምርጫታት ብምስታፍ ወይ ጎስጓስ ብምክያድ ኪሳተፍ ይኽእል፡ ገሊኡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ብምሃብ ኪኸውን ይኽእል፡ ገሊኡ ባዕሉ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምጽንባር ኪኸውን ይኽእል፡ ገሊኡ ንምርጫ ብምውድዳር ኪኸውን ይኽእል። ሓደ ክርስትያን ከኣ ኣብዚ ኹሉ ነገራት ተሳትፎ ኺገብር ይኽእል። ኻልእ መገዲውን ኣለዎ፡ እወ፡ ጸሎትን ምህልላን ብምግባር ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኪህልዎ ይኽእል። ኩሉ ሕጋዊ (ለጂቲመይት) ኣገባባት ፖለቲካዊ ተሳትፎ እዩ። እዚ ኹሉ ኣብ ሓንቲ ሕጋውን ብሕጊ ዚምእዘዝን መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ዚዓዪ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ልዕልና ሕጊ ዘይብለን ሃገራት እታ ልኡም ተሳትፎ ጥራይ እያ እትዓዪ። ኩሉ ሕጋዊ መዓጹ ስለዝተደፍነ፡ ኸኣ ሰባት ወይ ጎነጻዊ ተሳትፎ እዮም ኬካይዱ ወይ ድማ ከምቲ ሕጂ ኮይኑ ዘሎ፡ ዓዲ ገዲፎም እዮም ዚወጹ። እዚ`ውን ፖለቲካዊ ተሳፍትፎ እዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ክርስትያን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ሕቶ ከመይ ገይሩ ነቲ ክርስትያን ክብርታት ዓቂቡ፡ ብሃናጺ መገዲ ተሳትፎኡ ይገብር እዩ። ኣብዚ ኸነስተውዕሎ ዘሎና፡ ከምቲ ሓያሎ ናይ ፖለቲካ ሰባት ዕላማይ ጥራይ ጥዑይ ይኹን እምበር ከመይ ገይረ ዕላማይ ይወቅዕ ዜገድስ ኣይኮነን ናብ ዚብል መርሆ ኽንኣቱ የብልናን። ንክርስትያን፡ እቲ ኣገባብ ተሳትፎኡ ማዕረ እቲ ኺበጽሖ ዚደልዮ ሸቶ የገድሶ እዩ። ክርስትያን ምስቲ ማክያቬልያዊ “እቲ ሸቶ ነቲ ኣገባብ ምኽኑይ ይገብሮ” ዚብል መርሆ ፍጹም ኪርዕም ኣይግባእን። ንክርስትያን “እቲ ኣገባብ ኮነ እቲ ሸቶ ምኽኑይ ኪኸውን ይግባእ”። ከምዚ እንተኾይኑ ተሳትፎኡ ጠቓሚ፡ ሃናጽን ሰናይን እዩ።

 

ኣማኑኤል ኤልያስ

ክቡራት ነበብቲ፡ ካብዚ ቀጺለ፡ ገለ ካብቲ ንፍትሕን ቅንዕና ኣመልኪቱ ቃል ኣምላኽ ንሓደ ኣማኒ ካብ ዚብሎ ነገራት ክጠቅስ። እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይን ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወትን ዚጠቅም መርሆታት እዩ። ባዕለይ ክንዲ ዝትርጉሞ ግን ነፍሲ ወከፍ ባዕሉ ኬስተንትኖ እሓድጎ፦

“ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።” (ምሳሌ 11፡14)

“ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፣ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።” (መዝሙር 82፡3)

“ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቝፊ ይወስድ።” (ምሳሌ 17፡23)

“ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።” (ኢሳይያስ 1፡17)

“መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ።” (ኢሳይያስ 1፡23)

“እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም።” (ኢሳይያስ 10፡1-2)

“ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፡ ኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ።” (ኤርምያስ 8፡7)

“ስለዚ ሕጊ ደኸመ፣ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ ኣሎ።” (እንባቆም 1፡4)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.