ናብ ሰናይ ልገቡ!

“ሰናይ” ዝብሃል ዘሎ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? እቲ ምልጋብ ዝብሃል ዘሎ’ኸ? እዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ፡ ፍልጠት ጥራይ ከይከውን ምእንቲ፡ ኣብ ህይወትና ተግባራዊ ብዝኾነ መንገዲ እስኪ፡ ግብራዊ ትምህርቲ ንግበሮ። ኣብዚ ዘሎኹምዋ ቦታን ሰዓትን ክትገብርዎ እትኽሉ ሰናይ እንታይ ከምዘሎ ሕሰቡ እሞ፡ ግበርዎ ድማ!

ሰናይ ዝመስል ግን ከኣ ሰናይ ዘይኮነ ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ህይወት ባዕላ ምሂራትና’ላ። መጀመርታ እምበኣር ነቲ ሰናይ እንታይ ማለት ምዃኑ ክንርኢ፡ መጽሓፍ ቅዱስ መዚ ኢሉ ኣሎ፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ” እኳ ደኣ ብተደጋጋሚ ተጻሒፉ ምህላው እሞ ክንጠቅስ፡ ትርጉም ናይቲ ሰናይ ዝብል እንታይነት ድማ ካብ እግዚኣብሄር ጥራይ ክንርድኦ ከምእንኽእል ብምድምዳም ከኣ ነቲ ሓሳብ ከነሕጽሮ። “ሰናይ” ዝብል ቃል ኪንዮ እቲ ግቡእ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዝሓሸ ነገር ዝገብር ማለት ምዃኑ፡ ቅድሚ ኹሉ፡ እዚ ትርጉም እዚ ኪስወረና ኣይግባእን። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ ክንብል ከለና፡ ንሱ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ማይ የዝንም ማለትና እዩ እምበር ነቶም ሕያዎት ጥራይ ጽቡቕ ዝኾነ ነገር ይገብር ማለትና ኣይኮነን። እግዚኣብሄር መሓሪ እዩ፡ እግዚኣብሄር ለዋህን ሕያዋይን እዩ፡ እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፡ እግዚኣብሄር ደንጋጺ እዩ፡ እወ፡ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ።

www.wihbet.com

ብካልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ሰናይ ልገቡ ማለት፡ ኣብ እግዚኣብሄር ልገቡ ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተኾንኩምሲ ንስኻትኩም’ውን ሕያዎት ኩኑ፡ እግዚኣብሄር ይቕረ ከምዝበለልኩም ትፈልጡ እንተኮንኩምሲ፡ ንስኻትኩም’ውን ይቕረ በሉ፡ እግዚኣብሄር ኣፍቂሩኩም ምዃኑ ትፈልጡ እንተኾንኩምሲ ንስኻትኩም’ውን ኣፍቅሩ… ኮታ፡ እቲ ኣግዚኣብሄር ዝኾኖ ኩሉ ነገር ኩኑ ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እያሱን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፡ ንብዘለው እስራኤል፡ … በሎም፡- «ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ኹሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸአ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ። ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለው ህዝብታት እዚኣቶም ከይትአትው፡ ስም ኣማልኽቶም’ውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ፡» እያ 23፡1-11። “ኣብ ሰናይ ልገቡ” ማለት እምበኣር እንሆልኩም። “ስም ኣምላኽቶም ኣይትዘክሩ” እዩ ዝብሎም ዘሎ። ኣምላኽ ጸሓይ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ፡ ኣምላኽ ማይ፡ ኣምላኽ ንፋስ፡ ከፋቲ ማህጸን፡ ፈዋሲ ዓይኒ፡ ፈዋጺ ለምጺ፡ ፈዋሲ ወቕዒ፡ እናበልኩም እተምልኽዎም ዝተፈላለዩ ኣማልኽቲ ሓደው መላእኽቲ ኣይሃልዉኹም ማለት ምዃኑ እንተዘይተረዲእኩም፡ ነቲ ኣበሃህላ ደጊምኩም ሕሰቡሉ። “ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን” ግን ናብ ሰናይ ልገቡ። “ኣብ ማእከልካ ነብዩ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኤ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከአ ከምቲ ዝበለካ እንተ ኾነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ኾንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ነብዩ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ። ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ንእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሓልው፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸአ ኣገልግሉ ምስኡ’ውን ልገቡ፡ (ዘዳ13፡1-4)። “ኣብ ሰናይ ልገቡ” ማለት እምበኣር እንሆልኩም። ትእምርትን ተኣምራትን ዝገብሩ እሞ ዝኾነሎም ከኣ እንተረኣኹም፡ ነብያት በልዎም፡ ሓለምቲ ሕልምታት በልዎም፡ ብዘይገድስ፡ ካብቲ በይኑ ክምለኽን ክውደስን ዝግብኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣውጺኦም ኣዒንትና ናብ ካልእ ከድህባን ናብ ካልእ ክምህለላን ክሰግዳን ዝገብሩ እንተኾይኖም፡ እቲ ቃል እንታይ ይብል ከምዘሎ ኣስተብህሉ! “ቃሎም ኣይትስማዕ” እዩ ዝብል ዘሎ።  ዋላ እዃ ብዓይንና እንርእዮ ተኣምራት እናገበሩ፡ ኣጋንንቲ እንተኣውጽኡ፡ መባርቕ እንተ ኣብረቁን ከዋኽብቲ እንተ ኣውደቁን፡ ዋላ ምዉት’ውን እንተተንስኡ እየ፡ ኣይትስምዕዎም። ብፍሪኦም ኣለልይዎም። እቲ ሕቶ፡ ኣብ ምግባርን ዘይምግባርን ተኣምራት ኣይኮነን ዘሎ። ትጽቢትናን ትውክልትናን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ዘይምህረናን ዘይድግፈናን እንተኾይኑ፡ ከመዮ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝበሎ፡ «ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ፡» (ገላ1፡8-9)። ስለዚ ዝድላዩ ትእምርትን ተኣምራትን ይገበር፡ ንሕና ግን ኣብ ሰናይ ክንለግብ ስለዝግባእ፡ ነቲ ሓላም ሕልምታት ቃሉ ክንሰምዕ ከምዘይግባእ እዩ ቃል ኣምላኽ ዝምህረና ዘሎ።

ምልጋብ፡ ምርጫ እዩ ኢልናዮ ኣለና። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ “ኣብ ሰናይ ልገቡ” ኢሉና ኣሎ። ኢያሱ ንህዝቡ ክፋነዎም ኸሎ ኸኣ፡ “ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ” ዝብል ለበዋ እዩ ሓዲጉ። ሙሴ ኸኣ ንህዝቡ “ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ንእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሓልው፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸአ ኣገልግሉ ምስኡ’ውን ልገቡ” ብምባል ንጹር መምርሒ ሃበ።

እምበኣር ኣሕዋተየ “ናብ ሰናይ ልገቡ፡”

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.