ኮሮና ቫይረስ ፣ እንታይ ይምህረና፧

ንግሆ ተንሲእና፡ ኣብ ናይ ቁርሲ ናይ ዕላል ግዜና፣ ንበዓልቲ-ቤተይ ከምዚ ክብል ሓተትክዋ፣ ካብዚ መጺኡ ዘሎ ናይ ኮሮና ቫይረስ ኩነት እንታይ ትመሃሪ ኢለ፧ ሓተትክዋ። ኣይደንጎየትን ድማ ገለ ሰለስተ ዝኾኑ ነገራት ዘርዘረትለይ። ኣነ ድማ ምልእ ኣቢለ፡ ገለ ሓሙሽተ ነገራት ወሰኽኩላ። ግና፣ ኮሮና ቫይረስ ፣ እንታይ ይምህረና፧

መቸም ዘሎናዮ እዋን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከም ንቡር፡ ኣንጊህካ ትምህርቲ ኮነ ስራሕካ ዘይትገብረሉ፡ ምስ ብዙሕ ሰብ ዘይትራኸበሉ እዋን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ዘለናዮ ሃገር እዃ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ 13 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ፣ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ። ቤት ትምህርትታትን መዋእለ ህጻናት ተዓጺዩ፣ ንቡር ናብራ ድሮ ካልእ መልክዕ ሒዙ ኣሎ።

ብመጀመርታ ንነገራት ናብ ዘይተደለየ መልክዖም ከየትሓዝናን ከየመናፈስናን፣ ንዝወሃቡና ናይ ክኢላታት ሕክምና ምኽርታትን መምሪሒታትን ምክትታል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢዱ ክዝርግሕን ከድሕነናን ምጽላይ፣ ከምኡ ድማ ብመሰረት ቃሉ፡ እንታይ ይምህረና ይብለናን ምትዃር ምጽናዕ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ቅድሚ ገለ መዓልታት ዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ምጥዋቕ ይከኣል።

ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ምትእኽኻብ፡ ብሓባር ብብዝሒ ምዃን ተኣፋፍን ንምፍጣን እዚ ለበዳ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ተኸልኪሉ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ዝኾነ ዓይነት ምትእኽካብ ማለት፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረትን መደባትን፡ መርዓ ምስ ደርዓ፡ ቀብሪ ኮነ ጥምቀታት ኮታስ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት መደባት፡ ሲነማታት፡ ትርኢታት፡ ቤተ መዘከር፡ . . . ወዘተረፈ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ኮታ፡ ካባና ማንም ሰብ እዃ ሃንደበት ነገራት ብከምዚ ፍጥነት ከምዚ ክቕየሩ ይኽእሉ ኢሉ ዝሓሰበ የለን፡ ግና ኮይኑ ኣሎ።

ዳምዳም ምዕዳግ ሃለክቲ ነገራትን ምልዋጥ ናይ ስራሕ ሰዓታት ድማ ንሰባት፡ ብብርቱዕ ፍርሂ ኣሲሩ ሒዝዎም ይርከብ። እቲ ጽሑፍ ግና፡ ኣይትሰንብዱ፡ ግና ርኣዩ እዩ ዝብለና (ማቴ 24.6)።

ገለ ብዛዕባ – ኮሮና ቫይረስ

ክሳብ እዛ ዘሎናያ ሰዓትን ደቒቕን ድማ፣ ብመሰረት World Meter ድማ፡ ኣብዛ ዝነብረላ ሃገር  1347 ሰባት በዚ ቫይረስ ክጥቕዑ እንከለዉ፡ 54 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ሓገዝ ይረኽቡ ኣለዉ፣ 3 ድማ ድሮ ህይወቶም በዚ ቫይረስ ሓሊፉ ኣሎ። ብደረጃ ዓለም ክርአ እንከሎ ድማ፡ ክሳብ እዛ ሒዝናያ ዘሎና ደቒቕ 179,103 ሰባት በዚ ቫይረስ ክጥቕዑ እንከለዉ፣ ድሮ ድማ ህይወት 7,155 ሰባት ወሲዱ ኣሎ። በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ካብዝነበሩ ድማ ድማ ከባቢ 78,078 ጥዕንኦም ናብ ንቡር ተመሊሱ ሓዊዮም ኣለዉ። ከም ሃገር ብብዝሒ ካብ ዝተሃስያ ኣብ ቀዳምነት ዝስርዓ ድማ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ኢራን ይርከብአን።

ከም ክርስትያናት፡ ነዚ ኩነታት እንታይ ዓይነት ምላሽ ንህብ ንህሉን ኣሎናን፧ መልስና ምናልባት፣ ብእምነት እምበር ኣይትፍራህ  እዩ ዝብል፣ ዝብል ክኸውን ይኻል እዩ። ኣብ ማእከል እዚ ማዕበልን ንፋስን ኮይንና ድማ ንጐይታ እንሓቶ ሕቶ ምናልባት፣ «ጐይታይ፣ በዚ ኩነታት እንታይ ክትምህረኒ ኢኻ ደሊኻ፧ ንዓይን ንህይወተይ’ከ ብኸመይ ይጸልዎን ይልውጦን ይኸውን፧» ዝብል ሕቶታት ክህልወና ተስፋ ይገብር። እዚ ሕቶታት ምሕታቱንን ብዛዕብኡ ምሕሳብን ግቡእ ይመልስኒ።

ገለ ካብዚ ክንመሃሮን ክንሓስበሉ እንኽእል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፣

1. ድኻምና

እዚ ናይ ኩሉ ዓለም ጸገም፡ መጀመርታ ዝመሃረና ነገር እንተሃልዩ፣ ደቂ ሰብ ማዕረ ክንደይ ድኹማት ምዃንና እዩ። እዛ ሓሳብ ኣብ ዝጽሕፈሉ ዘለኩ እዋን፡ 175,696 ሰባት በዚ ቫይረስ ክጥቕዑ እንከለዉ፣ ድሮ ድማ ህይወት 6,715 ሰባት ወሲዱ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክፋል ዓለም ድማ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል፡ ኩሉ ዝኽእሎ ዘበለ ይገብር ኣሎ።

እንተሓሲብናዮ እዃ፣ ሓደ ደቂቅ ተሃዋሲያን ከም ቫይረስ ዘመሰለ፡ ዋላ እዃ ካብ ኮሮና ቫይረስ ንላዕሊ ተላባዒ፣ ንህልውና ወዲ-ሰብ ኣብ ዓለም ካብ ተፈታተነ ደኣ፣ እንታይ እዩ እቲ ምስጢርን መልስን፧ እቲ መልሲ፡ እንድዒ፡ ወይ ንጹር ኣይኮነን፡ እዩ። ቅድሚ እዚ ናይ ሕጂ ኩነታት፡ ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ብዙሓት ለበዳታትን ጸገማትn ኣለዉ፣ ግና ወዲ-ሰብ ብቀሊሉ ስለ ዝርስዖምን ኣዝዩ ድኹምን ስለዝኾነ እዩ።

መዝሙር ናይ ዳዊት፡ ባርያ ኣምላኽ ከምዚ ይብል፣

«ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ [COVID-19] ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።» መዝ 103፡15-16።

ደቂ-ሰብ ድኹማት ምዃንና ድማ፣ እዚ ኩነታት፡ ብኸመይ ንህይወትና ጸልይዎ ኣሎ፡ ምርዳእ ቀሊል እዩ። ምናልባት፡ ህይወትና ኣብዛ ምድሪ ንክትነብር ከም ትሑዝ ገይርናዮ ጸኒሕና ንኸውን። ግና ከምኡ ኣይኮነን። ነዚ ነገር ኣዘኻኺሩና ይኸውን ኢለ ድማ ይሓስብ። «ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና።» መዝ 90.12።

2. ኩላትና ማዕረ ምዃንና

እዚ ቫይረስ’ዚ ዓሌት፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ዶብ፡ ዜግነት ኮታ ምንም ነገር ኣይፈላልን እዩ። እዚ ሕማም ቻይናዊ ኣይኮነን። ዋላ እዃ ካብ ቻይና እንተትበገሰ። ኣብ ቻይና ኣሎ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣሎ፡ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ግብጺ፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኣርጀንቲና፡ ኮታ ዳርጋ ኣብ ከባቢ 162 ሃገራት ዓለም በጺሑ ኣሎ። ገና’ውን በዚ ቫይረስ ዘይተለክፋ፡ እንዳበጽሐን ይኸይድ ኣሎ።

ወድ-ሰብ፡ ሓደ ስድራ-ቤት እዩ። ብኣምሳለ ስላሴ፡ ዝተፈጥረ ክቡር ፍጥረት እዩ (ዘፍ 1.17)። ሕብሪ ቆርበትና፡ እንዛረቦ ቛንቛና፡ ላህጃታትናን ባህልናን እዃ እንተተፈላለየ፡ ኣብ ኣዒንቲ ቫይረሳትን ተላባዕትንሲ ፍልልይ የብልናን። ኣብ መከራናን ጸበባናን፡ ኣብቲ እንፈትዎም ሰባት ካባና ዝፍለይሉ እዋን፡ ኩላትና ማዕረ ኢና። ከም ሰባት ድኹማት ኢና፡ ግናኸ ወዲ ካልእ ዜጋ ሞይቱ ማለት፡ ወዲ-ኣዳም፡ ሞይቱ ማለት እዩ።

3. ንኩሉ ክንቆጻጸር፡ ክእለት ከምዘይብልና

ኩሉ ነገር ክንቆጻጸር ኢና እንደሊ። ማለት ኩሉ ነገር ክንፈልጦምን ከምዝደለናዮም ክኾኑ ኢና እንደሊ። ናይ ገዛእ ርእስና፡ ወነንትን ወሰንትን፡ ዋላ ኣብ እዋን መከራ ክንከውን ኢና እንደሊ። እዚ እንነብሮ ዘሎና ድሕረ-ዘመናዊ ግዜ፡ ልዕሊ ማንም ግዜ፡ ዝበዝሐ ክፋል ህይወትናን መደባትናን ክንቆጻጸር ዕድል ዝሃበና ንመስል። ንኣብነት፡ ኣብ ገዛና ማዕጾ ብመቆጻጸሪ ርሑቕ ብካሜራ ንቆጻጸር፡ መኪናን ካብ ርሑቕ መን ቀሪብዋ ንፈልጥ፡ ብሓንቲ ምጥዋቕ ኣብ ባንክና ዘሎ ገንዘብ ንቆጻጸሮን ነንቀሳቅሶን፡ ጥዕናናን ናይ ምንቅስቃስ ኣካላት መደባትን ብሓደ ናይ ቴሌፎን መደብ ንቆጻጸር። ኮታ ብዙሕ ነገራት ንቆጻጸር ኣሎና።

ግና፣ እዚ ዓይነት ናይ ምቁጽጻር ስምዒት ግና ድሕሪ ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ፡ ሕልሚ ወይ ከም ዝሃፈፈ ጠሊ፡ ወይ’ውን ከም ነቲ ዝተቆጻጸርናዮ ዝመሰለና ከምዘይተቆጻጸርናዮ ገሊጹልና ኣሎ። ስለዚ፣ ኩሉ ይጓየይ ኣሎ፣ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻው፡ ኣኼባታት ንምቁራጽን ኮታ፡ ነዚ ኩነታት ንምቁጽጻሩ ይፍተን ኣሎ። ግና ተቆጻጺሮሞ’ዶ፧

ንሕና’ኸ፧ ብጸረ-ነፍሳት ንምሕጻብን፡ ነቲ ናይ ምልባዑ ሓደጋ ከነጒድሎን ክንቆጻጸሮን ንፍትን ኣሎና። ምሕጻብን ምጥንቃቕን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝድግፎን እዩ። መምርሒታት ናይ ክኢላታት ሕክምና’ውን ክንከታተል ኣሎና። ግና ነዚ ኩነታት ክንቆጻጸሮ ንኽእል’ዶ፧

4. ካብ ካልኦት ናይ ምንጻል ሕመም

እቲ ካልእ ኣብዚ እዋን ኣገዳሲ ኮይኑ ዘሎ፣ ማሕበራዊ ነገራት ምውጋድ (social distansing) ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ቫይረስ ኣብ ምትእኽኻብ ዘለዎ ክላባዕ ስለዝኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ምእንቲ ዝበኣሰ ከይከውን፡ እሞ ድማ ናብ ካልኦት ሰባት ካብ ምሕላፉ ንምጥንቃቕ እዩ። እዚ ግና ብዙሕ ሰብ ካብ ማሕበራዊ ርክባትን ኣኼባታትን ክግለል ገይሩ ኣሎ።

እዚ ምግላል፡ ንሰባት ካብቲ ተሰከምቲ ቫይረስ ምዃኖም ብዝበኣሰ፡ ናይ ምንጻል ስነ-ኣእምሮኣዊ ስምዒት ከምዝስምዖም ገይሩ ኣሎ። ምኽንያቱ ምግላልን ምንጻልን ቀሊል ኣይኮነን፣ ከም ደቂ ሰብ ንሕብረትን ብሕብረትን እንነብር ፍጡራት ስለዝኾንና።

ስለዚ ብዙሓት፡ ነዚ ተነጽሎ ክገጥምዎ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብዚ ሓደ ትዝ ዝብለና ዛንታ ኣሎ፡ እቲ ጐይታ የሱስ ዝረኸቦ ለምጻም እዩ። እዚ ለምጻም፡ ንበይኑ ሰብ ዘይረኽቦ፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸለ እዩ ነይሩ። ንበይኑ ክነብር ዝተገደደ ሰብ። ኣብ ጎደናታት ከተምኡ፡ ሸናዕ ኢሉ ክንቀሳቀስን ክዛወርን ዘይተፈቕደሉ። ሰባት እንተረኣይዎ ድማ፡ «ርኹስ! ርኹስ!» ኢሎም ዝጭርሕሉ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ከምዚ ይብል፣

«እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ።» ዘሌ 13.45 ይብል።

5. ኣብ መንጎ ፍርህን እምነትን ዘሎ ፍልልይ

ኣብ እዋን ነውጽን ቀውስን፡ ግብረ-መልስኻ እንታይ ኮን ይኸውን ፧ ኣብ እዋን ቀውሲ (crisis)፡ ብፍርሂ ንክንድረኽን ቀሊል እዩ። እዚ ፍርሂ ድማ፡ ንኩለንትናን ክገዝኦ ኣዝዩ ቀሊል እዩ፣ ንኣብነት ሕጂ፣ ኣብ ሰሌዳ-መፋትሕ (keyboard) ናይ ኮምፒተረይ፡ ወይ ኣብዚ ዘስተንፍሶ ኣየር፡ ወይ ምስቶም ብኢደይ ሰላም ዝብሎም ሰባት ወይ’ውን ኣብ ኩሉ ነገር፡ ኮሮና ቫይረስ ይህሉ ይኸውን። ክለኽፈኒ ከኣ ይኽእል እዩ፣ ብምባል ብፍርሂ ትግዛእ ኢኻ። ፍርሂ ድማ ናይ ራዕድን ስንባደን (panicking) ይወስደካ። ርዒድካ’ዶ ኣሎኻ፧

ወይ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ቀውሲ፡ ካልእ ካብዚ ዝጠቀስናዮ ብዝተፈለየ ግብረ-መልሲ ክንምልሰሉ ንኽእል ኢና – ብእምነት። እምነት፡ ኣብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እምበር፡ እምነት ኣብ ዘይፍለጥ ሃለንፍሽ ዝኮነ ጽውጽዋያዊ ነገራት ኣይኮነን። እምነት ኣይሓምምን እየ፣ ኣይመውትን እየ ማለት ኣይኮነን። እምነት፡ ኣብ ጐይታና፡ ኣብቲ ሕያዋይ ጓሳ፣ ጐይታ ትንሳኤን ሞትን፣ ህይወት ምስ ትርፉ ዝህብን ምእማን እዩ። ብርግጽ፣ ንሱ፡ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ምሉእ ምቁጽጻር እዚ ኩነታት ዘለዎ። ንሱ፡ ጥራይ እዩ ኣብ ውሽጢ ማዕበላት፡ ጎደናታትን መገድታትን ክገብር ዝኽእል። ክንእመኖን ክንኣምኖን ዝጸውዓና፣ ክንኣምን እምበር ከይንፈርህ ዝደልየና፡ ንሱ ጐይታ እዩ።

6. ውሽጣዊ ሃረርታ ንኣምላኽን ንጸሎትን

ኣብ ማእከል እዚ ከቢድ ቀውሲ፡ ከም ውልቀ-ሰባት እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እንታይ  ፍልልይ’ከ ክንፈጥር ንኽእል፧ ንኣሽቱን ዘይንጠቅም ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ። ግና፡ ገለ ክንገብሮ እንኽእሎ ነገርስ ኣሎ። ናብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽናስ፡ ክንጽሊ፡ ከነእውን ክንጽውዖን ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ምጽላይ

ጸሎት፡ ምእንቲ መራሕትን ስልጣናትን ኣብ ሃገራትን ከተማታትን። ምእንቲ እቶም ኣብ ኩሉ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ትካላትን ንሕሙማን ክኣልዩ ላዕሊ ታሕቲ ዝብሉ ዘለዉ። ንሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ ቆልዑን ኩሎም በዚ ኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት። ምእንቲ እቶም ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ዘለዉ። ነቶም ብፍርሂ ተዋሒጦም ዘለዉ፡ ኣብ ከቢድ ሓደገኛ ቦታታትን ኩነታትን ዘለዉ። ንኩሎም ደቂ ኣዳም ብፍላይ ድማ ብዕድመ ኣረጋውያን።  ጐይታ ንህዝቡ ክሕልዎን ክባልሆን። ጸሎት፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ-ወከፍ ፍጡር ምሕረቱን ርህራሄኡን ክልእኽ ምእንቲ። ምእንቲ እተን ንጐይታ የሱስ ዘይፈልጣ ነፍሳት።

ጸሎት ፡ ምእንቲ ምጽኣት ጐይታ፣ ምኽንያቱ ናብቲ ዘዳለወልና ቦታ፡ ናብቲ ናይ ሓደስቲ ፍጥረትን ዘዳለዎልና ሃገርን ንምኻድ፣ ኣብኡ፡ ብዘይ ንብዓት፡ ሓዘንን ሞትን ንምንባር ምጽላይ።

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” ራእ 21.4

7. ከንቱነት ህይወት ሰብ

“ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኩሉ ከንቱነት እዩ። ” (መክ 1.2)።

ደቂ ሰብ፡ ኣብ ማእከል ቀውስን ነውጽን ብቀሊሉ መገዶም ክስሕቱ ይኽእሉ እዮም።  ምኽንያቱ ሎሚ ክብሃል እንከሎ፣ መዓልታትና ብብዙሕ ነገራት፡ ሰባትን ብዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ዝተመልኣ፣ ብስራሕን ድሌታት ሃንቀውታና ዝተጸቕጸቃ፣ ብናይ ገዛን ናይ ዕረፍቲ ግዜን ዝተታሕዛ፣ ኣየናይ ገዲፍና ኣየናይ ንመርጽ ምፍላይ ዝሰኣንናለን፣ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ካብ ህጹጽ ነገር ምፍላይ ዝተሳእነና እዩ። ኣብ ማእከል ናብራና ድማ፡ ገዛእ ርእስና ጠፊኣትና፡ ስኢንናያ ኣሎ።

ምናልባት እዚ ቀውሲ፡ ኣየናይ ነገር ከነቀድምን ነየናይ ዝያዳ ዋጋ ንከፍለሉ ከምዘሎና ዘዘኻኽረና ይመስል። ምናልባት፡ ኣብ መንጎ ትርጉም ኣልቦን ዝያዳ ትርጉም ዘለዎ፡ ክቡር ነገር ክንፈሉ ይድግፈና ይኸውን። ምናልባት፡ ኣብ ቅድሚ መስኮት ቴሌቪዥን ኮፍ ኢልካ ኩዕሶ ምርኣይ፡ ወይ ኣብ ኢንስታግራም እዚኣ ስእሊ ዘርጋሕኩ፡ ኣብ ፌይስ-ቡክ ከምዚ ተባህለ፡ ዘይኮነስ፣ ዝያዳ ህይወት እዚ’ዩ ኢልና፡ ትርጉም ህይወት እነናድየሉ ይግበረልና። ምናልባት፡ ኮሮና ቫይረስ እቲ ቀንዲ ነገር እንታይ ምዃኑ፡ ይምህረና ይህሉ።

8. ተስፋና

ኣብዚ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር፣ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ እንታይ ተስፋ ኣሎ ኣይኮነን ኣገዳሲ። ምኽንያቱ ጐይታ የሱስ ርኣዩ፡ ግና ኣይትሰንብዱ ኢሉና ኣሎ (ማቴ 24.6)። እቲ ምኽንያት ድማ ካብዚ ዝኸፍአ፡ ካልእ ብዙሕ መከራ ከምዝኸውን ስለዝነገረና። ብካልእ ድማ ሓደ ቫይረስ ምናልባት ህይወትና ኣብ ምድሪ ከሕጽሮ ይኽእል ይኸውን፡ እቲ ናይ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ዘልኣለም ሞት’ከ፧

ዘርኢ ወዲ-ሰብ እዃ፡ ብካልእ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ለበዳ ተጠቂዑን ካብ መጀመርታ ክሳብ ሕጂ በዚ ለበዳ እንዳተሰቀየ እዃ እዩ ዝነብር ዘሎ። እዚ ለበዳ ድማ ሓጢኣት ይብሃል። እሞ፡ ካብዚ ለበዳ ንምድሓን እንታይ እዩ ተስፋኻ፧

ናይ መጽሓፍ ቅዱስና ታሪኽ ኩሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብዛ ብለበዳ ሓጢኣት ተላቢዓ ዘላ ዓለም፡ ወዱ ክርስቶስ እዩ ልኢኹልና። ክርስቶስ ድማ፡ ናብዛ ብለበዳ ሓጢኣት ዝሓመሙ ሰባት ዝመልእዋ ዓለምና መጺኡ፡ ኣብ መንጎና ተቀመጠ። መከላኸሊ ከሚካላት ኣይተጠቕመን፣ ዘስተንፈስናዮ ኣየር ኣስተንፊሱ፡ ዝበላዕናዮ መግቢ በሊዑ። ካብ ኩሉ ተነጺሉ ሞት፡ ሞተ። ካብ ኩሉ ሰብ ተፈልዩ፡ ተራሕረሐ። ኣቦይ ኣቦይ፡ ንምንታይ ሓደግካኒ ኢሉ ኣብ መስቀል ኮይኑ ጨርሐ።

እዚ ክርስቶስ’ዚ፣ ነዛ ብለበዳ ቫይረስ ናይ ሓጢኣት ዝተበከለትን ዝሓመመትን ዓለም፡ ናይ ዘልኣለም መድሃኒትን ፈውሲ ህይወትን ሂብዋ ኣሎ። እቲ ዝበሎ ቃሉ እሞ ንስምዓዮ፡ የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፡

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ።

እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። 

ፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ።

እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ።”

(ዮሃ 11.25-26)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has 3 Comments

  1. Anonymous

    God bless you wonderful message

  2. Anonymous

    ሰናይ ሓወይ እግዚኣብሄር ይባርኽካ! ጊዘን ዓቅምን ዝሃበካ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ፡ ካብዚ በብእዋኑ ተቅርቦ ዘለኻ ሓጸርቲ ጽሑፋት እጥቀም ብምህላወይ ድማ ደስ ይብለኒ እዩ።

  3. Anonymous

    ጎይታ ይባርኽካ ዘርኢት ሓውና በዚ እቲሰደለይ ጽሑፍ ኩሉ ግዜ እየ ዝጥቀም።
    ቀጽሎ በረክትና ኢካ ንስኻ

Leave a Reply