ዕሽነት ምስባኽ

ኣብ ዓለም ሰብ ምስ ዝተፈላለየ ውህበት ኣምላኽ እዩ ዝፍጠር። ኩሉ ካብቲ ወሃቢ ኩሉ ዝኮነ ኣምላኽ፣ ነቲ ውህበት ብኸምቲ ዝደለዮ ገይሩ፣ ባዕሉ ይህቦ። ልክዕ ከምዚ ውህበት ድማ ቆልዑ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ዝህልዎም ፍሉይ ክእለታት ኣለዎም። ገለ ገጠምቲ፣ ገለ ሰኣልቲ፣ ገለ ኣትለታት፣ ገለ ተጻወትቲ ኩዕሶ፣ ወዘተ። ካብዚ ዘይፍለ ድማ ጥበበኛታት፣ ጎራሓት’ውን ኣለዉ። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ዘይርስዖ፣ ብጭቃ እንዳ ኣቖምጣዕና ኣብ እንግብሮ ዝነበርና ጸወታታት፣ ሓደ ሓደ መሳቱና ኣዝዩ ዝተፈልየ ክእለት ነይሩዎም። ብጥበብ ሓለፍ ይብሉና ከም ዝነበሩ ድማ ይዝክር። እዚ ድማ፣ በዚ ናይ ሎሚ ዓለምና መምዘኒ ብልሒ ወይ (IQ) ተባሃሉ ዝጽዋዕ ዘሎ፣ ከነተሓሕዞ ንኽእል። ይኹን እምበር እዚ እውን ጥበብ እግዚኣብሄር እዩ። ብዘይካ እዚ ኣብ ዓለም፣ ሎሚ ሰብ ብሉጽ ኪበሃል እንተኾይኑ ዝበዝሐ መጠን (IQ) ክህልዎ ኣለዎ። ግና ጥበብ ዝበሃል ከመይ እዩ?! ብኸመይከ ይግለጽ?!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብጥበብ ኣዝዮም ብሉጻት ሰባት ኣለዉ። ካብኦም ሓለፍ ብዝበለ ድማ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን እዩ። ሕጂ ብዛዕባ ጥበብ ሰሎሞን ኣይኮንናን ክንዛረብ። ብዛዕባ ጥበብ ጠቢባን ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ ተባሂሉ ኣብ (1ቈረ 1፣18-19, ኢሳ 29፣14) ዘሎ ኢና ክንዛረብ። ኣብዛ ጥቕሲ ጽርኣውያን ጥበብ ይደልዩ ይብል? ንምዃኑ ስለምንታይ እዮም ጽርኣውያን ጥበብ ዝደልዩ? ኣብ ታሪኽ ቅሩብ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ርኢና፣ እዛ ጽርኢ እትበሃል ዘላ ሃገር፣ እዛ ሎሚ ግሪኽ ተባሂላ እትፍለጥ እያ። መግለጺ ጥበቦም ዝነበረ፣ ምቑጻር ከዋክብቲ (astronomy)፣ ፍልስፍና (philosophy)፣ ስፖርት፣ ከም ኣሎምፒክ፣ ቅርጻን ህንጻን ኣዝያ ፍልጥቲ ማእከል ጥበባት ከም ዝነበረት ታሪኽ ይነግረና። ጳውሎስ’ውን ካብዚ ከይተላዕለ ኣይተርፍን፣ ንሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፈሎም እንከሎ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ ይጎይይ ኣለኹ ኢሉዎም። ስለምንታይ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ድማ እዚ ሎሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣሎምፒክ፣ ብሓደ ፊዲፒደስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፣ ዓወት ውግእ ንኸበስር ብጉያ 42 ኪ.ሜ. ድሕሪ ምጉያይ ኣብ ርእሲ ከተማ ግሪኽ፣ ማለት ኣቴንስ ኣተወ እሞ፣ ካብኡ ንደሓር ከም ሓደ ዓለምለኻዊ ውድድር ኮነ። እምበኣር ጳውሎስ ወድድር ጉያ ይካየድ ብምንባሩ እዩ፣ ብዛዕባኡ ዝዛረብ ዘሎ። እዚ ግና ነቲ ሰማያዊ ምስሊ ብምድራዊ ነገር ገይሩ ኣዩ ዘረድኣና ዘሎ።

ብዘይካ እዚ፣ ግሪኽ ብብሉጽ ስነ-ህንጻ (architecture) ብፍሉይ ጥንታዊ ስነ ህንጻን ፍልስፍናን ፍልጥቲ እያ። ሎሚ እዞም ኣብ ዓለም ክንጠቕሶም እንኽእል ኩሎም ፍላስፋታት መበቆሎም ወይ መሰረቶም ካብ ግሪኽ እዩ። እኒ ሰቁራጦስ፣ ፕሎቶን ካልኦትንን ኣብቲ ንጉስ ሰሎሞን “መጀመርታ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ” ዝበለሉ ብኻልእ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ብምምጻእ ንስሕተትን ክሕደትን ዝኮነ ፍልስፍና ብምፍላቕ፣ “መጀመርታ ጥበብ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ እዩ” እንዳበሉ ክምህሩ ጀመሩ። ሽሕ’ኳ ግሪኽ ምንጻፍ ንመሰረታዊ ምዕባለ ዓለምና እንተኾነት ብኻልእ ወገን ድማ መሰረት ጥፍኣትን ማእከል ኩሎም ጣኦታትን መምለኽቶምን እያ። እዚ ገለ ብዛዕባ ጽርኣውያን እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣይሁዳውያን ከምኡ ናቶም ዝኾነ ድሕሪ ባይታ ኣለዎም። ብመሰረት 1ቈሮ 1፣18 ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ ይብል። ኣብ ማቴ 12፣38 ድማ “ካብኡ ትእምርቲ ክርእዩ ደልዮም” ብምባል፣ ኣይሁድ ፍሉይ ናይ ተኣምራት ድሌት ከምዘለዎም ይነግረና። ስለዚ ኣይሁድ ምልክታት ወይ ትእምርቲ እዮም ዝደልዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንምልከት ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ይኣምኑዎን ይስዕብዎን፣ ትእምርቲ እንተ ዘየለ ወይ ኢድ ኣምላኽ ኣብ ዘይርኣዩ ድማ ካብ ምእማን የቋርጹ ነይሮም። ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ደይቡ 40 መዓልቲ ምስ ገበረ፣ ደንጒይና ድሕሪ ምባል ናብ ጣኦት ምምላኽ ተመሊሶም። ባሕሪ ፈንጪሑ ከሳግሮም ዝርእዩ ተመሊሶም “ኣብ ምድረ በዳዶ ክንመውት ትደልየና?” በሉ። ማና እንዳ መገቦም፣ “ምብላዕ ማና ኣሰልቺዩና።” ኢሎም። ዓይኒ-ማይ ኣብ ከውሒ ኣንቲዑሎም ክነሱ “ግድና’ዶ የብልካን” ኢሎም። ኤርምያስ ኣብ ትንቢታቱ 23፣23 “ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ እየ፣” ናይ ቀረባ ጥራይ ገይረሞ፣ ናይ ኣኽራን ኣምላኽ ጥራይ ዲኻ ድማ ኢሎሞ። ምኽንያቱ ንኣይሁድ እንትርፎ ብምብራኽ ትእምርቲ ብኻልእ ኣይርድኦምን እዩ። ኣይሁድ ካብዚ ዝተላዕለ ብዘይካ ብትእምርቲ ብኻልእ ዘይርድኦም ካብ ምዃኑ፣ “መን እሞ ክህብ ሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትመጽእ” ኢሎሞ። ንሱ እዩ እቲ ቃናን ቋንቋን ኣይሁድ። ኣብ ዘመንና ኣይሁድ ንክርስቶስ ከይቅበልዎ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት፣ መሲሕ ብሓደ ፍሉይ ዝኾነ ትእምርቲ ክመጽእ እዮም ዝጽበዩ ነይሮም። ከምቲ ናቶም ቋንቋን ትጽቢትን ዘይኮነስ ብዘይ ተጸበይዎን ዘይደልይዎን መገዲ ብምምጽኡ፣ ሃንደበትን ዘይደልይዎን እዩ ኾይንዎም።

ኣብቲ መሰረታዊ ሓሳብና እንተርኢና፣ 1 ቈረ 1፣18-25 “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ ከፍርስ ኢሉ፣” ይብል። እዛ ሓሳብ ዋጋ ምድሓን ብክርስቶስ እያ እትዛረብ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ጥበብ ንጽርኢ ትእምርቲ ከኣ ንኣይሁድ እዩ። ይኹን እምበር ምምጻእ ክርስቶስ ብጥበብ ብትእምርቲን ኣይነበረን። እዚ ማለት ክርስቶስ ከምቲ ኣይሁድ ዝተጸበይዎ ብንግስነት ከምቲ ንጽርኢ ዝደለይዎ ድማ ብጥበብ ኣይነበረን። ኣይሁድ ንመሲሕ ብሓደ መገዲ ጥራይ ክመጽእ እዮሞ ዝጽበይዎ ነይሮም። መሲሕ ክውለደሎምን ዓለም ኩላ ድማ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ክትኣቱን ንኩሉ ዓለም ድማ ክቆጻጸሩን እዩ ነይሩ ድሌቶም። ስለዚ ድማ እዮም ሃዋርያት “መዓስ ዲኻ መንግስቲ ከተቅውም” ዝበሉ። ምኽንያቱ ገለ ቀዳማይ ሚኒስተር ገለ ድማ ካልእ ናይ ምዃን ድሌት ስለ ዝነበሮም ይኸውን። እምበር ኣብቲ ዉዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ክርስቶስ ንምድሓን ወይ ምብጃው ሓጢኣት ህዝቡን ኣህዛብን፣ ትንቢት ንምፍጻም፣ ንምፍራድ ዓለም፣ ንኩሉ ፍጥረት ብጽድቂን ንምግዛእ እዩ ዝተገልጸ። ኮይኑ ግን ኣይሁድ እዚ ኩሉ ስሒቶም፣ ንዓለም ከም ዝፈርድን ንጉስ ኮይኑ ከም ዝሽየምን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ ነይሮም። ክርስቶስ የሱስ ናብ ዓለም ምግላጹ፣ ነቲ ሓሳባት ኣይሁድን ጽርእን ባዶነት (nullify) እዩ ገይሩዎ። እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፣ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ ትንቢት ዘሎ “መን እሞ ክህብ ሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትመጽእ” ዝተባህለሉ፣ ሰማያት ከይጨንደሐ፣ ኣብ መብልዒ ማል፣ ንሊቃውንቲን ካህናትን ከየበሰረ ንጓሶት ደኣ ኣበሰረ። በዚ ድማ ሓይሊ ኣምላኽ ብድኻም፣ ማለት ኣብ ትሕት ዝበለን ሰብ ብዝነዓቆን ተገልጸ።

ብኻልእ ወገን ንጽርኣውያን ማለት ግሪኻውያን ኣብቲ ብፍልስፍና ጥበብ ካልእን ላዕሊ ዝበጽሑሉ ዘመን፣ ዘመን ኣለክሳንደር ዓቢ፣ ዳርጋ ርብዒ ዓለምና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም እያ ነይራ። ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ጳውሎስ ንጽርኣውያን ብፍላይ ንሰብ ቈረንቶስ ወንጌል ክሰብከሎም እንከሎ፣ ብቀዳምነት ብዛዕባ ጥበብ እዩ ተዛሪብዎም። ምኽንያቱ ንሳቶም ብጥበቦም ንዓለም ተቀጻጺሮማ ስለ ዝነበሩን ብሓይሊ ድማ ሓለፍ ስለ ዝበሉን እዩ። እምበኣር ጳውሎስ ዝብሎም ዘሎ ክርስቶስሲ ከምቲ ጠቢባን ፈላጣትን ዝተረዳኦምን ዝፈለጥዎን ከምኡ ገይሩ ኣይተገልጸን። የግዳስ ብጥበብ ዕሽነት ደኣ። ሰባት ንክርስቶስ ከም ሓደ ካብ ሰሎሞን ዝጠብብ ንጉስ እንዳተጸበይዎ፣ ንሱ ግና ንዓለም ዕሽነት ሒዙላ እዩ መጺኡ። ኣብዛ ብኽፍኣት እተመልአት ዓለም ሎሚ ሰብ ጥበበኛ እንተ ኮይኑ እውን፣ ዋላ ኣታሊሉ እዩ ተጣቢቡ ክድልብ ዝደሊ። ንኣብነት ንጉስ ሰሎሞን ነተን ክልተ ኣንስቲ ብሓደ ህጻን ተባኢሰን ዝመጻኦ፣ ብዓመጽ ተጠቢቡ እዩ ፈትሒ ኣውጺኡለን። ነቲ ቆልዓ ንሴፍ ኣሕሊፉ ብምሃብ እዩ፣ ጥበቡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝተጠቀመሉ። ምስያፍ ግና ዓመጽ ደኣ እምበር ፍትሒ ኣይኮነን። ክርስቶስ ግና ብኣዘራርባ ሰብ ‘ዓሻ ጥበብ’ ነይራቶ። ወይ ድማ ንዓይ ዘይትብል ጥበብ ኣምላኽ እዩ ሒዙ መጺኡ። ኣብ ማቴ 6 ምስ እንርኢ ካብ ክርስቶስ ሒዙዎ ዝመጸ ጥበብ መትልሕካ ንዝወቕዓካ እታ ካልአይቲ ሃቦ፣ ቀሚሽካ ንዝወሰደ ክዳንካውን ኣይትኽልኣዮ እዩ ኢሉ። ሎሚ ሰብ ዓሻ እንተዘይኮይኑ፣ ቀሚሹ እንዳ ወሰድካሉ ክዳኑ ኣይህብን እዩ። ጥበበኛ እንተ ተባህለ ድማ ንማቐላ (share) ደኣ ይብለካን፣ ነታ ቀምሽ ዝገበረ ገይሩ ምስኡ ከም እትተርፍ ይገብራን። እምበኣር ክርስቶስ ሒዝዋ ዝመጸ ‘ዓሻ ጥበብ’ እዚኣ እያ፣ ጥበበኛ እንተ ኰንካ ቀምሽካ ጥራይ ኣይትሃብ፣ ክዳኑውን ደኣ ሃብ። ኣይሁድሲ ካብዚ ዝተላዕለ ከይኮነ ኣይተርፍን “እዚስ ንምስማዑ እኳ ጭንቂ” ዝበልዎ።

ዓለም ንኣምላኽ ደልያ ኣይረኸበቶን፣ ብጥበባ ድማ ክትርድኦ ኣይከኣለትን። ስለዚ እግዚኣብሄር ገለ ነገር ኪገብር ነይሩዎ። እግዚኣብሄር ንምድሓን ሰባት እንዳ ደለየ ዓለም ድማ ብመገድታት ምርካብ ስኢናቶ። እግዚኣብሄር ሓደ ሓሳብ ኣምጺኡ፣ ንሰባት ክድሕንሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ ስብከት ዕሽነት ጥራይ ምዃኑ። እዚ ስብከት ዕሽነት ተባሂሉ ዘሎ ዓሻ ጥበብን ትእምርትን ኣምላኽ እዩ። ዓሻ ጥበብ፣ ጃኬትካ እንዳ ወሰደልካ ንዓ ዝሓወይ ካምቻይውን ተማላእ ትብል። ዓሻ ትእምርትን ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝጽበየካ ህዝቢ፣ ኣብ መብልዕ ማል ንዝርከቡ ጓሶት ኣለኹ ምባል እዩ። እሞኸ ደኣ ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ? ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ? መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣ ኣበይ ኣሎ? ኩሉ የለን! ምኽንያቱ ኩሎም እዚኣቶም ኣይረኽብዎን። ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ፣ ነዘን ጽሑፋት ለይትን መዓልትን ትመራምሩወን ኣለኹም። ንሳተን ግና ብዛዕባይ እየን ዝዛረባ ከም ዝበሎ ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ሓደ ሓሳብ ብምምጻእ ንምድሓን መገዲ ከፈተ። ንሱ ድማ ስብከት ዕሽነት፣ ማለት መስቀል እዩ። ስብከት ዕሽነት ማለት ላግጺ ዝመስል ግናኸ ናይ ምድሓን መገዲ እዩ። መስቀል ኣብ የሱስ ዝነበረሉ እዋን ኣይሁድ ጥራይ ዝቕጽዕሉ ዝነበሩ መገዲ እዩ። ዘራፊ ዓማጺ ጥራይ ድማ እዩ ዝቕጻዕ ዝነበረ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መስቀል ዝስቀል ርጉም ይኹን ከም ዝተባህለ። ርጉም ሰብ ጥራይ እዩ ኣብ መስቀል ዝስቀል። ስለዚ እግዚኣብሄር ዓሻ ብዝመስል ውሳኔ ንክርስቶስ ናብ መስቀል የሕሊፉ ሂቡዎ።

ስለምንታይ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ? ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ንምፍጻም ጥራይ እዩ። እዛ ስብከት ዕሽነት ኢልና እንጽውዓ ዘለና መስቀል ግና መፈጸምታ ምኽሪ እግዚኣብሄር እያ። ምኽንያቱ ነቲ ንደቂ ሰብ ምሉእ ዘመኖም ካብቲ ቀዳማይ ዕላማ ኣምላኽ ማለት ካብ ምስ ኣምላኽ ምሕባር ፈልዩ ዝነበረ ሓጢኣት ክስበረሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ መስቀል ጥራይ እዩ ነይሩ። መቸም ኣታሓሳስባና ካብቲ በዚ እንርእዮን እንሰምዖን ዓለም ኣዝዩ ተጸላውን ተመላእን እዩ። ንመስቀል ልክዕ ከም ሓደ ስእሊ ዝረኣናዮ፣ ዝተሰቕለ የሱስ ጥራይ ክመስለና ዝከኣል እዩ። ግና ካብኡ ሓለፍ ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ከም ምስሊ እቲ ሙሴ ዝሰቐሎ እሞ መናገፊ ዝኾነ ተመን፣ ከምኡ ገይሩ እዩ ንየሱስ መናገፊ ኪገብሮ ፈትዩ። መርገም ኪኸውን እሞ ካብ መርገም ክሻየጠና። ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ። ካብ ብርትዐ ሰብ ድማ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ። እዚ ማለት ኣምላኽ ዓሽዩ፣ ዓሻ እንተተባህለ እቲ ኣዝዩ ጎራሕ ዝበልናዮ ኣይበልጾን ካብኡውን ኣይጠበብን። ንኣምላኽ ድማ ድኹም ሓይሊ ዘይብሉ እንተበልናዮ እቲ ኣዝዩ ሓያል ካብኡ ኣይብርትዕን እዩ። በዚ መገዲ እዚ እግዚኣብሄር ዓሻ እዩ እንተተባሂሉ ንደቂ ሰብ ዓሻ ሓሳብ ብዝኾነ ብመስቀል ጌሩ ከድሕኖም ፈትዩ። እምብኣር መስቀል ዓሻ ሓሳብ እዩ፣ ይኹን እምበር እግዚኣብሄር በዚ ዓሻ ሓሳብ ዝመስል ግና ንምፍጻም ዘልኣለማዊ ምኽሩ ዝተጠቀመሉ መገዲ እዩ። ናይ ክርስቶስ ስቓይ ንዓና ድማ ናይ ዕረፍቲ ቦታ እዩ። መስቀል ንዕረፍቲ ዘልኣለማዊ ምንጋፍ ንምግዛእ ክርስቶስ ንምምንጣል ስልጣን ጸላኢ ዝተፈጸመሉ ቦታ እዩ። ስለዚ በዚ ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ዓሻ፣ ናይ ለባማት ዘይኮነ ስራሕ፣ እግዚኣብሄር ነቲ ምኽሪ ዘመናቱ ፈጺምዎ እዩ። ኣምላኽ ዓሻ ኣይኮነን እኳ ድኣ ንደቂ ሰባት ጥበብ ዝሃበን ምኽሪ ዝለገሰን፣ ግናኸ በቲ ዓሻ ዝተባህለ ብደቂ ሰባት ብእኡ ንዓና ከድሕነና ፈትዩ። ንሕና እምብኣር ዓሻ ስብከት ከም ዝኣመንናን ክንፈልጥ ይግባእ። ማለት ብኣዘራርባ ሰባት ለባም ዘይኮነ ነገር ብዝተፈጸመሉ ኢና ድሒንና። ንዓና መስቀል ጥበብ ኣምላኽን ትእምርቲ ኣምላኽን ዝርኣናሉ እዩ። በቲ ኣይሁድ ዝደልይዎ ትእምርቲ በቲ ጽርኢ ዝደልይዎ ጥበብ ኣይኮንናን ድሒንና በቲ ዓሻ ስብከት መስቀል ኢና ድሒንና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝብሎም ዘሎ፣ ነቲ ንኣይሁድ መዓንቀፊ ማለት ነቲ ዝፈልጥዎ እግዚኣብሄር ሰማያት ጨንዲሑ ክመጽእ እንዳደለዩ ግና ብመብልዒ ማል፣ ነቲ ንጉስ ክኸውን ዝተጸበይዎ የሱስ ድማ ብመስቀል ምማቱ መዓንቀፊ እዩ ኮይንዎም። ነህዛብ ድማ ማለት ጽርኢ ካብ ሰሎሞን ዝጠብብ እንዳተጸበዩ፣ እኳ ድኣ ዝዕሹ ጥበብ ሒዙ ዝመጸ ክርስቶስ፣ ዕሽነት ኮይኑ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢና እንኣምን ወይ እንሰብኽ እዩ ዝብል ዘሎ። ስለዚ እዞም በዚ መዓንቐፊ ዝኾኖም ዝኣመንና ኣዚና ዕድለኛታትን ብጹኣትን ኢና። ምኽንያቱ ንሱ ክርስቶስን ኣምላኽን ምዃኑ ነቲ ስብከት ዕሽነት ስለ ዝፈለጥናዮ እቲ ናይ መስቀል ቃል ንዓና ሓይሊ እዩ፣ ስለ ዝኣመንና ነቶም ዘይኣመኑ ግና ዕሽነት እዩ መዓንቐፊ ስለዝኮነ።

ኣብ መደምደታ ክርስቶስ ንዝኣምን ሓይልን ጥበብን ኣምላኽ እዩ። ከምቲ ኣብ ቆሎ 2፣3 ዘሎ “ብዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ” ስለዚ ነዚ ዕሽነትና ኣዚና ክትጸንዓሉ እሞ ድማ ነቲ ብዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ክትፈልጦ ይግባኣና። ኣብ 1ቈረ 1፣20-34 ናብቲ ጽውዓና እሞ ንመልከት ይብል። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር እቲ ፈላጣት ጥበበኛታት ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ንዓና ገለጾ። ንሱ ድማ ንዓና ምድሓን ጥበብ ጽድቒ ቕድስና ኮይንልና ኣሎ። በዚ ምድሓና ዝኾነ የሱስ ትምክሕትና ክንድ’ቲ ዝተኸፍለልና ዋጋ ክኸውን ይግብኦ። ስለዚ ነዚ ዕሽነት ንካልኦት ንንገሮ ብዕሽነት እዩ ለባም ዝኽወን።

“ለባም ካብ ኣምላኽ ንምዃን፣ ዓሻ ምስ ኣምላኽ ምዃን”

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.