ናይ ምህላውና ምኽንያት፣ ንምንታይ፧

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 1ጴጥ 3፡18

እቲ ዝበልጸን ኣዝዩ ዝጸበቀን ናይ ጽቡቕ ጽቡቅ፣ መግለጺ ኣልቦ ውህበት ኣምላኽ፡ እቲ ጥዑም ዜና ዝኾነ – ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ወንጌል ፍስሃን ሓጎስን ባህታን ሕብረት ምስ ኣምላኽ እዩ። እዚ ሓሳብን ሕመረት ወንጌል፡ ብቕሉዕ ኣብ መልእኽቲ ጴጥሮስ ሰፊሩ ንረኽቦ። ኣብ 1ጴጥ 3፡18 “. . . ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ . . .” ገሊጽዎ ኣሎ። በዚ መሰረትን ነዚ ዓላማን እዩ ድማ፣ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዝሞተን እተሰቅለን።

ኩሉ ነጻ ውህበታት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፣ ነዚ ዝስዕብ ሓቂ ንከነጽር እዩ ተገሊጹ።

  • ምሕረትን ይቕሬታን ዝረኸብና፣ ክስን ገበነኛነትን ካብ እግዚኣብሄር ንከየርሕቀና እዩ።
  • ነጻ (justified) ቅኑዓት ዝተባሃልና፣ ኲነኔና ካብ እግዚኣብሄር ንከየርሕቀና እዩ።
  • እግዚኣብሄር ብምፍሳስ ደም ክርስቶስ የሱስ ቁጥዕኡ ኣብ ክርስቶስ ኣፍሲሱ እዩ፣ በዚ ድማ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ኣቦናን ዝቐውም ቁጥዓ የለን።
  • ሕጂ ናይ ዘልኣለም ህይወት ተዋሂቡና እዩ፣ ብሓድሽ ትንሳኤ መንፈሳዊ ህይወት፣ በዚ ድማ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ምግባርን ናብ ምልኣት ሕብረቱ እናተፈሳህና ንክንዓብይ እዩ።

ስለዚ፣ ልባትና እስኪ ንጎርጉር፣ – መልሲ ኣሎና’ዶ፧

  • ስለምንታይ ይቕሬታን ምሕረትን ንደሊ ኣሎና፧
  • ንምንታይ ናጻ ክንከውን ንደሊ ኣሎና፧
  • ንምንታይ ቁጥዓ ኣምላኽ ካባና ክሓልፍ ንደሊ ኣሎና፧
  • ስለምንታይ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንደሊ ኣሎና፧
  • እቲ ወሳንን ናይ መወዳእታ መልስና፡ ኮን’ዶ ይኸውን፣ “ምእንቲ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብፍስሃ ሕብረት ክህልወኒ፣ ሕጅን ክሳብ ዘልኣለም” ይኸውን፧

እዚ ናይ ፍቕሪ-ወንጌል፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ዝሃበና ውህበት፡ ገዛእ-ርእሱ ምሃቡን፡ ርእሱ ኸፊሉ ምሳና ምሕባሩን እዩ። እዚ እዩ ዓላማ ምንባርናን ምህላውናን። ነዚ ሕብረትን ምህላው ምስ እግዚኣብሄር ኢና ብምኽንያት ሓጢኣትና ስኢንናዮ። እዚ ዓላማ’ዚ፡ ናብቲ ናይ መጀመርታ መደብ ኣምላኽ ንኽመልሰና እዩ ክርስቶስ የሱስ መጺኡ።

“ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና ኣሎ።” መዝ 16፡11

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply