ኢ-ፍትሓውነት

ኣረዳድኣ ክርስትያን ኣንጻር ኢ-ፍትሓውነት

ከም ክርስትያናት ስለ ኩሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት፣ ብፍላይ ድማ ዓመጽን ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር እግዚኣብሄርን ዓላማታቱን ኣብ ምድሪ ክስለፉ ይግባእ። እዛ “ኩሉ” እትብል ቃል ኣብ ዝተፈላለየ ህይወት ሰብ ንዘጋጥም ዘሎ፡ ሕመረት ኩሉ ኢ-ፍትሓውነት ኮይኑ ኣብ ሕልና ክርስትያናት ክትሓክኽ ዝግብኣ እያ። ምኽንያቱ ፍርሒ ወይ ፍትወት ርእሲ፡ ንልብታት ኩሎም ክርስትያናት ደዊኑ፡ ኣንጻር ኩሉ ኢ-ፍትሓውነት ከየስተውዕሉ ገይርዎም ይርከብ። ብዙሓት ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ብብዙሓት ከምኣቶም ዝኾኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ምፍርራሒ፡ ራዕዲ፡ ምስቃቅን ዝኸፍአ ፍትሒ ምዝባልን  ዘለዎ ህይወት ክነብሩ ገይርዎም ኣሎ።

“ክርስትያናት ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ኢ-ፍትሓውነት፣

ብፍላይ ድማ ዓመጽን ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር እግዚኣብሄርን ዓላማታቱን ኣብ ምድሪ ደው ክብሉ ይግብኦም እዩ።”

ነዚ ከምዚ ዓይነት ኢ-ፍትሓውነት ምኽንያት ዝብሎ፣ ካብ ንገዛእ ርእስኻ ምፍታው ዝተላዕለ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝበዝሐ ምፍልላይ መረዳእታ ብዛዕባ ኣንጻር ዓመጽ ወይ ኢ-ፍትሓውነት ደው ዘይምባል ዝመጽእ፡ ብዛዕባ ፍትሒ ምጉዳል ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትያናት ዘሎ ብፍጹም ዝተዛብዐን ከፊላዊ ወይ ዝተዘባረቀ መረዳእታ ብዛዕባ ፍትሕን ኢ-ፍትሓውነት እዩ። ይኹን እምበር ከም ናተይ ሓሳብን ኣረኣእያን፡ እዚ ኣተሓሳስባ ካብዛ ናይ እነብረላ ዓለም ምቾት ዝመንጨወን ዝተተሓሓዘን፣ ምስ ሞራላዊ ቀውስን ፍሕፍሕን ዝመጸን ዝተቀራረበን እዩ።

ሎሚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ፍትሒ ዝጎደሎ ህልዋት ኣሎ። ብዛዕባ ኢ-ፍትሓውነት ሓሳብና ንምግላጽን ንምሃብ ድማ ብዙሓት ክንፈርህ ንርአ ኢና። እንፈርሃሉ ምኽንያት፡ ካብቲ ካብ ካልኦት ሰባት ክገጥመና ዝኽእል ተነጽሎን ነቀፌታን ዝብገስ እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ኢ-ፍትሓፍነት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝወርድ ዘሎ እንተደኣ ተዛሪቡ፡ ብካልኦት ወገና ከም ፖለቲካዊ ህውተታ ወይ’ውን ስነ-መለኮታዊ ቅማረ ወይ ደረጃ (label) መምዘኒ ስለዝወሃቦ እዩ። ኮይኑ ግና፣ ካብቲ ዓላማ ፍትሒ ዘዝብልን፣ ናብ ካልእ ዝሃውተተ ዘይቅዱውን ጥቕዓታዊ (መጥቃዕታዊ) ስምዒታት ኣብ ውሽጥና ንክለዓዓል ይገብሮ። ስለዚ፡ ንምዝባል ፍትሒ እናረኣኻ ግዱ ዘይምግባርን፡ ስመይ ከይከፍእ ብዝብል ከንቱ ኣምር፡ ንክብሪ ርእስኻ ገዲፍካን ደርቢኻን ንስለ ፍትሒ ምንጋስ ዋጋ ምኽፋል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ ምዃኑ ምርሳዕን ዘይምርዳእን እዩ።

ብርግጽ እዃ ደኣ፡ ክርስትያናት ኣንጻር ኩሉ ኢ-ፍትሓውነት ደው ክብሉ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረትን ባህሪ እግዚኣብሄርን እዩ።

“እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፣ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።” ዘዳ 32፡4

“ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ (ፍትሒ) ይፈቱ እዩ፣ ንስኻ ቕንዕና ኣጽናዕካ፣ ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።” መዝ 99፡4

“ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ፣. . .” መዝ 33፡5

“ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ።. . .” ራእ 15፡3

“. . . ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ . . .” ራእ 16፡7

“ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። . . .” ማቴ12፡20

ዓመጽ ክትርኢ እንከሎኻ ዘይስምዓካ ወይ ዘይግድሰካ እንተኮይኑ፡ ብልብኻ ኣንጻር ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ኣብ ምድሪ ደው ኢልካ ኣሎኻ ማለት እዩ። ካብቲ በዓል ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን መድሓንን ዝመጸ ትእዛዝ እንተሃልዩ «ፍትሒ» ዝብል እዩ:

“ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ∶” ሚክ 6፡8

“እምበኣርሲ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፣ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፣ ኵሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።” ሆሴ 12፡6

“ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፣ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሐዝ።” ኣሞ 5፡24

“ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። . . .” ሉቃ 11፡42

እንተደኣ ንፍትሓውነት ነጺግካ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንዘጋጥም ኢ-ፍትሓውነት ከም ክርስትያን ዘይግድሰካ ኮይኑን፣ ከም ክርስትያን ኣይኮንካን ትነብር ዘሎኻ። ምኽንያቱ ኩሉ ክርስትያን ኣንጻር ኩሉ ኢ-ፍትሓውነት፡ ብፍሉይ ድማ ኣንጻር ኣምላኽ ዝኾነ ዓመጽን ኢ-ፍትሓውነትን ደው-ክብል ይግባእ።

“እንተደኣ ንፍትሓውነት ነጺግካ፡

ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንዘጋጥም ኢ-ፍትሓውነት ከም ክርስትያን ዘይግድሰካ ኮይኑን፣

ከም ክርስትያን ኣይኮንካን ትነብር ዘሎኻ።”

እዛ “ብፍሉይ” እትብል ቃል ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዘሎ ናይ ዘይርዱእ ኣተሓሳስባታት ንምዕራይን፣ ነቲ ብግብሪ ዝርአ ክርስትያን ከም ዘይኣማኒ ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር እግዚኣብሄርን ዓላማታቱን ኣብ ምድሪ ነጊሱ እንዳሃለወ በቲ ሓደ፣ በቲ ካልእ ድማ ሞራላዊ ውድቀት ደቂ ሰባት ዓዚዙ እናሃለወ ድማ ንኢ-ሞራላውነት ስለ ፍትሒ ኢልካ ምጭዳር ይርአ ስለዘሎ እዩ። ክርስትያናት ነቲ ሞራል ጎደል፡ ሕሱር ኣእምሮ ዝወፈዮ፡ ውርደት ዘይኮነ ፍትሒ ክሓትት ዘለዎስ፡ ስለቲ ኣንጻር እግዚኣብሄርን ፍጡራቱን ስለ ፍትሖም ክጣበቕን ደው ክብልን ይግብእ። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ ዓለምና፡ ፍትሒ ዝመስሉ ግናኸ ኢ-ሞራላዊ ግብርታትን ልምድታትን ብስም መሰል ደቂ-ሰብ ፍትሒ፡ መሰል ይሕተተሎም ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓመጽ ኣንጻር እቲ ንወዲ-ሰብ ብፈጣሪኡ ዝተዋህበ መሰረታዊ መሰላት እንዳሃለወ፣ ፍትሒ ዘይምሕታትን ንመሰሎም ደው ዘይምባልን ውርደት ህዝብታት እዩ። ነቶም ብናይ ሎሚ ዘላ ዓለም ምቾት ደንዚዝና ጣዕማን ዳንኬራኣን መቂሩና ኣብ ከባቢና ዝኸውን ዘሎ ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር ሰብን እግዚኣብሄር ምስትውዓል ዝሰኣና ክርስትያናት ንተስእ ንፍትሒ። ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር እግዚኣብሄርን ዓለማታቱን ነወግድ።

ፍትሒ ምጉዳል ማለት ንሰባት ብግቡእ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህቦም መሰላት ምኽባር፣ በቲ ሓደ ድማ ካብቲ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህቦም ክብርን ፍቓድን ድማ ዘይምሕላፍ እዩ። ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ክብሪ እንተሓሊፉ፡ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር እግዚኣብሄር እዩ ዝኸውን። እግዚኣብሄር በይኑ ጥራይ እዩ ኩሉ ክብርን መሰልን ፍቓድን ዘለዎ፡ በዚ ድማ ንዕኡ ንበይኑ ክብሪ፡ ምስጋና፡ ስግደት፡ ኣምልኾ፡ ተኣዛዝነት፡ ፍርሃት ኣብዚ ኩሉ ፍጡር ዝግብኦ። ነፍሲ-ወከፍና ኣብዛ ዓለም ዘሎና ሰባት ካብቲ እግዚኣብሄር መጀመርታ ዘዳለወልና ክብሪ እግዚኣብሄር ዝጎደልና ኢና። ስለዚ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብዚ ዘይምሉእን ፍትሒ ዝጎደሎን ህይወት ይነብር ኣሎ፣ እዚ ድማ በቲ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ስኢኖም (ሮሜ 3፡23) ዝብል ቃል ይጥቅለል።

“ኣንጻር ካልኦት ንዝወርድ ኩሉ ዓመጽን ኢ-ፍትሓውነትን ደው ዝብሉ፡

ተባዓትን ርህሩህ ዝልቦም ሰባት እዩ፣ ክርስትያናት ዝብሎም።”

እግዚኣብሄር ምሉእ ብምሉእ ኣምልኾ፡ ምእማንን ምእዛዝ ብዘይ ገደብ ዝግብኦ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ድማ ኣብ ተኣዛዝነትን ተኣማንነትን እግዚኣብሄር ምሉእ ብምሉእ ተኣሚኑን፡ዘይብቑዕ ምዃኑ ፈሊጡን፡ ብኩሉ ብመገዱ ድማ ኣንጻር ኣብ እግዚኣብሄርን ዓላምኡን ዝተፈጸመ ዓመጽን ኢ-ፍትሓውነትን ናይ ጣዕሳን ምምላስን መንፈስ ክስምዖ ይግባእ። እዚ ምስ ዘይከውን ግና፡ እቲ ዘሎ ሽግራትና ኣብ ቦት ኡ እናሃለወ፡ ኣብ ኩሉ ስፍራ’ውን ዓመጽ ደቂ-ሰባት ዝያዳ ከሸግረና እዩ።

ኢ-ፍትሓውነት ኣንጻር እግዚኣብሄር ናብ እቲ ዝለዓለ ጽፍሒ በጺሑ ኢና ንረኽቦ፣ ይኹን እምበር ናይ እግዚኣብሄር ምሉእ ምሕረትን ዘየወላውልን ምስምስ ዘይብሉ ፍትሑን ፍርዱን ቅንዕንኡን ግና ኣብ ቦትኡ እዩ። እዚ ማለት እግዚኣብሄር ናብ ደቂ ሰባት ብምስሊ ወዲ ክመጽእ እንከሎ፡ ስጋ ሰብ ለቢሱ፡ ሰብ መሲሉ ንኸድሕነናን ኩሉ መቕጻዕትናን ኣንጻሩ ዝዓለናዮ ዘይፍትሓውነትን፡ ወሲዱ ኣብ ክንዳና ሞይቱ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለን ፍትሓውነትን ኣፍለጠና። እቲ ዘይፍትሓውነትና ዝወሰደ፡ ምሕረቱ ድማ ንደቂ ሰባት ዝሃበስ፣ ዘይፍትሓውነት ክርሕቕን ክጠፍእን እምበር፡ ንክበዝሕ ኣይኮነን። ደቂ-ሰብ ግና ኢ-ፍትሓውነት ኣዕዚዘሞ ይርከቡ።

“እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧” ግብ 8፡32-33

እግዚኣብሄር፣ ንዕኡ ዘይግብኦ ኢ-ፍትሓውነት ተቀቢሉን ንገዛእ ርእሱ ዝኾንዎ ህዝቡ ብክቡር ብዋጋ ዘይትመን ዋጋ ዓዲጉ፣ ክርስቶስ ተሰቂሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍትሕን ተበጃዊ ሓጢኣትና ኮይኑ ናይ ይቅሬታ ህይወት ኮይኑልና እዩ። ንሱ ኣንጻር ኩሉ ዓመጽናን ዘይፍትሓውነትና ተሰቂሉ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ድማ ከም ብክርስቶስ እንኣምን ክርስትያናት፡ ኣንጻር ካልኦት ንዝወርድ ኩሉ ዓመጽን ኢ-ፍትሓውነትን ደው እንብል፡ ተባዓትን ርህሩህ ዝልቦም ሰባት ክንከውን እዩ።

ክርስትያን ዝብሃል፡ ተባዕ፣ ከምኡ’ውን ርህሩህ ዝልቡ፡

ኣንጻር ኩሉ ዓመጽ ዝቀውም ዝደሓነ ሰብ እዩ።

“ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።” መዝ 12፡5

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    Very nice man of God.??

Leave a Reply