ነፍቕሮ ጐይታ፣ ኣፍቕሩለይ ዝበለና …

ኩሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠትን ናይ ስነ-መለኮታዊ መጽናዕትታትና፣ ንእግዚኣብሄር ዘሎና ፍቕር ንምሕያልን ንገዛእ ርእስና ድማ ብባህርን ናብራን ዝሓሸ ሰብ ምእንቲ ክገብረና ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ነገር ክውን ንምግባሩ ድማ መሰረታዊ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምፍላጥ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ፈጺሙ ዝኣቱ ኣይኮነን። ርትዒ ዘለዎ ስነ-መለኮት ብኮፍካ ብፍጹም ኣይርከብን እዩ። ብስሩዕ ወይ ድማ ብዘይ ስሩዕ፡ ብምጽናዕ መጽሓፍ ቅዱስን ምፍላጥ ስነ-መለኮትን ግና ብርግጽ የድሊ እዩ። ኮይኑ ግና፣ እዚ ፍልጠት ኣብ ርእስና ወይ ኣእምሮና ጥራይ ዝውህለል ዘይኮነስ ኣብ ልባትና ዝወረደን ዝተሃንጸን ክኸውን ኣለዎ። ፍልጠት፣ ፍቕሪ እንተጎዲልዎ፡ ዓመጽ ወይ ትዕቢት (haughtiness/ arrogance) ይወልድ። ዓመጽን ትዕቢትን ድማ ጭካነ የምጽእ።

ኣብ መንጎ እዮብን ኣብ መንጎ ኣዕሩኽቱን ዘሎ ፍልልይ ብንጽሩ እዚ እዩ። ኣዕሩኽ እዮብ ኣዝዩ ብዙሕ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ይዛረቡ ነይሮም። እዮብ ግና ምስ እግዚኣብሄር ይዘራረብ ነይሩ። ስለዚ፣ ዝኾነ ሰረተ-እምነት ኮነ ስነ-መለኮት ናብ ሓቀኛ ንእግዚኣብሄር ምምላኽን (ኣምልኾተ-እግዚ)ን ምእዛዝ እግዚኣብሄር ዘይመርሕ እንተኮይኑ፣ ኣጋንንታዊ እዩ (ያእ 2፡19)።

መሰረት እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ድማ፣ እታ እንኮን ዓባይን ትእዛዝ እያ (ማቴ 22፡37-39) —

የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡

እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።

እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

ስለዚ ልክዕ ከምቲ ተሓጺቡ፡ ጸርዩ፡ ኣብ ስልኪ ምእንቲ ክነቅጽ እተሰጥሐ ክዳን፡ ዝደረቕና ጥራይ ከይንኸውን። ትምህርትና ኮነ ናብራና ካብ ማሕበር ክርስቶስን ኣዕኑድ ክርስቶስን ክነጻጸል የብሉን። ቤተ ክርስትያን ካብ ርሑቕ ከነፍቕራ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ውሽጢ ክርስቶስን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያንን (being in Christ and in the church) ምዃን እንተሲኢንና፣ ንቤተ ክርስትያንን ካብ ቀረባ ኮይንና፡ በቲ ብክርስቶስ ዝተፈቕረቶ ፍቕሪ፡ ከነፍቕራ ክንመሃር ብፍጹም ኣይንኽእል ኢና። ሓደ ተማሃራይ ዪኒቨርስቲ፡ ተማሂሩ ኣብ መዓልቲ ምረቕኡ ከይርከብ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኣብዘየለወሉ (abstentia)፡ ተመሪቁ ዲፕሎማኡ ናብ ዝነብረሉ ቦታ ኣድራሻ ክለኣኸሉ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና፣ ንቤተ ክርስትያን ኣብዘየለናሉ ከነፍቕራ ኣይንኽእል ኢና።

ጥዑይ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ብፍጹም መተካእታ የብሉን። ኮይኑ ግና ጥዑይ ትምህርቲ፡ ጥዑይ ናይ ናብራን ባህርን ህይወት የኸትል እዩ። ኣኽብሮተ-እግዚ ዘይተፈልዮ

ርቱዕ ህይወትን (orthopraxy)

ርቱዕ ጥልቂ ፍቅሪ (orthopathy)

ካብ ርቱዕ እምነት (orthodoxy)

ዝተተሓሓዘን ዘይነጻጸልን፣ ካብኡ ካብ እግዚኣብሄር ዝወንጨወ እዩ። ኣይነጻጸልን። ስለዝኾነ ድማ፣ እግዚኣብሄር ዘጣመሮ ዝኾነ ዓይነት ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርትን ልምምድን ኣይፈልዮን እዩ። እግዚኣብሄር ንምፍቓር በሪሁለይን እንብሎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ፡ ንሓውናን ሓብትናን ብምፍቓር ጥራይ እዩ ዝንጸባረቕ። እነፍቕሮን እነምልኾን ጐይታ፣ ከነፍቕረሉ ዝደልየና ንማሕበሩ እዩ። እታ ማሕበሩ ድማ ቤተ ክርስትያን እያ። ቤተ ክርስትያን ድማ ሓብተይን ሓወይን እዮም፣ እቲ ህንጻ፡ እቲ ኣዳራሽ ኣይኮነን። እዚ ምፍቓር ኣዚ ድማ፣ እምነትናን ናብራናን ይመርሕን የቃንን። ካብ ፍቕሪ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕመረት ኮነ ዓላማ የለን። እትነብረሉ ዓላማ ወይ ድማ ሕመረት እንተዘይብልካ፣ እትሞተሉ ራእይ ኣይክህልወካን እዩ።

ጐይታ የሱስ በቲ ኣብ ቀራንዮ፡ ብስቃይ ዘፍሰስካዮ ደምካ፡ ናይ ፍቕሪ ደምካ፣ ኣጥለቕልቀና።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply