ኣምላኽና፣ኣቦ እዩ!

ኣቦ ክንብል እንከሎና፡ ብቀጥታ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ነገር ኣሎ። እቲ ለዋህ ኣቦና። እቲ ሓቛፍን ኣላይን ኣቦና። እቲ ስራሕ ውዒሉ፡ ክምለስ እንከሎ ብጉያ እንቅበሎ፣ ኣቦና እዩ። እንታይ እሞ፡ ብዛዕባ ኣቦ እንብሎ ብዙሕ ነገር ክህልወና ይኽእል እዩ።

ከም ማሕበረ-ሰብን ሕብረተ-ሰብ ብዛዕባ ኣቦ ዘሎና ኣረኣእያ ዝተፈላለየ እዩ። ገሌና ብዛዕባ ኣቦ ኣዝዩ ጽቡቅ ስእሊ ኣሎና።  ገሌና ድማ ብዛዕባ ኣቦ ጽቡቕ ዝኾነ ስእሊ የብልና። ከም ሕብረተ-ሰብ ግና ብሓፈሻ ኣቦ ክብሃል እንከሎ ዘሎና ስእሊ እንታይ ይመስል ይኸውን፧

እዚ ናይ ምድሪ ኣቦና ምስልን ተምሳሌትን ናይቲ ናይ ሰማይ ኣቦ እዩ።

እሞ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንመንን እንታይን ይመስል፧

እቲ መልሲ ቀሊል እዩ። ነቲ ምድራዊ ኣቦና ይመስል።

እዋእ! ብኸመይ፧

ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛምርቱ ብዛዕባ ጸሎት ክምህሮም እንከሎ ኣብ ማቴዎስ 6ን ሉቃስ 11 ብዛዕባ ኣቦ እዩ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ማቴዎስ 6 ጥራይ ዳርጋ ንከባቢ 10 ግዜ ኣቦኹም፡ ኣቦኻ፡ ኣቦና እንዳበለ ይጠቅስ። ኣብዘን ብዛዕባ ጸሎት ዝምህራ ምዕራፋት፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ኣቦ እምበር ከም ንጉስ ወይ ጐይታ ከም ገዛእን ካልእን ኣይጠቀሶን። ከም ኣቦ ጥራይ። እዃ ደኣ፣ ኣየናይ ኣቦ እዩ ወዱ እንጌራ እንተለመኖ እምኒ ዝህቦ፡ ዓሳ እንተለመኖ ተመን ዝህቦ፡ እንቃቕሖ እንተለመኖ ድማ ዕንቕሪቢት ዝህቦ ይብል። ናይ ምድሪ ኣቦ፡ ተለሚኑ ክፉእ ንዉላዱ ፈጺሙ ኣይህብን፡ ኣይገብርን’ውን እዩ። እቲ ናይ ሰማይ’ከ ደኣ፡ ተምሳሌትን ምስልን ኣቦ ዝሓዘ፧

ሃገር ክትህነጽ መጀመርታ ስድራ-ቤት ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ኩልና እንሰማምዓሉ ሓቂ እዩ። ስድራ-ቤት ድማ ካብ ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ሰብኣይን ሰበይትን ኣንጻር ጾታ ዝምስረት ሕብረትን ኣምላኽ ዝሰመሮ ርኽክብን እዩ። ኣብዚ ዉሉድ ምስ ተወልደ ድማ እቲ ሰብኣይ፣ ናብ ኣቦ ዝብሃል ማዕርግ ይሰግር። እታ ሰበይቲ ድማ ኣደ። ስለዚ ጅማረ ኣቦነት፡ ኣብዚ እዩ። ግና ንኣቦ፣ ኣቦ ዘብሎ ብዙሕ መምዘኒታት ኣሎ። እቲ ኣቦ ዝብል ቃል፡ ምስ ምጥዋር፡ ምእላይ፡ ዝሓስበልካ፡ ዝከባኸበካ፡ ዝሕልወካ፡ ዝርእየካ፡ ዝኽሕሰካ፡ ዝምግበካ፡ ፍቕሪ ዝምጥወካ፡ ክትወድቕ ዘተንስኣካ፡ ዝሕንግረካ፡ . . . ኮታ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ፣ ዝተሓሓዝ ትርጓሜን ሓሳብን ኣለዎ። ልዕሊ ካልእ ድማ ምስሊ፡ ሞዴል፡ ተምሳሌትን (figurehead) እዩ።

እዚ ዝጠቀስናዮ ነገራት፡ ብከፊል ኣብ ሕብረተ-ሰብና ንረኽቦ ኢና። ብምሉእ ግና ካብቲ ተምሳሌት ዝሓዘ ኣቦ፡ ብዙሕ እዋን ኣይንርእዮን ኢና። ክምግብ ዝረኣኻዮ ኣቦ ንደቁ ሞዴል ክኸውን ኣይትርእዮን። ወይ ዝሕብሕብን ዝኽብክብን ኣቦ ብካልእ ንደቁ፡ ናይ ምስሊ ኮይኑ ኣይትረኽቦን። እዃ ደኣ ኣቦ ክብሃል እንከሎ ኣብ መብዛሕትና (ኣብ ኩልና ኣይበልኩን)፣ መጸ ክብሃል እንከሎ ዘፍርሃና፡ ንኩሉ ሰብ ሸቖጥቆጥ ዘብል፡ ዓይኒ ዓይንኻ እናረኣየ የፍቕረካ እየ ዘይብለካ። ዝወደይ ‘ዛ ጓለይ፡ ኣነ ኩሩዕ እየ ብኣኻ/ኺ ኢሉ ዘይፈልጥን። ብዙሕ እዋን ዘይትንከፍ፡ ዘይብጻሕ እዩ። ኣብ ኣፍደገ ገዛ ምስ በጽሐ እሕሕሕሕ . . . ኢሉ፡ መጸ ተባሂሉ፡ ገዛ ኩሉ ጸጥታ ዝወሓት። ማዕሩኡ ኮፍ ዘይብሃል። ምስ ደቁ ኣብ ሓደ መኣዲ ብዙሕ ግዜ ዘይበልዕ፡ ንበይኑ ጸብሒ ዝስርሓሉ፡ . . . ወዘተረፈ፡ ብዙሕ እዩ።

ዳርጋ ናይ መብዛሕትኡ ሰብ ብዛዕባ ኣቦ ዘሎዎ ስእሊ እዚ ይመስል። ስለዚ ይመስለኒ፡ እግዚኣብሄር ኣቦኻ እዩ ክንብሃል እንከሎና ቁሩብ ጥሙሕ ዘይህበና። ኣብዚ ዘመናዊ ሕብረተ-ሰብና እዃ ይሓይሽ ይኸውን እምበር፡ እቲ ናይ ኣቦነት ስእልስ ኣዝዩ ዘንቢዑ እዩ። እሞ’ዚ ናይ ልብኻ ዘይትነግሮ ኣቦ፡ ምስ ወደቕኻ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተካ፡ እኳ ይረድኣኻ እዩ። ከምዘፍቕረካ ኣይነግረካን እዩ፡ ግና የርእየካ እዩ። ኣይገልጸልካን እዩ፡ ግና ፍቕሪ ከየርኣየ ይምጥወካ።

ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና – ኣቦ እዩ። እግዚኣብሄር፣ ኣቦይ እዩ ኢልና ጥሙሕ ከነሕድር እንተኮይና ግና መጀመርታ ምስልን ተምሳሌትን ናይ ምድሪ ኣቦና ክዕረ ግርም እዩ። ርእሲ ክርስቶስ፡ እግዚኣብሄር እዩ። ርእሲ ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና’ውን ዝበልናዮ፡ ርእሲ እታ ቤት እቲ ሰብኣይ፡ እቲ ውሉድ ዝወለደ ኣቦ እዩ። እዚ ኣቦ’ዚ ምስሊ ናይ ቤቱ እዩ። እዚ ኣቦ’ዚ ሞዴል ናይ ደቁ እዩ። እዚ ኣቦ’ዚ ተምሳሌት ናይ መላእ ቤቱ እዩ።

ሃገር ካብ ሓንቲ ቤተ-ሰብ ጀሚራ፡ ናብ ማሕበረ-ሰብን ኮምን ማዕቢላ ናብ ዞባታትን ምልእቲ ሃገር ትኸውን። ግና ኣብታ እንኮ ስድራ ዝተዛብዓ ምስሊ ኣቦ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ዘምጽኦ ጽልዋ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ። ስለዚ ብሩኻት ኣሕዋተይ፡ እግዚኣብሄር ኣቦና እዩ። ንሕና ኣቦታት ድማ ምስሊ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ንደቅና ኢና። ደቕና ብዛዕባ እግዚኣብሄር ምሉእ፡ ጽቡቕ፡ ቅዱስን ንጹህን ስእሊ ክህልዎም እንተደሊና፣ መጀመርታ ንሕና ንደቕና ከም ናይ እግዚኣብሄር ምስልን ተምሳሌትን ንኹኖም። እንሕብሕብ፡ እነፍቕር፡ እንልግስን፡ እህብን፡ እንገንሕን፡ ጽቡቕ ሞዴልን ምስልን እንኸውን ንኹን። ኣቦ ወሃቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስሊ ድማ እዩ። ርእሲ ኮይኑ የዐሪ። ርእሲ ኮይኑ ይሕሉ። ርእሲ ኮይኑ ይመርሕ።

መጽሓፍ ቅዱስንና ኣብ ማቴዎስ 6ን ሉቃስ 11, ኣቦነት እግዚኣብሄርን ኣቦነት ሰብን የወዳድሮ ኣሎ። ሉቃ 11፡11-13

«ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧»

ዉሉዱ ንዝልምኖ፡ ኣቦ ብክፉእ ዝምልስ የለን። ኣብዚ ክፍሊ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፣ ኮነ ኢሉ ኣዝዮም ዘሰንብዱ፡ ተጻይ ዝኾኑ ነገራት ከም ኣብነት ዝወስድ ዘሎ ይመስል። እቲ መልሲ ግና ፍሉጥ እዩ።

«ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧»

ኣቦ ኣሎና። ሰማያዊ ኣቦ፣ ይሰምዕ፡ ይምልስ፡ ይነግር፡ ይርሕርሕ፡ የጸናንዕ፡ ይመርሕ፡ . . . ኮታ ኩሉ ዝኾነልና ኣቦ። ኣቦና እግዚኣብሄር፣ ኩሉ ግዜ ድዩ ዝምልስ እሞ፧ እወ! እግዚኣብሄር፡ ኩሉ ግዜ ይምልስ። ገሌና ኣይተረድኣናን እምበር፡ ዝሓተትናቶ ተመሊሱ ኣሎ፡ ነጊሩና ኣሎ። ከምቲ ለባማት ወለዲ፡ ንዉሉዶም ብምሃብ ጥራይ ዘይምልሱ ኣቦና ከምኡ እዩ። ኩሉ ግዜ ኣይህበናን እዩ። ደቁ ዝፈቱ ወላዲ – ኩሉ ነገር ንደቂ ዝደለይዎ ዘይኮነስ፡ ዘድልዮም እዩ ዝህቦም። ምናልባት ደቁ ዘይፈቱ ወላዲ እንተሃልዮ፣ ንደቁ ኩሉ ይህቦም ይኸውን።

ኣቦ ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣቦ እዩ። እቲ ካልእ መለለይኡ።

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    ጐይታ የሱስ ይባርኽካ ብሩክ። ጎይታ ምግላጽ ቃሉ የብዝሓልካ። ጽቡቅ ምግላጽ

Leave a Reply