ተስፋ ምድረ-በዳ

ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝበሃል የለን። ልክዕ እዩ እዛ ናብ ጥፍኣት ገጻ እትገማገም ዘላ ዓለም ተስፋ ክትህበካ፡ ሓሊፋ ድማ ጽቡቕ ነገር ክትረኽበላ ፍጹም ኣይከኣልን እዩ። እንትርፎ ኣብ ጸጽባሕ ንታሕቲ ዘንቆልቁል ተስፋን መጻእን፡ ተስፋ ዝብሃል የብላን። ተስፋ ክበሃል እንከሎ ሓደ ከም ስሓቢ ወይ ጎታቲ ገመድ ኮይኑ wihbetነቲ ክትበጽሖ ዝደለኻ ዓላማን ሸቶን ዝወስደካ መንገዲ እዩ። እዚ ተስፋ`ዚ ምስ ዝስኣንን ምስ ዘይህሉን ድማ ልክዕ ከም ኣብ ጸልማት ደልሃመት ኣቲኻ ንጽባሕ ዘይትርእይ እዩ ዝገብረካ። መብዛሕትኡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነተ-ኣእምሮ ዘሎ ድማ ብምኽንያት ስደት ካብ ሃገሩ ወጺኡ ዘሎ መንእሰይ እዩ።

ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ብዙሕ ሰብ ዝርአ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግና ኣብቶም ብምኽንያት ስደት ካብ ሃገሮም ኣብ ዝወጹ እዩ ዝገነነ። ሓቂ እዩ ከምዚ ዝብሃል ምስላ ሰሚዕና ንኸውን ኢና፡ “ስደት ንገሊኡ ስደት እዩ ንገሊኡ ግና ንግደት እዩ። ” እዚ ክንብል እንከሎና ኣብ ስደት ገለ ገለ ሰባት ብሓቂ ነቲ ንቡር ናይ ስደት መከራን ስእነትን ክሓልፍ እንከሎ ብካልእ ወገን ድማ ገለ ገለ ከም ኣብ ሓደ ቦታ ንግደት ዘለው ጽቡቕ ምሉእ ተስፋን ናብራን ክሕልፉ ይረኣዩ እዮም። ንግደት ሰባት ንክበጽሕዎን ክርእዮዎን ዝብጻሕ ቦታ ምዝንጋዕን ምትእኽኻብን እዩ፡ ስለዚ እዩ እምበኣር ንገለ ገለ ስደት ንግደት ዝኾኖም። እቲ ስደት ብሓቂ ስደት ዝኾኖ ሰብ ግና ናይ ስደት ጩጉራፍ ማለት ግሽነት፡ ካልኣይ ዜጋ ምዃን፡ መከራ ስእነት ምስ በጽሖ እዩ።

ስደት ሎሚ ዝጀመረ ወይ ኣብ ዘመንና ዝመጸ ነገር ኣይኮነን፡ ካብ ቀደም ዘመን ዘመነ ኦሪት ዝጀመረ እዩ። ኣቦና ኣብርሃም ያእቆብን ኩሎም እስራኤልን ተሰዲዶም እዮም። ስለዚ ስደት ጥዑምን ጽቡቕ ዘይኮነስ ምፍልላይ ስእነትን ድኻምን ከምዘምጽኣሎም ብቐሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ መከራን ስእነትን ብምኽንያት ስደት ንኣቦና ኣብርሃምን ካልኦትን ዝጎነፎም፡ ብልኽዕ ብምኽንያት ሓጢኣቶም`ዶ ይኸውን፧ ነዚ ሕቶ’ዚ እዝን እትን ኢልና ምሉእ ምላሽ ከይንህበሉ ንኽእል ኢና፡ ይኹን እምበር ጠንቂ ስደት እንታይ እዩ? ልክዕ እዩ; ስደት ብምኽንያት ኩናት ጥሜትን ቁጠባዊ ቅልውላው ካልእ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ምድራዊ ነገራት ዘይምስኳዕ ዝመጸ ክኸውን ይኽእል ኣዩ። ሓሓሊፉ`ውን ብምኽንያት ሃይማኖትን ዓሌታውነትን ስደት ይመጽእ እዩ። መጽናዕታት ጉዳይ ስደተኛታት ከም ዘነጸሮ ኣብ ዓለም ልዕሊ 500 ሚልዮን ስደተናታት ኣለው፡ ዳርጋ ናይ ኩሎም ጠንቂ ኣብ ጉዳይ ስደተናታት ተመዝጊቦም ዝተኣንገዱ፡ ጠንቂ ስደቶም እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ እዩ።

  • እምበር ኣብ ስደት እንታይ እዩ ዘጓንፍ?
  • ነቲ ጸገምከ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትፈትሖ?

ሎሚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኣእጋር ኣብ ስደት ዘዕረፈ መንእሰይ ዝዓይይ ዘሎ ናይ ተስፋ ምቁራጽን ዝጸልመተ መጻእን ተጽዕኖታት፡ ተስፋ ዘይብልካ ምዃን ምንባር ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደት ቦታታት ኣእጋሩ ዘንበረ መንእሰይ ዘጎንፎ ዘሎ ናይ ስደት ተጽዕኖታት ብክልተ መገዲ እዩ። እዚ ክልተ ነገር ንገለ ንግደት ይኾኖ ኣሎ። እንተ እቲ ዝበዝሐ ግን ስደት እቲ ካልኣይን መሪርን ገጽ ናይ ስደት የጎንፎ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ተስፋን ጽቡቕ መነባብሮን ዘሎ መሲልዎ ካበየ ቦትኡን ኣፌፌት ቤቱን እንዳወጸ ንስደት ዘምርሐ መንእሰይ እዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ነገር እዩ ዘጓንፎ ዘሎ። መገድታት ስደት ብዙሓትን ዝተፈላለዩን እኳ እንተኾኑ ገለ ግና ብድፍኢትን መርሕነትን ወለዲ ፈተውቲን ዓርከ መሓዛን ገለ ድማ ብተስፋ ኣሎ ዝብል ዘይርጡብ መርትዖታት ሃገሩ ገዲፉ ኣሎ። ስለዚ እዚ ተስፋ ዘይብሉ መሪር ህይወት መፍትሒኡ እንታይ እዩ? ንተስፋ ዘይብላ ነፍሲ ተስፍኣ መን’ዩ? እንታይ ተስፋኣ?

ሓደ ዝፈልጦ ሓጺር ዛንታ ከዘንትወልኩም ስሙ ንግዚኡ ዮሃንስ ንበሎ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ ዓብዩ። ትምህርቲ ኣዝዩ ብሉጽ ብምንባሩ ክሳዕ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ስራሕን ጽቡቕ ደሞዝን ነይርዎ ኮይኑ ግን ብድፍኢት ኣዝማዱን ፈተውቱን ሃገሩ ገዲፉ ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ናይ ምድረ በዳ ናብራ ኣብ ሃገረ ሱዳን ይነብር ኣሎ። ዮሃንስ ቀይሕ ጽቡቕ ለይለይ ዝብል መንእሰይ እዩ እቲ ብክልተ መትልሑ ዝወረደ ጭሕሙ ድማ ተወሳኺ ግርማ እዩ ዝህቦ። ይኹን እምበር ምስዚ ኩሉ ግርምኡን ጽቡቕ ስርሑን ዝነበሮ ኣብ ካርቱም መልክዑን ምስሉን ተደዊኑ ኣብ ዘይፈልጦ ዝነበረ ናይ ዝተፈላለየ ወልፍታት እሱር ኮይኑ ደድሕሪ ዘይጠቅም ልምድታት እንዳሰዓበ ኣብ ካርቱም ሱዳን ተስፋ ዘይብሉ ይነብር ኣሎ። መጻኢኡ`ውን እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ። እንታይ ተገበረን ክገብርን ዘለዎን ነቲ ዝሕሾ ነገር`ውን ሃሰው ኣብ ምባል እዩ ዝርከብ። ናይ ዮሃንስ ዝበልናዮ ከም ኣብነት ኣምጺእናዮ እምበር ከምዚ ዘመሰለን ዝኸፍአ ተስፋ ዘይብሉ ህይወትን ብዙሕ እዩ። ገለ ድማ ኣብ ኢድ ሑሱማት ዓመጽቲ ወዲቆም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡ ሃንቀው ዝበለት ኣዲኡ ኣቡኡ ደሃይ ወዱ ጓሉ ዘይረከበ፡ ኣብ ምድረበዳ እንታይ ከምዝበልዖ ዘይተፈልte፡ ባሕሪ ዝወሓጦን ሕጂ ድማ ዝኸፍአ፡ ክቡር ሰብ ወዲ ኣዳም ዝሽየጠሉን ብእምነቱ ዝሕረደሉን ዘመን በጺሕና። ምጽኦታት ኢለሞ ደኣ!

ብሩኽ ሓው ሓብቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረብ ኣብ ማቴ 6፡25 “ካብ መብልዕሲ ሂወት`ዶ ኣይበልጽን፡ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን ።” ይብል። ልክዕ መጽለልን ዘይምህላው ንላዕሊ ህይወት ሰብ ትኸብር። ህይወት ሰብ ልክዕ ከም ስንቂ እያ ኩሉ ጊዜ እትምግቦን እትሰትዮን ትደሊ ልዕሊ ምንም ነገር ድማ ተስፋ እዩ ዘድልያ። ግናኸ ተስፋ ካበይ`ዩ ዝመጽእ?

ከምዚ ንዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ ህይወቱ ተስፋ ዝሰኣነት ነታ ተስፋ`ውን ሃሰው ዝብላ ዘሎ ካበይ ይረኽባ እዛ ተስፋ? ኣብ ዓለም እቲ እንኮ ተስፋ ክህብን ክምጥውን ዝኽእል እግዚኣብሄር ጥራይ ኣዩ። ተስፋ ሰባት ግዝያዊ ዘቋርጽን ዘይእምኑን እዩ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ተስፋ ግና ከምቲ መንነት እግዚኣብሄር ልክዕ እሙንን ዘልኣለማውን ዘየቋርጽን እዩ።

ስለዚ ኣሕዋት ብዘይ ተስፋ ናብቲ ዝደለኻዮ ነገር ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዛ ከም መልህቕ ኮይና ናብቲ ክትበጽሖ ዘሎካ እተብጽሕ መሳልል፡ ተስፋ እያ። ይኹን እምበር እዛ ተስፋ`ዚኣ ብክርስቶስ የሱስ ንኹሉ ሰብ ተዋሂባ ኣላ፡ ኣብቲ ተስፋ ዝብሃል ዘይብሉ ምድረ በዳ ከም ዝሑል ማይ ኮይና ከተጥልለካ፡ ከተጥልለኪ ተዋሂባትካ/ኪ ኣላ። ነእጋርካ ኣደልዲልካ ክትመርሕ እትኽእል ተስፋ እያ።

ዋላ`ውን ኣብቲ ምድረበዳ፡ ክርስቶስ የሱስ ጎይታ ህይወትና ኮይኑ እንተመሪሑናን ገዚኡና፡ እዛ ተስፋ`ዚኣ ምድራዊት ዘይኮነትሲ ሰማያዊትን ክርስቶሳዊትን ብምዃና ከተሳልየና እያ። ሎሚ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነትን ቦታታትን ኮይንኩም ትሰምዕዎን ትህልው ኢኹም ማናልባት ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ናይ ምድረ በዳ ህይወት ኣብ ፈቀዶ ቤት ማእሰርትታትን ኣብ ኣፋፌት ሞትን ካልእ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታትን ኮይኑ ግና ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፊሊጲዮሲስ ኮይኑ ብጎይታ ተሓጎስ፡ ተስፋ ዘይብሉን ክኸውን ይኽእል እዩ ግና ብጎይታ እንተዘይኮንይኑ ሓጎስን ተስፋን ዝብሃል የለን እሞ፡ እዚ ጎይታ`ዚ ሓጎስካ/ኪ ይኹን።ኣሜን። ጎይታ ምድራዊ ነገርካ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዘልኣለማዊ ነገርካ ልዕሊ ማንም ተስፋ ሂቡካ ኣሎ። እዚ ተስፋ`ዚ ክርስቶሳዊ ሰማያዊ እዩ ዘልኣለማዊ ድማ እዩ። ንዘልኣለም ምስኡ ኣብ ሰማያት ክትነብር እዚ ምድራዊ ሰብና እኳ እንተበስበሰ ካብ ኣምላኽ ናይ ዘልኣለም ቤት ኣላትና። ስለዚ በዚ ተስፋ እዚ ኢና ኣብዚ ተስፋ ዘይብሉ ዓለም ክንዕወት እንኽእል።

ስለዚ ዘልኣለማውን ኣምላኽሳውን ተስፋ ስለዘሎካ ነቲ ዘለኻዮ ኩነታት እንዳ ጠመትካ፡ ብሩኽ ሓወይ ብርኽቲ ሓብተይ ኣብኡ ከም ዘይትተር/ፊን ሓሊፍካ/ኪ ከምእትወጽእን ተረዳእ/ድኢ፡ መጻኢኻ/ኺ ኣብ ኢድ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽካ እምበር ኣብ ኢድካ ኮነ ኣብ ኢድ ካልኦት ውልቀሰባት ኣይኮአነን ዘሎ። ተስፋካ ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ንሱ እሙን እዩ ሓለፋ`ዚ ምድሪ`ዚ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ቤት ኣዳልዩልካ ኣሎ።

ሕጂውን እንተኾነ ኣቱም ኣሕዋተይ ኣብ ጎይታ ገና ተስፋ ኣሎ። ገና ተስፋ ኣሎ!

 “ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ ንኣይውን እመኑ። . . . . . . . . . .ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ዮሃ 14፡1-2”

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.