ድሕሪ ሞትሲ . . .

ህይወት ሰብ ኩሉ ከም ዕንባብ ዝበርስን ዝቕምስልን እዩ፡ ሓጺር ዕድመ ኩሉ ድማ ሓላፊ እዩ – ንብረት፡ ገንዘብ፡ መኪና፡ ገዛ፡ ውሉድ፡ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ . . . ኮታ ኩሉ ነገር ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ፡፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ከምዚ ይብለና፡ «ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንበባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሀድም፡ ኣይነብርን ድማ። . . . ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ? ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ዘመን ሰልፈይ ኲሉ ምተጸቤኹ።» እዮ 14፤1-2,14። መብዛሕትና ከም እዮብ ነዚ ሓሳብ ንሓስቦ ኢና ኢለ ይሓስብ፡ ወይ ድማ ነዚ ሕቶ ኣስተንቲንናን ተዋጢርናን ኢና ኣሎና። ድሕሪ ምሟትና እንታይ ንኸውን፤ ኣኺሉና ምንባር ወይ ምህላው ነቋርጽ ማለት ድዩ፧ ኩሉ ሰብ ናበይ ይኸይድ፧ ናብ ሓደ ቦታ ወይስ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ‘ዩ ዝኸይድ፧

ድሕሪ ሞት፡ ህይወት ጥራይ ዘይኮንስ ዘልኣለማዊ ህይወት ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ፡ «ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡» 1ቈረ 2፡9። ኢየሱስ ክርስቶስ – ስጋ ለቢሱ፡ ነዚ ዘልኣለማዊ እግዚኣብሄር ክህበና ዘዳለዎ ህይወት ንክምጥወልና እዩ ናብዛ ዓለም ዝመጸ። «ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።» ኢሳ 53፡5። የሱስ ነቲ ንዓና ዝግብኣና መቕጻዕቲ ወሲዱ ነታ ህይወቱ ከይተረፈ ኣሕሊፉ ሃበና። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ከኣ ብመንፈስን ብስጋን ካብ መቓብር ተንሲኡ ኣብ ልዕሊ ሞት ተዓዊቱ ንሞት ስዒሩ ተንስአ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ንኣርባዓ መዓልታት ኣብ ምድሪ ድሕሪ ምምልላሱ ድማ ኣሽሓት እናረኣይዎ ናብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ዘልኣለማዊት ቤቱ ዓረገ።

ኣብ ሮሜ 4፡25 ከምዚ ይብለና፡ «ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።» ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ዓወት ክርስትያናት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት፡ ሞት፡ ሰይጣንን ናይ ዓለም ኩሉ ክፍኣትን እዩ። ድሮ እዃ ብዙሕ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ጽሒፎምን ይጽሕፉ ኣለዉን። ከምኡ ድማ ብዙሓት ብርትዓውነትን ሓቕነትን ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ማለት ብኣዒንቶም ስለ ዘይረኣይዎ፡ ንብዙሓት ካብቶም ብኣዒንቶም ዝረኣዩ መሰኻኽር ክሓቱ ይፍትኑ ነይሮም እዮም። ግናኸ እዚ ሓቒ እዚ ብኩሉ ርግጹን ቅቡልን እዩ እሞ፡ ዋላ እዃ ብዙሓት እንተተጠራጠቱ ነቲ ሓቅነት ክብድሆ ኮነ ከዋድቖ ዝኽእል ምንም ሓይሊ የለን፡፡ ትንሳኤ ክርስቶስ እምነኩርናዕ ክርስትና እዩ ከመይሲ ክርስቶስ ካብ ምውታን ተንሲኡ እዩ እሞ ንሕና ከም እንትንስእ ስለ እንኣምን እዩ።  ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡ «ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና።» 1ቈረ 15፡12-15። ክርስቶስ መጀመርያ ናይቶም ዝትንስኡ እዩ። ሞት ስጋ ብሓደ ሰብ ንሱ ኸኣ ኣዳም መጸ። ነቶም ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ውሉድ ኣምላኽ ዝኾኑ ግና ሓድሽ ህይወት ይውሃቦም እዩ – 1ቈረ 15፡20-22። ከምቲ ኣምላኽ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ የሱስ ክምለስ እንከሎ ክንትስእ ኢና 1ቈረ 6፡14።

ኩሉ ሰብ ክትንስእ እኳ እንተኾነ ኩሉ ሰብ ግና ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣይኣቱን እዩ። ሰብ ንዘልኣለም ናበይ ከም ዝኸይድ ግን ሕጂ ክመርጽ ይኽእል እዩ። ሰብ ሓንሳእ ይመውት፡ ብድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተዳልይሉ ኣሎ – እብ 9፡27 «ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ . . .» ይነግረና። እቶም ዝጸደቑ ህይወት ዘልኣለም ክረኽቡ እንከለው እቶም ዘይኣመንቲ ናብ መቕጻዕቲ ዘልኣለም ወይ ሲኦል ክወርዱ እዮም – ማቴ 25፡46 «እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።» ሲኦል – ሓደ ዘልኣለማዊ ቦታ እዩ። እቶም ዘይኣመኑን ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ዘይፈለጡን ዘይተቐበሉን፡ – ንዘልኣለም ቁጥዓ እግዚኣብሄር ዝወርዶም ቦታ ማለት ሲኦል ክኸዱ እዩም። ኣየፍርህን’ዶ ኣሕዋተይ፧ ኣየሰንብድን’ዶ’ኸ፧ ብሕንከት፡ ውርደትን ጣዕሳን ከኣ ብኣእምሮ፡ ብስምዒትን ብስጋን ክሳቐዩ እዮም፡ ንዘልኣለም!! ልኽዕ ነዛ ጽሕፍቲ ኣብ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ኣዋን ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለሰኒ ሓሳብ ኩሎም ኣብዛ ምድሪ ዝፈልጦም ሰባት፡ ኣሕዋተይ፡ ስድራ-ቤተይ፡ ኣዝማደይ፡ ፈተውተይ፡ ደቂ-ገዛውተይ፡ መማህርተይ፡ መሳርሕተይ፡ ኮታ ኩሎም ንጐይታ ዘይፈልጡ ሰባት . . .

መጽሓፍ ቅዱስ ንሲኦል ክገልጾ እንከሎ – ከም ዕምቆቱ ዘይውዳእ ጉድጓድ (ሉቃ 8፡31, ራእ 9፡1)፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝሳቐይሉ ብዲን ዝነድድ ቀላይ ሓዊ (ራእ 20፡10) ምዃኑ ይነግረና። እሞ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ’ዶ፧ ኣብ ሲኦል መሪር ጓህን ሕርቃንን ስለ ዘሎ ኸኣ ምብካይን ምሕራቃም ኣስናንን (ማቴ 13፡42)፡ እቲ ሓዊ ብፍጹም ኣይጠፍእን እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሰኻ ድማ ኣይመውትን (ማርቆስ 9፡48)። ኣምላኽ ብሞት ረሲኣን ኣይሕጎስን እዩ፡ ካብቲ ክፉእ መንገዶም ተመሊሶም ህይወት ክረኽቡ ይፈቱ ኣሎ (ህዝ 33፡11)። ይኹን ፈጺሙ ኣየገድደናን እዩ።

ናይዛ ዘሎናያ ዓለም ህይወት፡ ፈተናን መዳለውን ናይቲ ዝመጽእን እዩ፡ ነቶም ዝኣምኑ ምስ ኣምላኽ ንዘልኣለም ንክነብሩ ይፍተኑን ይዳለውን ኣለዉ። ብጽድቒ – ነቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ብኸመይ ንረኽቦ ምሕሳብ ድማ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ እንኮ ሓደ መንገዲ ናብዚ መብጺሒ ድማ ሓደ ንሱ ጥራይ እዩ። ኣብ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ብምውካልን ጥራይ፡ ብእኡ ትንሳኤን ህይወትን ኣሎ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እዃ ብህይወት ክነብር እዩ፡፡ ነፍሲ-ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብወዲ ኣምላኽ ዝኣምን ከኣ ንዘልኣለም ኣይክመውትን እዩ፡ ዮሃ 11፡25-26። ውህበት ዘልኣለማዊ ህይወት ንኹሉ እዩ፡ ግናኸ ርእስና ንኣምላኽ ብምውፋይ፡ ኣብ ዓለም እንፈትዎ ተድላታት ብምሕዳግ፡ ብወዲ ኣምላኽ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ። እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቁጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነድድ እምበር ንህይወት ኣይክርእያን እዩ (ዮሃ 3፡36)።

ድሕሪ ምሟትና ንንስሓ ዕድል የብልናን ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ቀረብና ክንኣምኖ ጥራይ እምበር ካልእ ምኽንያት ክህልወና ኣይክእልን እዩ። ብእምነትን ብፍቕርን ሕጂ ናብኡ ክንመጽእ ይደልየና ኣሎ። ንሞት የሱስ ክርስቶስ ከም ክፍሊት ዕዳ ሓጢኣትና ምስ እንቕበሎ ኣብ ምድሪ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ክርስቶስ ዘልኣለማዊ ህይወት ይህልወና።

እምበኣር ነፍሲ-ወከፍና ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒና ዝተቀበልና፡ ነዚ ጥዑም ዜናን መምለጢ ካብ ሲኦልን ዝኾነ ምሕረት ኣምላኽን ምኽፋል ዕዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰባት ንክሰምዑ ንክነግሮም ሓላፍነት ኣሎና። ንሰባት ካብ ሲኦል ነምልጦም!! ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒና ዘይተቀበልና ድማ ንወስን ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕባሉን ንምእማኑንን ንወስን!!

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. YONAS

    Amennn Senay Hawey goyta abzihu ybarka ??????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????

Comments are closed.