ጸሎት ድሮ ስቕለት

ቅድሚ እታ እተሰቕለላ መዓልቲ፡ ሓሙስ ምሸት ከምዝነበረት እዩ ዝንገር። ኣብዛ ምሸት’ዚኣ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ትምህርቲ ከምዝመሃረ ኣብ ዮሃንስ ወንጌል ምዕራፋት 13-17 ሰፊሩ ኣሎ። ኣእጋር ደቂ-መዛሙርቱ ብምሕጻብ – ጐይታ ንሱ ባርያ ኮነ (ዮሃ 13፡3-20)፣ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ መኣዲ ጐይታ ኣቀመጦምን (ማቴ 26፡20-30; ማር 14:17–26; ሉቃ 22:14–20) ከምኡ’ውን ክሕደት ይሁዳ (ዮሃ 13:30)፣ ኮታ ኣብዛ ሓንቲ መዓልቲ ብተራ እዚ ኩሉ ተፈጺሙ። ልኽዕ ብድሕሪ’ዚ ድማ የሱስ ንደቂ-መዛሙርቱ ሒዙ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዎ ጌተሰማኔ መጸ (ዮሃ 18:1; ማር 14:32)። ኣብዚ ድማ የሱስ፣ ኣብ ዓለም እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዕርቂ ጸሎት ዝጸለየሉ ግዜን ቦታን እዩ። ምኽንያቱ እዚ ጸሎት’ዚ ናይ እግዚኣብሄር ጸጋን ምድሓን ኩሉ ዓለምን ከተዓርቕ ዝጸለዮ ናይ ዋጋ ደሙ ጸሎት እዩ። ዓወት ተልእኹኡ ምፍጻም ድማ ኣብ ጸሎቱን መልሲ ጸሎትን ስለዝነበረ እዩ። ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍርሁ እዩ ጸልዩ፣ ተመለሰሉ ድማ።

ኣብዚ ሓደ ከነልዕሎ ዘሎና ሕቶ ኣሎ፣ ነቲ ኣብ እብ 5:7 ዘሎ ሓሳብን ኣብ ጌተሰማኔ ዝጸለዮ ጸሎትን ብከመይ ነዛምዶ ዝብል እዩ። ኣብ እብ 5፡7 ከምዚ ይብለና ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ ይብለና። እዚ ካብ ህይወት የሱስ፡ እንታይ’ዩ ዝምህረና፧

ጻዕሪ ሞት ሓዞ

ንየሱስ ቅድሚ እታ ናይ ስቕለቱ ዕለት ኣብ ጌተሰማኔ ዝነበሮ ስምዒት፡ እንታይ ምንባሩን ከመይ ዓይነት ምዃና ንምፍላጥ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ስምዒት’ቲ ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድን ክግለጽ እዃ ዘይኽእል እዩ። ኣብ ሉቃ 22፡44 ብከምዚ ገሊጽዎ ኣሎ ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።እዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ስምዒታት መግለጺ፣ ብካልእ ኣበሃህላታት ጻዕረ-ሞት ማለት እኮ . . . ኡኡኡኡይይይይ እንዳበልካ ኣጽኒዕካ ምልማን፣ ካብቲ ጻዕሪ ዝተላዕለ ድማ ረሃጽ ከም ገዘፍቲ ነጠብጣብ ኮይኑ ናብ ምድሪ ክወድቕ እንከሎ ዝገልጽ መግለጺታት እዩ። መሪር ሉልዋ (ልሉው ምባል) እዩ እኮ ተለልዩ የሱስ።

ግና ትሕዝቶ ጸሎት የሱስ እንታይ ነይሩ ይኸውን፧ ኣብ እብ 5፡7 ገሊጹልና ከምዘሎ “ጸሎትን ምህልላን” እዩ ነይሩ ትሕዝቶ ጸሎት ጐይታ የሱስ። መሪር ልመና፣ በጃካ ኣድሕነኒ፣ ምንባሩ ኣብ ማር 14፡36 “. . . እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። . . .፣ ብምኽንያት እቲ ኣብ እብ 5፡7 ሰፊሩ ዘሎ ድማ “. . . ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡” እዩ። እብራውያን ካብዚ ዝምህረና ዘሎ ብምኽንያት ንኣምላኽ ምፍርሁ፣ ነቲ ዘቕረቦ ጸሎት ከምዝተሰምዐ እዩ። ኮይኑ ግና እታ ጽዋዕ ካብ የሱስ ኣይሓለፈትን። ብምልኣት ነቲ ኣብ ስግኡ ክወርድ ዝነበሮ መከራን ኩሉ ቁጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ወደቀ።  እሞ የሱስ ድኣ በየናይ መገዲ እዩ ጸሎቱን ምህለልኡን እተሰምዐ፧

ቀዳማይ ሳዕ ጸለየ

ኣብ ማቴዎስን ማርቆስ፣ የሱስ ሰለስተ ሳዕ ከምዝጸለየ ኣስፊሮሙልና ኣለዉ። ነቶም ደቂሶም ዝነበሩ ጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስ ድማ ኣብተን ሰለስተ ሳዕ ከምዘተንስኦም ንረክብ። ኣብ ሉቃስ ግና ሓንሳእን ጥቕሉል ሓሳብ ዘለዋ ጸሎት ከምዘሎ ንረክብ። ግናኸ ጽጹይ ዝኾነ ኣብቲ ግዜ ዝተፈጸመ፡ ነቲ እንሓቶ ዘሎና ሕቶ ምላሽ ዝህብ ማለት ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ከምዝተዋህቦ ይነግረና። ሉቃስ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ

ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፥ ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኻኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረሉቃ 22፡41-44

ካብ ጴጥሮስን ክልቲኦም ደቂ ዜብደዎስን ከባቢ ዳርባ እምኒ ዝኸውን ርሒቁ፣ ተንበርኪኹ እንዳጸለየ ከምዚ በለ “. . . ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ . . . እንዳተጻዕረ ኣጥቢቑ እንዳጸለየ፣ ረሃጽ ደም እንዳ ኣንጠብጠበ ኣብ ምድሪ ተደፊኡን ወዲቁን ለመነን ጸለየን፣ ብኡ ድማ መልኣኽ ካብ ሰማይ ዜበርትዖ ተዋህቦ (ሉቃ 22:41–44)። ቅድሚ እቲ ዜበርትዖ መልኣኽ ምውሃቡ፡ እታ ጽዋእ ካብኡ ክትሓልፍ ለሚኑ እዩ ሉቃ 22፡42። መልኣኽ መጺኡ ኣበርትዖ፣ ስለምንታይ፧ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ሓሳብ ኣብ ምድሪ ንምፍጻም ኣበርትዖ። ብካልእ ኣዘራርባ እቲ መልኣኽ ንናይ የሱስ ጸሎት፡ መልሲ ሂቡ። እቲ መልኣኽ ናይ እግዚኣብሄር መልእክቲ ሒዙ፡ ንከበርትዖ እንተዘይኮይኑ ንካልእ ኣይመጸን። መልእኽቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ተልእኾ የሱስ ንምፍጻም፣ ናይ ምድሪ ምምጺኢኡ ዓላማ ንምግባር፡ እንሆ ዘበርትዓካ መልኣኸ ዝበሎ ይመስል ኣብዚ መልእኽቲ።

ኣብዚ ብተወሳኺ ግና ሓደ ሕቶ ኣሎ፣ ትሕዝቶ ጸሎት የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሉቃ 22፡44 ከምዚ ይብል “. . . ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። . . . እዛ ጽዋእ ካባይ ትሕለፍ እንዳበለ’ዶ ደጋጊሙ ኣምሪሩ ይጽሊ ነይሩ ይኸውን፧ እዚ ዓይነት ግምታት ዘይክውንነታዉ ይመስለኒ። ግን እንታይ ነይሩ ጸሎት የሱስ እሞ፧ ነዚ መልሲ ዝህበና ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን ዝጠቀስናዮ ምዕራፍ 5 ዘሎ ጥቕሲ 7 እዩ። ዝተፈልየ ጸሎት እዩ “. . . ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡” ይብለና። እዚ ብኻልእ ኣበሃህላ ንኣምላኽ ምፍርሁ ማለት ምእዛዙ ምስ ኣርኣየ፡ ጸሎቱ ተስምዐ።

ካልኣይ ሳዕ ጸለየ

ብመሰረት ማቴዎስ ወንጌል፡ የሱስ ካልኣይ ሳዕ ክጽሊ ምስተመልሰ ግና ሓደ ዓይነት ጸሎት ከምታ ናይ ቀዳማይ ሳዕ ከምዘይጸለየ የመልክተና። ኣብታ ቀዳመይቲ ጸሎቱ ከምዚ ብምባል እዩ ጸልዩ፣ ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። ማቴ 26:39። ኣብታ ካልኣይቲ ጸሎቱ ድማ ከምዚ ብምባል እዩ ጸልዩ፣ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ።ማቴ 26:42። ኣብዚ እንታይ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና፣ የሱስ መጀመርታ ምስ ጸለየ ዜበርትዖ መልኣኽ ስለ ዘይተዋህቦ፣ በቃ እዛ ጽዋእ ስለ ዘይትሓልፍ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ ምሕታት ይሓይሽ ዝበለ ክመስለና ይኽእል እዩ። ግን ስለምንታይ እዩ ካልኣይ ሳዕ ጸልዩ፧ ኣብታ ካልኣይቲ ጸሎት፡ እታ ጽዋእ ካብኡ ክትሓልፍ ፈጺሙ ኣይጸለየን፣ እዃ ደኣ ኣብ ህይወቱ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ክፍጸም እታ ጽዋእ ከኣ ክትሓልፍ ከምዘይትኽእል እዩ ገሊጹ። ክትሓልፍ ዘይትኽእል ካብ ኮነት፡ በጃ ኲሉ ዓለም እታ ጽዋእ ምስታይን ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻምን እዩ።

ኣብ ማርቆስ ወንጌል ድማ፣ ነዛ ካልኣይ ሳዕ ዝጸለያ ጸሎት ብከምዚ ገሊጽዋ ንረኽባ፣ ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። ማር 14፡39። እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ ብምባል ተጠቂሙ ንረኽቦ። ኣብዚ ሰለስተ ሳዕ ሓደ ዓይነት ጸሎት ከም ዝጸለየ የብርሃልና ኣሎ። ነቲ ኣብ ማር 14፡33-36 ዘሎ ጸሎት፣ ማለት ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን ዝብል ጸሎት እዩ። እንተ ደኣ ኣብዚ እንብሎ ዘሎና ሓሳብ ኣድሂብና፣ ናይ የሱስ ልማኖን ጸሎትን ቅድሚ ዜበርትዖ መልኣኽ ምምጽኡን ድሕሪኡን ዝተፈላለየ እዩ። ድሕሪ ዜበርትዖ መልኣኽ ምምጽኡ፣ እዛ ጽዋእ ካባይ ትሕለፍ ኢሉ ኣይጸለየን። ኣብ ሉቃ 22፡44 “. . . ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ . . . ክብለና እንከሎ ደኣ እንታይ እዩ ትሕዝቶ እቲ ጸሎት፧

ዝዓበየ ምእዛዝ

እብራውያን 5፡7 ከምዚ ይብለና፣ ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ ይብል፣እዛ ጽዋእ ካባይ ትሕለፍ ማለት ካብ ሞት ኣድሕነኒ እንተዘይኮይኑ እንታይ ማለት እዩ፧

የሱስ ነታ ጽዋእ ካብኡ ክትሓልፍ ኣይኮነን ኣጽኒዑ ዝጸለየ። ግና ኣብቲ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ንምፍጻም ወይ ነታ ጽዋኣ ንምስታይ ግና ብዓወት፡ ብምሉእ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ንክፍጽም እዩ ጸልዩ። ጳውሎ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ክጽሕፍ እንከሎ፣ ስለዚ . . . ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ . . . ፊሊ 2፡9፡ ብምባል ገሊጹ ኣሎ። እቲ ስለዚ ኢሉ ጀሚሩ ዘሎ ሓሳብ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ምእዛዝ ብምልኣት ይገልጽ። ነቲ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ . . . ይብለና ኣብ ፊሊ 2፡7-9። ካብ ሞት ዘድሓኖን ዘተንስኦን ድማ፣ ምእዛዙ ክሳብ ሞት እዩ። ናይ ጌተሰማኔ ጸሎት ኣብዚ ተምሊሱ።

መልሲ እግዚኣብሄር ኣቦ

የሱስ ክርስቶስ ክሳብ ሞት እንተዘይእዘዝ፡ ትንሳኤ ዝብሃል ኣይምሃለወን፡ ምድሓን ዝብሃል ኣይምሃለወን፡ መጻኢ ናይ ኲሉ ዓለም ጥፍኣትን ብዘይ ጸጋ ኣምላኽን ውልድነት ኣምላኽን ምኾነ ነይሩ። በዚ ምኽንያቱ እዩ፡ የሱስ ኣብ ጌተሰማኔ ክሳብ ደም ቲፍቲፍ ኢሉ ዝርህጽ  ዝጸለየ ዝለመነ፣ ናብቲ ካብ ሞት ከድሕኖ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ካብ ሞት ምእንቲ ከድሕኖ ዝጸለየ – ብሞቱ ካብ ሞት ብምትንሳእ ነቶም ብዘሎ ዘመንና ኣርዑት ባርነት ሞት ኣሲሩና ዝነበረ ንኸድሕን፣ ተልእኾ ምድሓንና ክፍጽም ተኣዘዘ። የሱስ ጸሎቱን ልመንኡን ዝተሰምዐ፡ ንእግዚኣብሄር ብምፍርሁን ምእዛዙን እዩ። ንኣምላኽ ብምእዛዙ ካብ ሞት ኣድሓኖ። ሞት ስዒሩ ተዓዊቱ። ብስሙ ንዝኣምኑ ኩሎም ድማ ምድሓን ኣሎ። ሓድሽ ህይወትን ናይ ዘልኣለም ህይወት ብክብሪ እግዚኣብሄር ዝተመልአ፡ ጸጋ ኣምላኽ ዝተመልአን ውልድነት ዘለዎ ምድሓን ኣሎ።

የሱስ ጸሎቱን ልመንኡን ዝተሰምዐ፡ ንእግዚኣብሄር ብምፍርሁን ምእዛዙን እዩ።

ስለዚ፡ ናይ ኩሉ ዓለም ምድሓን ብምእዛዝ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝመጸ እዩ። ናይ ወንጌል ተስፋ ዕዉት ዝኾነ በቲ ክርስቶስ  የሱስ ኣብ መስቀል ተኣዚዙ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ሒዙ ንክስቀል ንክሕምሸሽ ዝፈጸሞ ናይ ምእዛዝ ጸሎት ጌተሰማኔን መልሲ እግዚኣብሄር ኣቦን ኣብ ጌተሰማኔ እዩ። ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። . . . (ሉቃ 22፡44)፣ . . . ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ (እብ 5፡7)” እዩ።

እምበኣር ሕጂ ብጭብጢ ርኢናዮ ዘሎና፣ የሱስ ኣብ ጌተሰማኔ ኮይኑ ክጽልይ እንከሎ፣ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ መስቀል እቲ እንኮ መገዲ ምድሓን ደቂ ሰባት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ገሊጹ፣ እቲ እንኮ ኣማራጺ ንሞት፡ ንሓጢኣትን ንሰይጣንን ዝስዓርሉ ምዃኑ እዩ። እቲ ገንሸል ፋሲካ ክርስቶስ ብመከርኡን ስቃዩን ንሕና ድሒንና። ንሱ ድማ

“. . . ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ።ኢሳ 53፡10-11

ብርግጽ በዚ ምኽንያት እዩ እብ 12፡2 ከምዚ ዝብለና፣ ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። እቲ ክፍጽሞ ኢሉ ዝመጸ ናይ መስቀል ዕዮ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ብርሃን ሓጐስ፡ በርሃሉ፡ ዘመናት ምሉእ ዝድሕኑ ናብ መንግስቱ ዝኣትዉ ክርኢ ገይርዎ። ነቲ ጽዋእ ንክወስዶ ድማ ብቑዕ ኮነ። ኣብ ጌተሰማኔ ደም ዝረሃጾ፡ ናብ መስቀል ንምእዛዝ ዝኸፈሎ ናይ ምድሓንና ዋጋ እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.