Vision

“ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምድላው”

“to make ready a people whose hearts have been turned to the Lord”

ሉቃ 1፡17

ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ

ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ 

ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።”

Good News

For All People

Mission

Our mission is the reason we exist.

“…to lead all people to real transformation in Christ.”

Process

Our three-step process helps people navigate the stages of spiritual growth.

UPWARD

It’s all about Jesus

A people that grasps God’s redemptive mission toward humanity. One that believes that worshiping God is the point of life & history. One that believes in the complete sufficiency of Scripture to speak into all areas of life.

INWARD

We are family

That holds each other accountable, encourages each other & forgives one another. To encourage each other to pursue God in complete surrender.

OUTWARD

Life on mission

That sees all people as created in the image of God & longs to see them worship in spirit & in truth. To be equipped to spread God’s love, forgiveness, & compassion to the lost & hurting people in Eritrea & the rest of the world!

ሰረተ-እምነት

Our beliefs are the foundation of our ministry.

  • እግዚኣብሄር – ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዝርአን  ዘይርአን ኩሉ ዝፈጠረ፡ ዘይልወጥ፡ ብቦታ ዘይውሰን፡ ኩሉ ዝኽእል፡ ሓያል፡ ዘልኣለማዊ፡ ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን። ዘፍ 1.1-28   ዘፍ 11፡7  ዘዳ 6፡4-5  መዝ 139፡7-12  ኢሳ 40፡28  ማቴ 28፡19-20  ሉቃ 3፡21-22  ዮሃ 14፡16  ግብ 14፡15  ቈሎ 1፡15-17።

    ሓደ ኣምላኽ ብሰለስተ ስብእና (personality) ዝጋሃድ በዚ ዝስዕብ ይትንተን – እግዚኣብሄር ኣቦ፣ እግዚኣብሄር ወዲ፣ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፣ – ብስልጣን ብፍቓድ ብመለኮት ማዕረ ዘልኣለማዊ እዮም። ሰለስቲኦም ከኣ ሓደ እዮም። ኣይንደባልቖምን ኣይንነጻጽሎምን። ዘፍ 1፡1  ዮሃ 1፡1  ዘዳ 6፡4-5  ኢሳ 44፡6-8  ኢሳ 45፡5  ኤፌ 4፡6  ማቴ 3፡16-17  ማቴ 28፡19-20  2ይ ቈረ 13፡13  ዮሃ 14፡16።

  • መጽሓፍ ቅዱስ – መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንደቂ-ሰባት ሓሳባቱን ፍቓዱን ብምልኣት ዝገለጸሉ ኣብ ህይወት ወድ-ሰብ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ፣ መንፈስ ቅዱስ ብቅዱሳት ሰባት ተጠቒሙ ዝጸሓፎ፡ ብመበቆላዊ ትሕዝቱኡ ድማ ኣበር ኣልቦ፡ ፍጹም፡ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ ናይ መወዳእታ ቃል ዝሓቖፈ ምዃኑ ንኣምን። መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ 39 ብሉይ ኪዳን 27 ድማ ሓድሽ ኪዳን ጠቅላላ 66 መጽሓፍቲ ምዃኑ ንኣምን። 2ይ ጴጥ 1.19-21  2ይ ጢሞ 3፡16  1ይ ጴጥ 1፡25  ኤር 36፡1-4   ዮሃ 17፡8-17  2ይ ሳሙ 23፡2  እያ 1፡8።

  • መላእኽቲ

    • ቅዱሳን መላእኽቲ ከምዘለዉ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃኖም ንኣምን። 2ይ ሳሙ 24፡16  ዘፍ 21፡17  ዘካ 1፡12  ሉቃ 1፡19,26-30  ግብ 8፡26-29  ግብ 27፡24።
    • እግዚኣብሄር ንቅዱሳን ሰባት ከገልግሉ ከም ዝልእኮም ንኣምን።  መዝ 91፡11  ማቴ 4፡11  እብ 1፡13-14  2፡3-3  
    • መላእኽቲ ኣምልኾን ስግደትን ከምዘይቅበሉ ንኣምን  ራእ 22፡8-9  ራእ 19፡10  ቈሎ 2፡18።
  • ሰይጣን – ሰይጣን ህላወ ዘለዎ፡ ንናይ ኣምላኽ ምኽርን ፍቓድን ንምቅዋም ሰዓብቱ ኣዋፊሩ ዝነጥፍ ዘሎ ፉጡርን፡ ርኹስ ዝወደቐ መልኣኽ ምዃኑ ኣብ መወዳእታ ድማ ተሳዒሩ ኣብ ገሃነም ከም ዝድርበ ንኣምን።  ዘፍ 3፡14 15  ኢሳ 14፡12-17  ዮሃ 8፡44  ህዝ 28፡13-18  2ይ ቈረ 4፡4  ራእ 12፡10  ራእ 20፡10።

  • ፍጥረት ሰብ – ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ስሉስ ኣቋዉማ ዘለዎ ማለት ብመንፈስ፡ ነፍሲ፡ ስጋ ዝቖመ ኮይኑ፥ ብጽድቅን ብቕድስናን ብሓቅን ብቕንዕናን ክመላለስ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ምዃኑ ንኣምን።  ዘፍ 1፡26-28  መክ 7፡29 1 ተሰ 5፡23  ኤፌ 4፡24።

  • ውድቀት ሰብ – ሰብ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕላዉ ካብ እግዚኣብሄር ተፈልዩ መንፈሳዊ ሞት ከም ዝሞተ ብሰሩ ድማ ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣትን መርገምን ግዝኣት ሰይጣን ከም ዝኣተወ ንኣምን። ዘፍ 3፡7 16-19  ዮሃ 5፡25  ዮሃ 8፡34  ኤፌ 2፡1-2 ገላ 3፡13-14  ሮሜ 3፡23  ሮሜ 6፡22-23።

  • ምድሓን ሰብ – ምድሓን ብእምነት፡ ብጸጋ፡ ማለት ብበጃነት ክርስቶስ ንዝኣምን ዘበለ ኹሉ ብኸምኡ ዝወሃብ ናይ ኣምላኽ ውህበት ምዃኑ ንኣምን። ግብ 4፡12  ዮሃ 1፡12  ዮሃ 3፡16  ኤፌ 2፡8-9  ሮሜ 3፡24  ዮሃ 10፡9-10 27-28  ግብ 20፡21።

  • ቅዱሳን ሰባት – ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ብእግዚኣብሄር ዝደሓኑን ዝተቐደሱን ቅዱሳን ሰባት ከም ዘለዉ፡ ከምኡውን ብህይወት ከለዉ ዋላ ምስ ሞቱ ኣምልኾን ስግደትን ከምዘይቅበሉ። ምስ ሞቱ ድማ ከምዘይማልዱ ንኣምን።  ግብ 14፡13-18  ግብ 10፡25-26  ኤፌ 1፡1  ፊሊ1፡1  ቄሎ 1፡1-2  ዘሌ 20፡7-8።

  • ውህበታት እግዚኣብሄር – ናይ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ውህበት ከም ዘሎ፡ ከም ኣብ ዘመን ነብያትን ሃዋርያትን ሕጂውን ኣብ ዘመና ከም ዝዓይን ከም ቃል ኣምላኽ ምጥቓም ከምዝኽኣል ንኣምን። ሮሜ 12፡3-8  ኤፌ 4፡11-13  1ይ ቈረ 12፡4-11  1ይ ቈረ14፡26።

  • ገነት – ኣብ ሞንጎ ስጋዊ ሞትን ትንሳኤን ዘሎ እዋን ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝደቀሱ ቅዱሳን ዋላ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ብዕረፍትን ብሰላምን ዝጸንሕሉ ስፍራ ምዃኑ ንኣምን። ሉቃ 16፡22  ሉቃ 23፡43  ፊሊ 1፡23  2ይ ቈረ 12፡3-4  ራእ 2፡7  1ይ ተሰ 4፡14።

  • ሲኦል – ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብበጃነት የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ተስፋ ምድሓን ብዘይምቕባሎምን ዘይምእማኖምን ካብ ሓጢኣቶም ከይተነስሑ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ መዓልቲ ፍርዲ እናተሳቐዩ ዝጸንሕሉ ስፍራ ምዃኑ ንኣምን። ሉቃ 16፡22-25  2ይ ጴጥ 2፡9  ራእ 20፡11-13።

  • ዳግም ምጽኣት – ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ዳግም ከም ዝምለስን ኩሉ ሓይሊ ሽመት ጐይትነት ስልጣን ኮነ ግዝኣት ናብ ርእሱ ከም ዝጥቕልሎን ንሽሕ ዓመት ኣብ ምድሪ ከም ዝነግስን  ንኣምን። ማቴ 16፡27  ማቴ 24፡27  ማቴ 25፡31  ማቴ 24፡37-39  ግብ 1፡11  1ይ ተሰ 4፡16  ዘካ 12፡10።

  • ትንሳኤ ምውታን – የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ካብ ሞት ከም ዝተንሰኤ ከምኡ ድማ ጻድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ብዘይሓልፍ ስጋ ከም ዝትንስኡ፡ ጻድቃን ኣብ ናይ ዘልኣለም ህይወትን ደስታን፡ ሓጥኣን ድማ ኣብ ናይ ዘልኣለም ስቓይን ሞትን ከም ዝኸዱ ንኣምን። ዮሃ 5፡28-29  ማቴ 25፡46  1ይ ቈረ 15፡50-56  1ይ ተሰ 4፡14  ፊሊ 3፡21  1ይ ዮሃ 3፡2  ራእ 20፡4-6።

  • ዘልኣለማዊ ፍርዲ – ዓሌት ሰብ ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ዘልኣለም ፍርዲ ከም ዝቐርብ ታሪኽ ከም ዘብቅዕን እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ናይ ዘልኣለም ክብሪ እቶም ንክርስቶስ ብዘበን ስግኦም ዝነጸጉ ድማ ኣብ ናይ ዘልኣለም ሓዊ ከም ዝኸዱ ንኣምን።  ማቴ 25፡41-46  ራእ  20፡11-15   ራእ 21፡8  ሮሜ 2፡5-16።

We Are ...

wihbet profile

Wihbet.com is a free and Christian website, with a mission to share the love of God which is found in and revealed by Christ Jesus to everyone. Wihbet.com strongly believe in solid and faithful teaching of the Word of God through the leadership of the Holy Spirit. This accommodates all Christian teachings of all Christian denominations as long as they are not in conflict with the Word of God, and aligned with our faith statement, that is based on concrete Christian foundation and an authentic source of Biblical doctrine. Wihbet.com has three different divisions which are Christian Literature, Blog and Radio Ministry – 

  1. Christian Literature – gives an access to foundational Christian teachings and literature writings which are downloadable for personal and church use, not for commercial use.
  2. Blog – an inspirational and sharing of the Word of God in our daily life. That gives us an insight and view on our daily life and in the world which we life, through biblical point of view.
  3. Radio Wihbet – broadcasts inspirational Christian worship songs, Biblical sermons and teachings, testimonial messages, one to one and group interviews and other similar educational spiritual messages. We broadcast 24 hours a day and seven days a week via:

Radio Wihbet Via Websites:
www.wihbet.com
https://www.zeno.fm/wihbet