ዝበለጸ መንገዲ ሓድነት

ነፍሲ ወከፍ ፉጡር ወዲ ኣዳም ኣብዛ ምድሪ ክመላለሰሉ ዘለዎ መንገዲ እሞ ድማ ከመይ ጌሩ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዝሕግዝዎ ሕግን ስርዓትን ኣለዎ። ንኣብነት ነፍሲ ወከፍ ዓብይ ይኹን ንእሽቶይ ሃብታም ይኹን ድኻ ጥዑይ ይኹን ሕሙም ሕጊ ትራፊክ እንተ ጢሒሱ ተሓታቲ ዀይኑ ግዳይ ናይ መቕጻዕትን ሓደጋን ይኸውን። ኣብ ስርዓትን ሕግን ምጥሓስ ኣሸላሻል ወይ ምድንጋጽ ዝብሃል የለን። ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ተዀነ እውን ከምኡ እዩ። ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ክንመላለሰሉ ዘሎና መስመር ሕንጻጽ እንታይ ምኻኑ ገሊጹልና ኣሎ። በቲ ዝሓንጸጾ ሕንጹጽ መንገዲ ኣብቲ ብኡኡ ከመላልስ ዘኽእል ጸግኡ ተደጊፍና ምስ እንመላለስ ዝበለጸ በረኸትን ፍረን ክንዓጽድ ንኽእል እንተ ዘይኰይኑ ግና ብኣንጻሩ መርገምን ፍርድም ይኸውን ዕጫና።

ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ብኸምይ መንግድን ኣገባብን ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ብንጹር ዝገልጹ መምሪሒታት ተጠቒሶምልና ኣለዉ። ኣብዚ ዘመን እዚ እቲ ካብ ማንም ንላዕሊ ዓቢ ነውጽን መጥቃዕትን ዝወርዶ ዘሎ ሓዳር እዩ። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ብፍትሕ ዝውዳእ መርዓ ብቑጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደን እናዓበየን ይኸይድ ኣሎ። ኣምላኽ ዝፍንፍኖን ዝጽየፎን ነገር እንተ ሃልዩ ድማ ፍትሕ እዩ ነዚ እዩ ቓል ኣምላኽ ኣብ ሚልክያስ ክዛረብ ከሎ “ሓደዶ ኣይኮነን ነዚ ዝገበረ፡ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓድሽ ስለምንታይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፡ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልው፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸአ ሓደ እኳ ኣይጥለም። ምፍታሕን ንኽዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልው፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

ምብትታን ሓዳር ክንዮ ስድራ ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ሃገር ዓቢ ውድቀትን ሕንፍሽፍሽን ዘምጽእ መንፈሳውን ስጋውን መርገም ዝሰዕብ ሕማቕ መንፈስ እዩ። ብፍላይ ሰይጣን ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ባይታ ከይረክብ ኣብ ኣምላኽ ብምዃን ክንቃወሞ ይግባእ። ንቤትና ኣምላኽ ባኦሉ ክሃጻ መታን ማዕጾ ገዛና ንዕኡ ንበይኑ ኩፉት ክንገብሮ ይግብኣና። ከመይሲ “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሃነጻ ሃንጽቲ ንኸንቱ ስለ ዝጽዕሩ” ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ክኸብር ይደሊ ሰይጣን ድማ ብኣንጻሩ ኣብ ውሽጢ ስድራ ክጉይትት ይጋደል ኩሉ ግዜ ቓልሲ እዩ እቲ ዓወት ግና ነቶም ክብሪ ሓዳር ተረዲኢዎም ምስ ኣምላኽ ዝግኑ ኩሉሳዕ ምሉእ እዩ። ሎሚ ኣብዚ መወዳእታ ዘመን ንብድሆታት ሓዳር ሰጊርና ክንከይድ ኣምላኽ ጸግኡ ከብዝሓልና ኣብ ቅድሚኡ ትሕት ንብል። እምብኣር ቐጺልና ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ክንስዕቦም ዝግብኡና መምሪሒታት ክንርኢ።

1. ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘየሰምስምማዕ ዘኳሪ ከጋጥም ንቡር ነገር እዩ። ሰብ ሓዳር ሰባት እምበር መልኣኽቲ ኣይኰኑን። ኣብ ውሽጢ ሓዳር እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣጋጣሚታት ንፍቕሪ ከደልድልን ከዛይድን ዝመጽእ ነገር ስለ ዝዀነ ግሩም ዝዀነ ኣተሓሕዛን ኣብ ልዕሊ ዘይምስምማዕ ዘሎና ኣጠማምታ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ከም ዘይንኸይድ ርዱእ ነገር እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍጠር ዝዀነ ዓይነት ግርጭታት ተሓታቲ ሓደ ወገን ዘይኰነስ ክልቲኣቶም ምኻኖም ብዝግባእ ክርድእዎን ክግንዘቦን የድሊ። ኣብ ሓዳር እቲ ዝኸፈኣ ግርጭታት ምፍጣሮም ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ግርጭታት ምትሕምማይ ክጅመር ከሎ እዩ። ምሕማይ ብኽልተ ወገን እዩ ዝካየድ እቲ ሓደ ምስ ገዛእ ርእስኻ ኰንካ ንብጻይካ/ብጸይትኻ ክትሓሚ ከሎኻ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልእይ ድማ ካብ ቤትካ ወጻኢ ምስቶም መቕርበይ እትብሎም ኰንካ ክትገብሮ ከሎኻ እዩ። እዚ ንሓዳር ኣብቲ ዝተፈጥረ ጸገም ተወሳኺ ሓዊ ክኣጉድ እንተ ዘይኰይኑ ዘምጽ ፋይዳ የብሉን።

ሕሜት ከምቲ ናብ ውሽጢ ዝኣቱ ጥዑም ኩላሶ ስለ ዝኰነ ንግዚኡ ባህታ ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ ጉድኣቱ ግና ብፍላይ ኣባኻ ዓቢ እዩ። እቲ ዘገርም እቶም ብዛዕባ ሓዳርካ ዘተሓምዩኻ ኩሎም ደገፍትኻ ዘይኰኑስ ምሳኻ ሓቢሮም ንሓዳርካ ዘፍርሱ እዮም። ኩቡራት እሕዋት ኣብ መንጐ ምምዓድን ምሕማይን ዘሎ ፍልሊ ኣጸቢቕና ክንርዳእ ይግብኣና እዩ። ንብጻይካ ምስካልእ ምሕማይ ማለት ድማ ብዛዕባ ጉድለት ገዛእ ርእስኻ ምዝራብ ማለት እዩ። ብዛዕባ ሓደ ኣካል ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ።  ድኹም ሰብ ጥራይ እዩ ንብጻዩ ኣብ ደገ ዝሓምዮ. ምስትውዓሉ ዝተደፈ ጥራይ እዩ ንብጻዩ የሕሊፉ ዝህቦ። ኣካል ሓድሕድ ኢኹም እሞ ኣይትተሓማመዩ እዩ ዝብል ቃል ኣምላኽ። ምሕማይ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ውሽጢ ቤትካ ክዕንድሩ ምፍቃድ እዩ። ንኣካልካ ምሕማይ ሓላፍነትካ ንኻልኦት የሕሊፍካ ምሃብ እዩ። ድኻም ብጻይና ዘይንጸወር ዕሽነት መጻምድትና ድማ ዘይንኽዉል እንተ ዀይና ኣርዑት ንምስካም ቡቑዓት ከም ዘይምኻና እዩ ዘረጋግጽ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ መጻምድትኻ ክሕመ ከሎ ኣብ ክንዲ ብጻይካ ደው ክትብል እዩ ዝግባእ። ገለ ገለ ሰብ ሓዳር መጻምድቶም ክሕመ ደስ ዝብሎም ኣለዉ እዚ ግና ንሶም ይውቀሱ ከም ዘለዉ ስለ ዘየስተውዓሉ ጥራይ እዩ። ብመጠን ዝፈረድናዮ ከም ዝፍረደና ኣይንረስዕ። “እምብኣርሲ ንዂሉ ኽፍኣትን ኲሉ ጒርሕን ግብዝናን ቅንእን ኲሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ”

2. ንሓድሕድኩም ኣይትተሓባብኡ

ካብ እንምርዖ ትብል ሓንቲ ሓፍቲ ደሞዝ ሰብኣይ ክንደይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ ትብል። ዘሕዝን እዩ። ንሓዳር ሓዳር ዘብል ሓዳ ኣካል ምኻንካ እዩ። ሓደ ኣካል ማለት ድማ ከይተወሰኾ ከይተነከዮ ሓደ ማለት እዩ። ካብ ኣካሉ ዝሕባእ ፍጡር ድማ የሎን። ሰብ ካብ ኣካሉ ዝተሓብኣ እንተ መሰሎ ድማ ንገዛእ ርእሱ እናጠበረን እናታአለን ይመላለስ ኣሎ ማለት እዩ። ሰብ ሓዳር ድማ ንሓድሕዶም እናተሓባብኡን እናተሸፋፈኑን ዝመላለሱ እንተ ዀይኖም ንገዛእ ርእሶም እናጠበሩን እናታለሉን ይመላለሱ ኣለዉ ማለት እዩ። ኣዳምን ሂዋንን ድሕሪ ኣብ ሓጥያት ምእታዎም እዮም ክሸፋፈኑ ዝጀመሩ። ሎሚ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ክተሓባብኡ ዘይግሉጻት ኰይኖም ክመላለሱ እንተ ጀሚሮም ሓጥያት ኣብ ማከሎም ነጊሱን ስፍራ ሒዙ ከም ዘሎ ምልክት እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ግሉጽ ዘይምኻኑ ንኣምላኽ ሕብኡ ምኻኑ እዩ ዝነግር ዘሎ ሰበይቲ ድማ ከምኡ። ከነስተውዕሎ ዘሎና ሓደ ሓቂ ኣሎ፣ ኣብቲ ሓጥያት ዘለዎ ኣብኡ ሞትን መርገምን እዩ ዘሎ ስለዚ ስለምንታይ ንኺዳና ብኽፍኣት ንኸድኖ ኣሎና። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ክሕብኡ ምፍታኖም ዕሽነት ዶ ኣይኰነን? ንስኻ ወይ ንስኺ ካብ ብጻይኪ/ካ ምሕባእኩም ድማ ዕሽነት ዶ ኣይኰነን። ብፍላይ ኣመንቲ ንሰብ ሓዳርና ጥራይ ዘይኰነስ ንካልኦት ከይተረፈ እኳ ጉሉጻት ደብዳቤ ኢና። ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ግሉጽነት እንተ ዘየሎ ነቲ ኣምላኽ ሓደ ኣካል እዩ ኢሉ ዝፈጠሮ ናይ ሓዳር ስርዓት ምጽራር እዩ። ንስርዓት ኣምላኽ  ምቅዋም ማለት ድማ ብገዛእ ኣእዳውካ ኣብ ገዛእ ህይወትካን ወለዶኻን ፍርዲ ምእካብ ማለት እዩ።

ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕድም ቁሉዓት ደብዳበ ክዀኑ ይግባእ። እዚ መንፈስ ዘማዕበሉ ስድራ ኣብ ዉሉዶም ዝሓድግዎ በረኸት ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ዝዓበናዮ ኣተዓባብያ ሕብእብእ ዝሰፈኖ ስለ ዝዀነ ዶ ኣይኰነን ኣብ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ንርከብ ዘሎና? ንውሉድና እንሕልፍ በረኸት ሃብትን ንብረትን ጥራይ ዘይኰነ ግልጽነት ከኣ ዝበለጸ እንውርሶ ውርሻ ምዃኑ እይንረስዕ።  ሓለፋ መጻምድትና እንኣምኖ ሰብ ክህሉ የብሉን ሰብይተይ ከይትፈልጦ ሰብኣየይ ከይፈልጠኒ ዝብሃል ነገር ክህሉ የብሉን። ሓደ ኣካል ኰንካ ክልተ ኣይክወንን እዩ። ሓድነትና ዝረጋገጽ ብምትእምማና ምዃኑ ኣይንጸንግዕ መሰረት ዘይብሉ ቤትን ምትእምማን ዝጠፍኦ ሓዳርን ሓደ እዩ። ሎሚ ነናቶም ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ብዙሓት እዮም። ሎሚ ሓልፋ መጻምድቶም ዓርከይ ዝብልዎም ሰባት ዝውንኑ ሒደት ኣይኰኑን ኣምላኽ ካብዚ ክምዚ ይሰውረና።“ኣዳምን ሄዋንን ከኣ ጥራዮም ነበሩ ኣይሓንኩን ድማ ነበሩ”

3. ንሓድሕድኩም ኣይትተዓማመጹ

ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓመጽን ዓማጽን ወትሩ ይፈርድ እዩ ከመይሲ ንሱ ጻድቕ ፈራዲ ስለ ዝዀነ። ዓመጽ ማለት ኣብ ገዛእ ርእስካ ጥራይ ብምትካር ንገዛእ ርእስኻ ክጥዕመካ እተካይዶ መስርዕ እዩ። ኣብ ሓዳር ድማ ድሌትካ እምበር ድሌት መጻምድትኻ ብዘየገድስ ትጽዕር እንተ ዀንካ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓመጽ እዩ። ሓለፋ መጻምድትኻ እትደልዮ ኩሉ ብዘየገድስ ይዕበ ይንኣስ ዓመጽ እዩ። ርእሰይ ይጥዓመንን ዓመጽን ማይንጸባን ኢድን ጋንትን እየን። ሎሚ ብቐጥታ ኰነ ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣካል ናይ ሓደር ዝግበር ምጉዕጻጽ ዓመጽ ሳዕቤኑ ሓደገኛ እዩ። ኣምላኽ ንዓመጽ እምብዛ እዩ ዝፍንፍኖ ነቲ ንሱ ዝፍንፍኖ ድማ ክንፍንፍኖ ይግባኣና። ቃል ኣምላኽ ኣብ ፍሊጲ ክነግረና ከሎ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። ኢሉ እዩ ዝነግረና። ፍቕሪ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር እያ። ከምቲ ንስኻ ትደልዮ ብጻይካ ከምዝደሊ ምፍላጥ ኣዚዩ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ንብጻይካ ዘድልዮ ዘይምሃብ ምስ ዓመጽ እዩ ዝቑጸር። ሓዳር ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እትሓሶቦ ወይ እትነብሮ ናብራ ዘይኰነ ንብጻይካ እትነብሮ ናብራ እዩ። ካብቲ ቐንዲ ጠንቂ ፍትሕ እንታይ እዩ እንድሕር ኢልና ብሰንኪ ኣብ ሓድሕድ ዝረኣ ምትዕምማጽ እዩ። ዓመጽቲ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣትውዋ ቓል ኣምላኽ ይነግርና። ዓመጽ ብኻልእ ኣገላልጻ ልዕሊ እቲ ዝግባኣካ ምድላይ ማለት እዩ። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ሓለፋ ዝሓቱ ዘይተገብረለይ ብምባል ድማ ከም ኣንበሳ ዝሻድኑ ሒደት ኣይኰኑን ሎሚ ንሕና እዚ መንፈስ ከየተፈለጠና ከይወርስና ንጠንቐቕ። ቓል ኣምላኽ ዝግብኣካ ክትወስድ ዘይኰነስ ዝግባኣካ ክትሓድግ እኳ ይእዝዝ እዩ። ሎሚ ንመጻምድትና ብምንታይ ኰን ዓሚጽናዮ ንህሉ?  ዓመጽ ክንብል እንከሎና ብዓቢ ነገር ጥራይ ኣይንርኣዮ ብንእሽቶይ ነገር ከም ዝጅምር ነስተውዕል።

4. ንሓድሕድሕድኩም ኣይትኰራረዩ

ኩራ መግለጺ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ተመራመርቲ ጥራይ ዘይኰኑስ እቲ ሓለፋ ተመራርመርቲ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ከይተረፈ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ነዚ እዩ ኣብኤፌሶን 426-27 ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዂራኩም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ። እቲ ጸገም ኣብ ምኹራይ ኣይኰንነ ዘሎ ክንዮ ሙኹራይ ሓሊፉ ኣብ ቕርሕንትን ባእስን ቂምታን ምስ ዝኸይድ እዩ። ጠንቂ ምብትታን ብዙሕ ሓዳር ድማ እዚ እዩ። ስለዚ ቤተሰብ ቐልጢፎም መታን ናብ ንቡር ክምለሱ ዝምለስ ልቢ ክህልዎም ይግባእ። ዘማራይ ዳዊት ኣብቲ ራብዓይ ምዕራፍ ክዝምር እንከሎ “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። ኩራና ናብ ምንጽርጻርን ናብ ዓቢ ኣበሳ ከብጽሓና የብሉን፣ ልቢ ህጻን ሒዝና ክንመላለስ ይግባኣና ማለት ንኣበሳን ንቒምታ ዝርስዕ ልቢ ይሃልውና።

ኣብ ሓዳር ምጽብጻብ እንተ በዚሑ እቲ ጋግ ብኡ መጠን እዩ እናዓበየን እናገፍሐን ዝኸይድ። ምሕረት እንገብር ምሕረት ስለ ዝተገብረልና እምበር ምሕረት ክንገብር ቡቑዓት ሰለ ዝዀና ኣይኰነን። ከምቲ ናይ ሰማይ ኣቦኹም መሓርቲ ዝዀነ ንስኻትኩም ድማ መሓርቲ ኩኑ ተባሂልና ኣሎና እሞ ኣምላኽ ናይ ምሕረት ደንጋጺ ልቢ ክህበና ንለምኖ።  ነቲ እኩይ ብእኩይ ምስዓር ናይ ዱኹማት እዩ ነቲ እኩይ ብሰናይ ምስዓር ግና ኣካያዳ ብርቱዓት እዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተመዚና ሚዛና ዋጋ ክህሎ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባና ክገዝእ ኣምላኽ ይደግፈና። እቲ ኩፉእ ነገር ኩራ ምስ ዓበየ ስሩ ናብ ዉሉድ ከይተረፈ ስለ ዝልሕም እዩ ኣብ ውሽጢ ቤት ድማ ዘይምቕሳን ኣስፊኑ ሰላም ስድራና ይብትን። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

5. ንሓድሕድኩም ኣይትከላልኡ

ኣብ ሓዳር ንጾታዊ ርክብ ከም ጅሆ ምሓዝ ሰይጣን ዝጥቀመሉ መሳርሒ እዩ ናብ ዕንወትን ውድቀትን ዘምርሕ ነገር ድማ እዩ። ኣምላኽ ነዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጥራይ ሰብ ክሕጐሰሉን ክፈርየሉን ዝሃቦ ነገር ንናይ ብጻይካ ባህጊ ንምጽራር ምስ ትጥቀመሉ ዘምጾ ፍረ መርገም እዩ። ብዙሓት ሰባት በዚ ጉዳይ ዝተላዕለ ኣብ ፍትሕ ዝበጽሑ ሒደት ኣይኮኑን። እዚ ዓይነት መንፈስ ኣብ ሓዳር ክዓቢ ከሎ ንመጻምድትካ ንዘይተደልየ ፈተና ምቕላዕ ማለት እዩ።  ገለ ገለ ሰባት ሕሉፍ መንፈሳውነት ዘለዎም መሲልዎም ንነዚ ጉዳይ እዚ ዘይትርጉሙ ብምሃብ  ንመጻምድቶም ዝብድሉ ኣለዉ።  ጾታዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ብናጽነት ክትጥቀመሉ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ መሰል እዩ። ንጸታዊ ርክብ ብናጽነት ኣብ ውሽጢ ሓዳርካ ዘይምጥቃም እዩ ሓጥያት ስለዚ በዚ ጉዳይ እዚ ዝመጸ ሓዳርና ከይህሰ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግባኣና።

ድሌት ብጻይና ብዝግባእ ከነትኣናግድ ጥበበኛታት ክንከውን ይግባኣና። ኣብዚ  ህያብ ኣምላኽ ዝዀነ ነገር ዓመጽን ምትላልን ከይንጥቀም ንጠንቐቕ።ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።” ንሰይጣን ደገ ክንከፍተሉን ክንዓጽወሉን እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድና ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። “ይሲ ኻብ ዔላኻ ደአ፡ ካብቲ ዝፍልፍል ምንጭኻ ደአ ስተ።ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ።ምንጭኻ ይባረኽ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። 19- ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቑ ትኹነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ኹሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ። ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እማትካስ እትሐቁፍ፡ ነዚ ቓል ኣምላኻዊ ሓቂ እንተ ስዒብና ሓዳርናን ንሕናን ብህይወት ክነብር ኢና።

ኣስተምህሮና ንምጥቕላል ሓድነትና ከም ዓረ ድልዱል ኣምላኽ ዝኸብረሉ ንሕና ንሕጐሰሉ ሰባት ድማ ኣርኣያ ናትና ዝሕዝሉ ክኸውን ንሓድሕድና ኣይንተሓማመ ንሕሜት ኘው ንበሎ ንሓድሕድና ኣይንተዓማመጽ ንዓመጽ ካብ ቤትና ንእለዮ። ንሓድህድና ኣይንተሓባባእ ልብና ጋህ ዝበለ ይኹን። ንሓድሕድና ኣይንኰራረ ቂምታ ከይገዝኣና ንኹራ ነርሕቆ ንሓድሕድና ኣይንከላላእ እቲ ኣምላኽ ክንሕጐሰሉ ኢሉ ዝሃበና ብጥበብን ምስትውዓልን ንጠቀመሉ። ኣምላኽ ይባርኽኩም!!!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    ብሩኽ ኢኻ ዘርኢሰናይ ሓወይ

Leave a Reply