ኮሮና ቫይረስ COVID-19

ኣብዚ ግዜ’ዚ፣ እዚ ብኮቪድ-19 (COVID-19) ዝፍለጥ ናይ ኖብል ኮሮና ቫይረስ ሕማም፡ ኣዝዩ ቀታልን ጽንኩር ተላባዕን ከምዝኾነ ብኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ተነጊሩ ኣሎ።  ብርግጽ ድማ ነቲ ዝውሃብ ዘሎ መምሪሒታት ምውሳድን ምጥንቓቕን ዘይኸሓድ ንጹር ነገር ኣሎ። ስለዚ፡ መሰረታዊ ክንገብሮን ክንክተሎን ዝግብኣና ምግባር ሓላፍነትና እዩ’ሞ፣ ወሲኸ ከዘኻክር ይደሊ።

ንሎሚ ቅድሚ 72 ዓመታት፡ ዓብዩ ናይ 20 ክፍለ-ዘመን ጸላዊ ክርስትያን ተጣባቂ ወንጌልን ዝኾነ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሲ. ኤስ. ለዊስ (Clive Staples Lewis (1898-1963)) ዝተጠቀመሎም ቃላት ብምጥቃም ንዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣብዚ ከቅርቦ እየ። ናይቲ ሽዑ ግዜ ስክፍታን ጭንቀትን ህዝቢ ዓለም ኣቶሚካዊ ቦምቢ እዩ ነይሩ። እቲ ሲ. ኤስ. ለዊስ፡ “ኣቶሚካዎ ቦምቢ” ኢሉ እተጠቕመሉ ቃላት ድማ ብ“ኮሮና ቫይረስ” ብምትካእ፡ ኣብ ኣእዛንና ንዝቃጭል ዘሎ ፍርህን ኣገዳሰነት እቲ ጽሑፍ ክንርኢ ኢና።

ሓሳብ ሲ. ኤስ. ለዊስ

በቲ ሓደ ክብደትን ተራን ኣቶሚካዊ ቦምቢ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን፡ ብዙሕ ኣትኩረትን ዘድልዮ ነገር እዩ። ግና “ኣብዚ ዘመነ ኣቶሚካዊ ቦምቢ ከመይ ገይርና ክንነብር ኢና፧” ነዚ ንምምላስ ሰጋእ እዩ ዘብለኒ፣ ስለምንታይ ግና፣ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን፡ ለበዳታት ተላባዕቲ ሕማማት ሳዓልን ጸሊም ሞትን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመትንምዕራብ ኤውሮጳን ከተማታት ሎንደን ኣብ ዝበጽሓለን እዋን ንነብር ኣሎና፧ ወይ ድማ፣ ስለምንታይ፡ ኣብዚ ዘመትቲ ቫይኪን ሃገራት ስካንዲናቪያ በየን መጹ ከይተባህሉ ብለይቲ ጎሮሮኻ ቆሪጾም ዘሚቶምኻ ዝኸዱሉ እዋን ንነብር ዘሎና፧ ወይ ብሓቂ ስለምንታይ፣  ኣብዚ እዋን ሕማም መንሽሮ፡ እዋን ሕማም ፍንጣጣ፡ እዋን መልመስቲ፡ እዋን ብዙሕ ሓደጋታት ነፈርቲ፡ ባቡራትን ተንቀሳቀስቲ ነገራትን ኣብዘለዎ ንነብር ኣሎና፧ #ስለምንታይ፧

ብካልእ ኣዘራርባ፡ መጀመርታ ነገር፡ ነገራት እንተዘይተጋነኑን ካብቲ ክውንነታዊ ዘለዉዎ ኩነታት ንላዕሊ እንተዘይገበርናዮን፡ ገይርና እንተዘይረኣናዮም ጽቡቕ እዩ።  እመኑኒ፡ ክቡር ሓውን ሓብትን፣ ንስኻ ኮነ እቶም እትፈትዎም ኩሎም ቅድሚ ኣቶሚካዊ ቦምቢ ምምሃዙ’ውን እንተኮነ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂቡካ/ኪ እዩ። ብብዙሕ ሚእታዊት ካባታትና ንሞት እተወፈና ሰባት ኢና። ብዝተፈላለዩ ሕማማትን ለበዳታትን ብካልእን። ካብቶም ቅድሜና ዝነበሩ ንሕና ዝሓሸ እንኰነሉ፡ ምናልባት ናይ ዘመንና ትካላት ጥዕናን መሳለጢያታት መሳሪሕታት ከምኡ’ውን፡ መደንዘዚ (anesthetics) ምህዞ፡ ኣብ ዓለምና ስለዘሎ እዩ። ግና፣ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠኛታትን፡ ሓደ ተወሳኺ ቃንዛታትን ወይ ቅድመ-እዋናዊ ሞት መናውሒ ፈጢሮም ስለዘለው፣ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ከም ሓደ ተራ ዘረባን ከም መስሓቕ ክርአ ይኽእል እዩ። ግና፣ ሞት፡ ብምንዋሕ ኮነ ብምጽናሕ ዘይትተርፍ ዕድሎት ወደ-ሰብ እዩ።

እዚ እቲ ቀዳማይ ክንገብሮን ክንፈልጦን ዘሎና ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ፡ እንተደኣ በቲ እተማህዘ ኣቶሚካዊ ቦምብ ከጥፍኡና ሓሲቦም፣ ከም ሰባት፡ ከም ብኣእምሮ እንሓስብ ደቂ-ሰብ ግና – ምጽላይ፡ ምስራሕ፡ ምምሃር፡ ምንባብ፡ ምስማዕ ሙዚቃ፡ ኮታ ደቅና ትምህርቲ ምስዳድ፡ ምሕጻብ፡ ምጽዋት፡ ግዜ ምሕላፍ ምስ ዓርከ-መሓዛናን ካልእ ኮታ ኩሉ – ከም ዝሰንበዳ ኣባጊዕ፡ ተደጊልና ብዛዕባ እቲ ቦንቢ ጥራይ ክንሓስብ ኣይኮነን። ንሕሰብ! ግና ንኣካላትና ክሰባብር (ሓደ ደቂቅ ዘይርአ ተሃዋስናን እዃ ከሕምመናን ክሰባብራናን ይኽእል እዩ) ይኽእል ይኸውን፣ ግና  ንኣእምሮና ክዕብልልዎን ክገዝእዎን ኣይክእሉን እዮም።

ካብ — “On Living in an Atomic Age” (1948) ዝብል ኣርእስቲ፡ ካብ መጽሓፍ  Present Concerns: Journalistic Essays ዝተወስደ

ነጋሪት ኣዋጅ – ኮሮና ቫይረስ

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረአናዮ፡ ናይ ሲ.ኤስ.ለዊስ ሓሳብ፡ ልኽዕ ኣብዚ እዋንን ኩነታትናን ዝገልጽ ይመስል። ግና ናብ ናተይ ሓሳብ ክምለስ . . .

. . . ጐይታ ድማ ንደቀመዛምርቱ፡ ኣብ ማቴ 24.6 ከምዚ ኢልዎም ኣሎ “. . . ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ . . .” ኢልዎም። ኣብዚ ኣገደስቲ ክልተ ሓሳባት ኣለዋ፣ “ርኣዩ”“ኣይትሰንብዱ”ን። ሓደ ክንርእዮ ዘሎና ነገር ኣሎ። እንተርኢኻዮ ድማ ከሰንብደካ ዝኽእል ነገር ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ጽሑፍ ኣይትርኣዩ ኣይበለናን፣ ኣይትሰንብዱ ግና ኢሉና ኣሎ። ምኽንያት ዘይመሰንበዲና ድማ፡ እዚ መጀመርታ ጥራይ ስለዝኾነ እዩ። እቲ ጥቕሲ ውስኽ ኣቢሉ ከምዚ ይብለና ኣብ ጥቕሲ 7፣ “ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።” ግና፡ ናተይ ሕቶ፣ እዚ ኩሉ እንዳረኣኻ ከመይ ገይርካ ዘይትስንብድ፧ ጐይታና፣ ኣይትሰንብዱ ኢሉና፣ ግና ከኣ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” ይብል እሞ፡ ርኣዩ ድማ ይብለና። ምኽንያቱ ድማ “እዚ ኹሉ ክኸውን ብግዲ እዩ” ዝብል ሓረግ ስዒቡ ኣሎ።

ጽሑፍ ክፍጸም ግዲ እዩ። ግና ንመን ንስማዕ፧ ንጐይታናን መድሓኒናን’ዶ ወይስ ንናይዘ ዘመንና ዝርአ፡ እሞ ድማ ርኣዩ ተባሂሉ ተነጊሩና ዘሎ “ኮሮና ቫይረስ”። ብርግጽ እዚ ሕማም፡ ንዓለም ኣናዊጹ ኣሎ። ግና፡ ካብ ሓይሊ ናይዚ ሕማም፡ ሓይሊ ናይቲ፡ ብሓንቲ ቃል ንነገራት ጸጥ ከብል ዝከኣሎ ጐይታ ይሕይል። ኣብ ህይወትና ድማ ሓይሊ ጐይታ እምበር ሓይሊ ፍርሂ ናይዚ ሕማም ክገዝእ ኣይግባእን። ብእምነት ድማ፡ ነቲ ብፍርሂ ዝገዝእ ድማ –

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።” መዝ 23

እንታይ እሞ ንበል ደኣ!

ስለዚ፣ ካብ ሓይሊ ናይቲ ቫይረስ ሓይሊ ጐይታይ ይዓቢ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ አብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።” መዝ 91፡6-10። ካብ ፍርሂ’ሲ መንፈስ ትብዓት ዝህብ ዝጐይትኡ ህዝቢ ድማ፡ ብፍሂ ዘይኮነስ ብእምነት እዩ ዝግዛእ እሞ፣ ጽሑፍ ነስተውዕል። ክንፈርህ ዘይኮነስ ክንርእን ከይንስንብድን፣ ግናኸ ክንጥንቀቕ እዩ ዝነግረና እቲ ቃል። “ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።” እብ 13.6. ንሱ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን እዩ፣ ዝለዋወጥ ባህርይ የብሉን፣ ንዘልኣለም ንሱ እዩ።

ጽሑፍ ዝምርምር ግና ዘመኑ ዘለሊ ክርስትያን እዩ እሞ፣ ምድሪ ናበይ ገጻ ከምእትኸይድ ዘላ ነስተብህል። ዳግማይ ምጽኣት ጐይታና ኣብ ኣፍ ቤት ምብጽሑ፡ ነጋሪት ኣዋጅ እዩ ዝድሰቐልና ዘሎ፣ ደወል-መጠንቀቕታ፡ ናይ ንስሓን ምድላውን ምንቃሕን ደወል።

ሃሌሉያ! ብኽብሪ ጐይታና፡ ንክምለስ ዝድሰቅ ዘሎ ደወል እዩ’ሞ ነስተብህል! ንመርምር! ንርአ! ኣይንሰንብድ!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. ሳሙኤል

    ኣዝየ ተባሪኸ ኣምላኽ መመሊሱ ይባርኽኩም ቡሩኻት ኢኹም፡፡

Leave a Reply