ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ

ብመሰረት ኣረዳድኣን ብጽሒትን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ወንጌል፣ ወንጌል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትንተን ይኽእል እዩ። ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ንዓለም ብወዱ ክርስቶስ የሱስ ከድሕና መዲቡ (1ቈረ 2፡7, ሮሜ 16፡25)። እዚ ዓላማ ምድሓኑ ድማ ኣቀዲሙ ቅድሚ ብዙሕ እዋናንት ብነብያቱ ገይሩ ኣፍሊጡን ነጊሩን ነይሩ እዩ (ሮሜ 1፡2, 16፡26)። ብምስክርነት ቅዱሳን ጽሑፋትን መጽሓፍት ድማ ኣርጊጹ ኣጽኒዑልና (1ቈረ 15፡3-4, ገላ 3፡8)። ናይ ምፍጻሙ ዘመን ማለት ምልኣተ ዘመን ምስ በጽሐ ድማ  እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ (ገላ 4፡4-5)። ኣብ መስቀል ሞይቱ፡ ብሓይሊ ትንሳኤል ተንሲኡ ድማ ዓለምን ኩሉ ሰብን ብሓደ ዝተላእከ ወዱ ኣድሒኑ (ሮሜ 1፡3-4, 15፡8, 2ቈረ 1፡20)፣ እቲ ተስፋ ተፈጸመ።

ክሳብ ምምጻእ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ድማ፣ ኣይሁድ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምድሓን ፍቓዱ ንኣህዛብ ብምስሓት ኣዝዩም ሃውተቱ። ይኹን እምበር፣ ብምግላጽ ምምጻእ ወዱ የሱስ ክርስቶስ፣ ብምግላጽ ወንጌልን ዝተበሰረ ናይ ህይወት ብርሃን ብዘይ ምጥፋእ ደሚቁ ወጺኡ ኣሎ። ንዝኣምን ዘበለ ድማ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍጻሜ ኮነ፣ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ኣተዓረቐና። ስለ ዝኾነ ድማ፣ ብመገዱ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ወንጌል እግዚኣብሄር፣ ዋና ናይ ምድሓን ፍቓድ ኮይኑ ብወንጌሉ መልእኽቲ ኮይኑ ተጠቃሊሉ ቀሪቡ ማለት እዩ። ብዘይ ወዱ፡ ወንጌል የለን። እዚ ወንጌል እዚ ድማ ናይቲ ስቁል ወዲ ኣምላኽ መልእኽቲ ወይ ድማ ብስራት እዩ (1ቈረ 1.17, 2.3)። ናይ ወዱ ሕማምን ትንሳኤን እግዚኣብሄር ናይ ምድሓን ፍቃዱን ብምግላጽ ናይ ምድሓን መልእኽቱን ንኽእዉጁ ሃዋርያት ለኣኸ። ወንጌል ናይ ሃዋርያት ስብከት ኣገልግሎት ኣዋጅ ነጋሪትን ተቆጻጻርን፣ ብገዛእ ርእሱ ናይ ዘመን ፍጻሜን፣ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምድሓን ሓይል ዝገልጽ እዩ። ብቀጥታ ድማ ንኩሉ ሰብ “. . . ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ . . .” (2ቈረ 5.20) ዝብል ልመና የቀርብ።

ስለዚ፣ ወንጌል ካልእ ኣማራጺ ዘየድልዮ እንኮ መፍትሒ ዝህብ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዩ (ሮሜ 1.16)። ዝኾነ መንገዲ፣ ዝኾነ ዓይነት መልእኽቲ፣ ናይ ዝኾነ ሰብ መርገጺ ከድህን ኣይክእልን እዩ። ንምዉታት ህይወት ዝህብ ጸጋ ብስራት ክርስቶስ ወንጌል፣ ብእምነት ይግለጽ እዩ። ኣብ ህይወት ሰብ፣ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝከኣሎ፣ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ጥራይ እዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ ብወንጌል ጥራይ እዩ ዝርከብ። በዚ ወንጌል እዚ እግዚኣብሄር ዘልኣለማዊ ክብርን ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ክወስድን፣ ዘልኣለማዊ ዓላምእዉን ኣብ ዝተደላደለ መሰረት ኣንቢርዎ ኣሎ። ኣይልወጥን፣ ኣይለዋወጥን ድማ።

ወንጌል ናይ የሱስ ክርስቶስ ህይወት፡ ኣገልግሎት፡ ሞትን ትንሳኤን ብስራት ኮይኑ፣ ብተወሳኺ ድማ ንዝኣመንዎ ድማ ምድሓን ከምዝህቦም ዘረጋግጽ እዩ። ኹሉ ክሳብ ዝሕደስ ሰማይ ሰማያት ብኽብሪ ዝተቀበሎ ብክብሪ ዝዓረገ ወዱ፡ በዚ መወዳእታ ዘመን መፈጸምታ ምእንቲ ክገብረሉ፣ ብዳግም ምምጽኡ ድማ ናይ ምድሓን መደምደምታ ክገብረሉ እዩ። እዚ ተመሪቑ ዝተኸፍተ ናይ ሓዲሽ ፍጥረት ስርዓት ድማ ፍጻሜ ክረክብ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ኩሉ ነገር ንገዛእ ርእሱ ዘግዝኣሉን ናይ መንግስቱ ዙፋን ሰፊሑ ናይ ወንጌል ዓወት፡ ፍጻሜ ዝረኽበሉ ዛዛሚ መርሖ እዩ። ስለዚ ወንጌል ስበኽ! ስበኺ! ንስበኽ! መንግስተ ሰማይ ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ፣ ወይ ድማ ጥፍኣት፣ ንበል።

ስለዝኾነ፣ ነዚ ወንጌል’ዚ ብዝኾነን ዘይኮነን ኣይትተናኽፎ፣ ኣይትደባብሶ፣ ኣይትቀሽሾ፣ . . . ግና፡ ነቲ ጽኑዕን ሓደን ወንጌል ብምውሳኽ፣ ወይ ብምጉዳል ይኹን ብምሽፍፋን ኣይተናኽፎን ኣይተበላሽዎን። ንወንጌል ምትንኻፍን ዘይምስሉ ምሃብ ምስ እንጅምር ግና፣ ህይወት ሰብ ካብ ምፍራስን ምብልሻውን ሓሊፊ፡ ምቁስሳሉን ምምሽማሹን እዩ። ንቤተ ክርስትያን ድማ ይሕምሳ እዩ።

ጆን ስቶት ዝተባህለ ናይ መልእኽቲ ገላትያ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሰብ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ ፡ –

ኹሉ ግዜ’ውን እንተኾነ፣ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምጥማምን ምትንካፉን ኣብ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ግዜ ሽግር ምስፈጠረ እዩ። ወንጌል እንተደኣ ክሸራረፍን ክትንከፍን ጀሚሩ ቤተ ክርስትያን ከይተተንከፈት ከይቆሰለት ኣይትተርፍን እያ፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጥረትሉ ወንጌል እዩ፣ እትነብረሉ ድማ ንወንጌልን ብወንጌልን እዩ። ብርግጽ፣ ሎሚ ኮነ ቅድም፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ሽግር ዝፍጠር ካብ ብወጻኢ ዝመጻ ፈተናን ስደትን ኣይኮነን፣ እቲ ቀንዲ ሽግራ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ብዝትንሳ ንወንጌል ዘሸራርፍ፡ ዝሓዋውስን፡ ንወንጌል ዘጣምምን እዩ። እወ ንወንጌል ዘጣምሙን ዝሓዋውሱን እዮም ሽግራ። ብኣንጻሩ ድማ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሰባት ጽቡቕ መገዲ ዝሕዝሉን ዝነብሩሉን፣ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዘይሸራረፈሉ እዩ። ቤተ ክርስትያንን ኣገልግሎትን ጽቡቕ መገዲ ዝሕዘሉ ድማ ሓቀኛ ወንጌል ብምእማንን፣ ንዕኡ ብምስባኽን እዩ። (Stott, “The Message of Galatians”, s 23.)

ስለዚ “ወንጌል እንተ ዘይ[ሰብኽክ] …” (1ቆሮ. 9፥16) እዕልኻትኩም ቀጽልዎ

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    God bless you senay bro

Leave a Reply