ፍርሂ ዝደረኾ ህይወት

3ይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክፋላት ዝተፈላለዩ ጠንቂ ድሪኺት ሰባት ርኢና ኣሎና። ንሎሚ ድማ ብፍርሂ ዝድረኽ ህይወት ሰብ፡ ወይ ሰባት ነቲ ዝገብርዎ ነገራት ስለምንታይ ብፍርሂ ተደሪኾም ከም ዝገብርዎ ክንርኢ ኢና። ብመጀመርታ ግን ፍርሂ እንታይ እዩ፧ ካብ ምንታይ ኢና እንፈርህ፧ ስለምንታይ ኢና እንፈርህ፧ ፍርሂ ዝደረኾ ህይወት ሰብ’ከ ከመይ ዝበለ እዩ፧ ዝብል ሕቶታት ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ።

ፍርሂ፦ ዘይጥዑምን ዘይጽቡቕን ስምዒት ኮይኑ ካብ ስግኣተ መጉዳእቲ፡ ቃንዛ፡ ሓደጋን ውድቀትን ዝመጽእ እዩ። ፍርሂ ሓደ ሓያልን ፍልማውን ስምዒት ደቂ ሰባት እዩ። ንኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓደጋ ኮነ ዘይምቹእ ኩነት ድማ መጠንቀቕታ ይህበና። ፍርሂ ከም ናይ ስነ-ኣእምሮ መጽናዕትታት ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ይኽፈል፡ ንሳቶም ድማ ባዮከሚካላውን ስምዒታውን ጽፍሕታት ፍርሂ ይብሃሉ። ባዮከሚካላዊ ጽፍሒ ፍርሂ፡ ነቲ ዝህቦ መልሰ-ግብሪ (response) ኣድማሳዊ እዩ፡ እንተ እቲ ስምዒታዊ ግን ሓደ ውልቀ-ሰብን ካልእ ውልቀ-ሰብን ዝህብዎ መልሰ-ግብሪ ዝተፈላለየ እዩ።

ባዮከሚካላዊ ጽፍሐ ፍርሂ – ኣካላትና ንኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓደ ሓደጋ ምስ ኣቕለበ፡ ዝህቦ ዝተፈልየ መልሰ-ግብሪ እዩ። ብዝተፈላለየ ናይ ኣካልዊ መልሰ-ግብሪ ድማ ይግለጽ፡ ገለ ህርመት ልቢ ይውስኽ፡ ገለ የንቀጥቕጥ የንፈጥፍጥ፡ ደረጃ ኣድሪናሊን ይውስኽን ገለ ድም ይርህጽ፡ ይነብዕ፡ ምዝራብ ይስእን ወዘተረፈ። ብዙሕ እዋን ድማ እዚ ዓይነት ግብረ-መልሲ ብግጠሞ ወይ ህደሞ (fight or flight) ይፍለጥ፡ ማለት ገዛእ ኣካላትና ነቲ ኩነታት ወይ ክገጥሞ ወይ ድማ ካብኡ ከምልጥ ይርአ። ስምዒታዊ ጽፍሐ ፍርሂ ተባሂሉ ዘሎ ግን ናይ ወልቀ-ሰብ መልሰ-ግብሪ ንዝተፈለየ ፍርሂ እዩ። ብዝሓለፍዎ ኩነተ-ኣእምሮ ተደሪኾም ቕልጡፍን ሓባራውን ዝኾነ መደምደምታታት ይህቡን፡ ንሰባት ደጊሞም ክኣምኑ ድማ ኣይክእሉን እዩም። ኣብ ገለ ደረጃ ህይወቶም ሓደ ሰብ ብገለ ዝተፈለየ ነገር እንተደኣ ጎዲእዎም፡ ኩሉ ሰብ ዝጎድኦም ይመስሎም እሞ፡ ምስ ሰባት ዘለዎም ነገራት የወግድዎ።

ቀሊል ንኣብነት ንምጥቓም፡ ሓደ ሓው ቀደም ኣብ ዝነበሮ ቤተክርስትያን ኣብ መሪሕነት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ባእሲ ይርኢ እሞ፡ ብምኽንያት እቲ ዝረኣዮ ባእሲ ድማ ፍርሂ ኣገልገልትን ሕብረት ክርስትያናትን ክፈጥር ይኽእል። በዚ መሰረት ድማ ብሓፈሻዊ ወይ ሓባራዊ ንኩሉ መደምደምታ ክህበሉ ይቀለሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝርኣዮ ነገር እንተሃልዪ ድማ ኩሎም ኣገልገልቲ ክጎድኡኒ እዮም፡ ብዝብል ኣብ ማንም ሰብ እምነት የጉድል። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን ፍርሂ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ እቶም ኣገልገልቲ፡ ንዝኾነ ካልእ ኣገልጋሊ ከየበላሹ ብዝብል ምስምስ ፍርሂ ኣብ ኣገልግሎቶም ከእትዉ ቀሊል እዩ።

እዞም ብፍርሂ ተደሪኾም ዝመላለሱን ነገራቶም ዝገብሩ ሰባት ኩል ግዜ ዘንጸባርቕዎ ነገራት ውጽኢት ፍርሆም እዩ። ማለት ድምር እቲ ዝሓለፍዎ ህይወቶም ኣብ ፍርሂ ስለ ዘእተዎም፡ ድማ ንነገራት ብዓይኒ ፍርሂ እንተ ዘይኮይኑ ብካልእ መሬጼን ክርእይዎ ይሽገሩ እዮም። ብዙሕ እዋን ህይወትና ክንርኢ እንከሎና ፍርሂ ዘይብልና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ኮይኑ ግን ኣብ ገለ ክፋል ህይወትና ፍርሂ ኣሎና። ፍርሂ ኣወንታውን ኣሉታውን ድማ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ህዝብን ከም ሃገርን ግን ብዝሓለፍናዮ ዝተፈላለየ ኩነተ-ኣእምሮ፡ ፍርሂ ዘሎናን ብፍርሂ እንመላለስ ሰባት ምዃንና ርዱእ እዩ። ፍርሂ ብዙሕ መበገሲታት ጠንቒ እዃ እንተሃለዎ፡ ኮይኑ ግን እቶም ቀንዲ ጠንቕታት ፍርሂ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ቀዳማይ፡ ሰባት ብዝሓለፍዎ ኣሰቃቒ ኮነተ-ኣእምሮ ማለት ቱራማቲክ ተምኩሮ (traumatic experience) ዝመጽእ እዩ። ኣሰቓቒ ኩነተ-ኣእምሮ ንሓደ ሰብ ኣካላዊ፡ መንፈሳዊ፡ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣዊ መጉዳእቲ ዝፈጥር ኩነታት እዩ። ከም ውጺኢቱ ድማ እቲ ሰብ ዘይርግኡነት፡ ፍርሂን ጭንቐትን ክስምዖ ይኽእል። ቀሊል ኣብነት ክኾነና። ሓደ ሰብ ኣብ ኩናት ሰብ ክመውት፡ ወይ ውን ክስንክል ምስ ዝርኢ፡ ወይ’ውን ሓንቲ ንእሽተይ ጎርዞ ካብ ኤርትራ ተበጊሳ ብሱዳን ኣቢላ ናብ ሊብያ ክትኣቱ፡ ምስ እትጭወ ወይ ምስ እትዕመጽ ወይ ምስ ትቕተል ወይ ምስ እትእሰር፡ ኣብ ኣእምሩኣ፡ መንፈሳ፡ ስምዒታን ኣካላታን ዝበጽሓ መጉዳእትታት፡ ብድሕሪኡ ንእትረኽቦ ኩሉ ኩነታት ኣጋጣሚታትን እትርእየሉ መሬጼን በቲ ዝበጽሓ መጉዳእቲ እዩ። እዚ ድማ ቱራማ ይብሃል። ከምዚ ዓይነት ዝበጽሖም ሰባት፡ ምናልባት፡ ከመይ ገይሮም ንዝተፈላለዩ ኩነታት መልሰ-ግብሪ (respond) ይህቡ ኣይፈልጡን እዮም ወይ ድማ ኣብ ክሕደት (denial)፡ ማለት ምንም ነገር ከም ዘየጋጠሞም ኮይኖም ይመላለሱ እሞ፡ እቲ ሽግራት ይበኣኣስ። ስለዚ እዞም ከምዚ ዓይነት ሽግራት ፍርሂ ዝበጽሖም ሰባት፡ ናብ ንቡር ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ምርግጋእ ንኽበጽሑ ብዙሕ ሓገዝን ግዜን የድልዮም እዩ።

ቱራማ

ካልኣይ፡ ፍርሂ ብዘይ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ማለት ክትበጽሖ ዘይትክእል ልዕሊ መጠንካን ዓቕምካን ብምምናይን ብምጽባይን ዝመጽእ እዩ። እዚ ዓይነት ፍርሂ ድማ ተኽእሎታት ብስጭት (frustration) ኣዝዩ ዓብዪ እዩ፡ ማለት ነቲ ዝኣመምካዮ ሸቶ ዘይምብጻሕ፡ ንነፍስኻ እንዳ ኣጨነቕካን ሚዛንካ ከየማዕረካን ክትነብር ይገብረካ። ፍርሂ ኩሉ ግዜ ውጽኢት ናይቲ እትጽበዮ ዓወት ዘይኮነስ እትጽበዮ ውድቀት ይኸውን። ዓወት ካብ ምጽባይ፡ ውድቀት ምቑማት ይቀለልካ። ንኣብነት ሓደ ኣማኒ እንተ ደኣ ንጽህንኡ፡ ኣብ ሕቶ ኣትዩ እሞ ድማ እንተተበዲሁ – ማለት ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ተሓቲቱ፡ ፍርሂ ኣብ ድሕሪት ኮይና ትቓጸዎ እያ። ስለምንታይ፧ እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን ክብሩ ከይቕንስን ነቲ ዝነበሮ ክብሪ ንክመልስ ስለ ዘይክእልን፡ ብብዙሓት ንከይጽላእ፡ ንከይባጨወሉ፡ ንከይሕጨጨሉ፡ ንከይሽምጠጥ፡ ስምዒታቱ ንከይጉዳእ፡ ተቀባልነት ንከይስእን፡ ፍቕሪ ብዙሓት ከይጎድሎ፡ ስልጣኑን ዝንኡን ንከይጎድሎ፡ ዓብላልነቱ ንከየጥፍእን ካልእን ስለ ዝፈርህ እዩ።

ዘይተፈጸሙ ተስፋታት

ሳልሳይ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ-ተጽዕኖ ናይ ወለዲ ወይ ማሕበረ-ሰብ ምዕባይ’ውን ሓደ ካልእ ጠንቒ ፍርሂ እዩ። ገለ ገለ ሕብረተ-ሰባትን ወለድን ካብ ኣፍልጦ ወጻኢ ብዝኾነ፡ ንዉልዶምን ንካልኦትን እንዳ ጸቐጡ የዕብዮ እዮም። ከም ውጺኢቱ ድማ ብዙሓት ከም ውጺኢት ናይዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ኣብ ክትረኣየሉ ዘሎካ እዋን፡ ንከይትርአ በቲ ዝዓበኻሉ ፍርሂ ትተሓዝ። ካብ ንእስነትካ ዝጀመረ ፍርሂ፡ ምናልባት ኣብ እዋን ንእስነትካ ዘየድሃብካሉን ዘይፈለጥካዮን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ እዋን ቖልዑ፡ ሓሳባቶም ንከይገልጹ፡ ሱቕ በል! ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣይትእቶ! ኣይትዛረብ! ወዘተ እንዳ ተባህሉ ይጽቅጡ እዮም። ውጺኢት ናይዚ ኣብቲ እዋን እቲ ዘይንርእዮን ዘይነስተውዕሎን እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ብዙሕ ዘጋጥመና ቀሊል ኣብነት ክጠቕስ፡ ገለ ገለ ሰባት ኣብ ቅድሚ ክፍሊ ኣብ ቤት-ትምህርቶም ወይ ድማ ኣብ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩሉ ቦታታት ሓሳባቶም ንምንጋርን ንምግላጽን ዝሽገሩ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ገለ ገለ ሰባት ድማ ምስ ሓደስቲ ሰባት ክላለዩ ኣዝዮም ዝጽገሙ ኣለዉ፡ እዚ ማለት ፍርሂ ማሕበራዊ ርክብን ፍርሂ ክትርአ ዘይምድላይን እዩ። ሓደ ቅቡልን ልሙድን ምኽንያቱ ክኸውን ዝኽእል ድማ፡ ስምዒትን ፍርህን ብቑዕ ኣይኮንኩን (inadequate) ዝብል፡ ሓደ ሰብ ነዚ ዘሎኒ ጸገማት ናይ ህይወተይ ክፈትሖ ኣይክእልን እየ ዝብል እምነት ክህልዎ እንከሎ እዩ።

ማሕበራዊ ጸቕጢ

ራብዓይ ካልእ ድማ ጠንቒ ፍርሂ ውጺኢት ተወርሶ ካብ ሓደ ዘርኢ ናብ ካልእ ዘርኢ (genetic predisposition) ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ገለ ሰባት ንምንታይ ይፈርሁ ኣለዉ ከይፈለጡ በቲ ዝወረስዎ ፍርሂ ምሽት ይብሉ እዮም። እዚ ድማ ወለዶኣዊ ተወሶ ፍርሂ እዩ።

እምበር እዞም ብፍርሂ ተደሪኾምን ተዘዊሮምን ዝመላለሱ ሰባት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዕድላት ተጠቀምቲ ኣይኮኑን እዮም። ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ሓድሽ ወይ’ውን ርእዮሞ ዘይፈልጡ ብድሆ ክወስዱ ኣይክእሉን እዮም። እዃ ደኣ ኣብቲ ውሑስን ተጻብኦታትን ዕንቕፋታትን ዘይገጥሞም ኩነታት፡ ተመቻቺኦም እዮም ኩሉ ነገራቶም ክገብሩ ዝነብሩ። ፍርሂ ናይ ገዛእ ርእስኻ ማሕዩር ካብቲ ኣምላኽ ክትበጽሖን ክትኮኖ ዝመደበልካ ነገር እዩ። ኣንጻር ፍርሂ ድማ በጽዋር እምነትን ፍቕርን ክንገጥሞ ንኽእል ኢና። ሓቐኛ ፍቕሪ፡ ንፍርሂ ተባርራ።

ንኣምላኽ ምፍራህ ብዙሕ በረኸትን ጥቕምን ኣለዎ። መጀመርታ ጥበብን ናብ ኩሉ ምስትውዓልን ሰናይ ልቦናን ይመርሕ (መዝ 111:10)። ዓሻ ጥበብን ትምህርትን ይንዕቕ፡ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ ግን ጥበብ ኣለዎ (ምሳ 1:7)። ፍርሃት ኣምላኽ ናብ ህይወትን ዕረፍትን ሰላምን ዕጋበትን ይወስድ፡ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ድማ እዩ (ምሳ 19:23, 14:26,27)። እቲ ካልእ ዓይነት ፍርሂ ኣብ መጽሓፍ ቕዱስና ተጠቒሱ ዘሎ ግን፡ ኣዕናውን ፍርሂ እዩ፡ መንፈስ ፍርሂ 2ጢሞ 1:7 . . . ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ . . . እዚ መንፈስ’ዚ፡ ፍርሃት ዝመልኦን ዘየድፍርን ካብ ኣምላኽ ዘይኮነ፡ ፍርሂ እዩ። ነዚ ንምስዓር ድማ ኣብ ኣምላኽ ክንእመንን ፍቕሪ ኣምላኽ መሊኡ ክሓድረና ይግባእ።

ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። (1ዮሃ 4:18)። ሓደ እዃ ፍጹም የለን፡ በዚ መሰረት እዩ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኩሉ ግዜ መተባብዒ ዝኾነ ቃል ትብዓት ዝተመልኦ፡ ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ክሳብ ራእይ ዮሃንስ፡ ኣይትፍራህ ዝብል ብዙሕ ቃላት እንረክብ። ንኣብነት፡ ኢሳ 41:10 ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ። መጻኢና እዃ ከየፍርሃና ከምዚ ኢሉና ኣሎ፡ እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ማቴ 10:31።

ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ፍርሂ ዘይምፍራህ ክንምሃር ኣሎና፡ ንሱ ድማ ኣብ ኣምላኽ ምውካል እዩ። በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል። መዝ 56:3፣ መዝ 56:11፣ እዮ 13:15። ካልእ ድማ ብትብዓት ኣብ ኣምላኽ ብምውካል፡ ንፍርህና ምግጣም እዩ። ክርስቶስ የሱስ፡ ኣእዳወይ ሓዝ፡ ምሳኻ ስለዘሎኻ አመስግነካ ኣለኹ ኢልካ፡ ምብጋስ።

እግዚኣብሄር ድማ ክረድኣና እዩ!!

ይቕጽል . . .

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.