ብነገራውነት’ዶ ትድረኽ ትህሉ፧

4ይ ክፋል

ብነገራውነት  (materialism) ዝድረኽ ህይወት ሰባት

እንነብረሉ ዘሎና ዘመን፡ ዘመነ ምዕባለ ተሓሊፉ ኣብ ዘመነ ክንዮ-ምዕባለ (post modernism) ኢና ዘሎና። ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝገልጽ ብዙሕ ነገራትን ክውንነት እዃን እንተሃለው፡ ኣነ ግን ብሓደ ነገር ክገልጾ ፈትየ ኣለኹ፡ ንሱ ድማ ዘመነ-ንዋታውነት ወይ ዘመነ-ነገራውነት ብዝብል እዩ። ብሕጽር ብዝበለ ድማ፡ ሰባት ንገዛእ-ርእሶም ዝመዝኑሉ ሚዛን ብዘለዎም መጠነ ገንዘብ፡ ዘጥረይዎ ንብረት፡ ዝዝውርወን መኪናታት፡ ዝሕዝዎ ናይ ኤሌትሮኒክ ኣቑሑን ዝለብስዎ ክዳንን ካልእ ብዙሕ ዝርዝራትን እዩ። እዚ ነገራውነት ኢልና ገሎጽናዮ ዘሎና ማተሪያሊዝም እምበኣር፡ ጽልውኡ እንታይ እዩ፧ ብኸመይ’ከ ንድሪኽትና ይጸልዎን ይቕይሶን፧ ነቲ እንገብሮ ወይ እነርእዮ ባህሪ ብኸመይ ንውሽጣዊ መንነትና ይጽልዎ ንዝብል ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ነገራውነት (materialism) ተባሂሉ ዘሎ ብዙሕ ትርጉም ክወሃቦ ይኽእል እዩ። እቲ ቀንድን መሰረታውን ትርጉሙ፡ ንብረትን ነገራትን ብምጥራይን ብምውናንን፡ ሓለፋ ኣእምሮኣዊ ብልሓትን ንቕሓትን መንፈሳውነትን ምንፋቑ እዩ። ሰብ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ኣድህቦን ኣቓልቦን ዝህበሉን ልቡ ደድሕሪ ምድራዊ ነገራት ዝኸይድ ምስዝኸውን፡ ክቱር ዊንታ ምድላብ ሃብትን ደድሕሪኡ ምህንዳድን ምስዝህልዎ ብነገራውነት ተታሒዙ ኣሎ። እዞም ነገራት ንህይወት ኣየኽብርዋን፡ ብኸምኡ’ውን ማዕረ ካልኦት ክትስራዕን ክትልካዕን ኣይገብርዋን እዮም። ብሕጽር ዝበለ፡ ነገራውነት ካብቲ ኣምላኽ ማእከላይ ገይሩ ዝሰርዖ፡ ሕብረትን መንፈሳዊ ዝምድናን ኣእምሮኣዊ ብልሓትን ንላዕሊ ንነገራት ምጥራይን ምውናንን ርእስኻ ብእኡ ምልካዕን፡ ኣገዳስን ኣድላይን ገይርካ ምቑጻሩ እዩ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ፡ ዘመንና ካልእ ዝልለየሉ፡ ብ “ነገራዊ ባህሊ” ወይ “ባህሊ ምውናን” እዩ። ንድሌታትካን ውሽጣዊ ሃንቀውታካን ንምርዋይ ነገራት ብምጥራይን ብምውናንን ንገዛእ ርእስኻ ከተዕግብ ምፍታን። ባህሊ ምውናንን ምጥራይን – ነቲ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ዝቃጭል ብቑዕ ኣይኮንኩን ወይ’ውን በሊጾምኒ ዝብል ስምዒት ንምርዋይ፡ ከምኡ’ውን ማዕረ እንዳ ክስቶ ምእንቲ ክኸውን፡ ወይ ገዛእ ርእስኻን ስምዒትካን መምዘኒ ገይርካ ብድንዙዝ-ኣእምሮ (unconsciousley)፡ በቲ ዘሎካ ነገራትን ዘጥረኻዮም ነገራትን፡ መንነትካ ምምዛን እዩ።

materialism

ገንዘብ ዘለዎ፡ መኪና ዘለዎ፡ ወይ ጽቡቕ ገዛ ዘለዎ ምዃን ዋንነት ምህላውን ምድላይን ብመሰረቱ ክፉእ ኣይኮነን። እዃ ደኣ ሰብ ዝያዳ እንተ ረኺቡ ዝያዳ ስለ ዝህብ፡ ዝያዳ ስለዘጽልልን፡ ፍረ ጽድቒ ንምፍራይ ብዙሕ ዕድል ድማ ስለዝረክብ። መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ነገራዊ ሃብቲ ምህላው ዝብሎ ክፋእ ኣይኮነን፡ ከምዚ ዝብል ጥቕሲ ኣሎ . . . ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር። (ዘዳ 8:18)። እግዚኣብሄር ንኣብርሃም፡ ይስሓቕ፡ ያእቆብን ካልኦትን ብብዙሕ ዝዓይነቱ ነገራት ባሪኽዎም እዩ፡ ግን ናይ ህይወቶም መንነትን ክብርን መግለጽን ግን ኣይነበረን። ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡ . . . ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን። (2 ተሰ 3:10)። ስለዚ ሰብ ክሰርሕ ኣለዎ፡ እቲ ዝባርኸሉ ድማ እግዚኣብሄር እዩ። ብዓመጽ ሃብቲ ምእካብን ምድላብን ግን ሓጢኣት ስለዝኾነ ክገብሮ ኣይግብኦን እዩ። ሰብ፡ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ስለዝተፈጥረ፡ እቲ ቀጥታውን ትኹላዊ ዝምድና፡ ካብ ኣምላኽ ዝመንጨወ መንነት ሂብዎ እዩ። ዘፍ 1:26 ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ወሲኹ ድማ ኣብ ዘፍ 1:27, ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።ስለዚ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ማለት ኣብ መንጎ ኣምላኽ፡ ሰብን ነገራዊ ነገራትን ሓደ ስሉሳዊ ዝምድና ገይሩ እዩ። ኩሉ እቲ ደቂ ሰባት ዝረኽብዎ እትዋት ብቀጥታ ካብ እግዚኣብሄር እዮ። ንሱ ገባሪ ኩሉ ስለዝኾነ። ንሱ ፍረ የፍሪ፡ ንሱ ሓይሊ ይህብ፡ ንሱ የብቑል፡ ንሱ ንኩሉ የዝንብ ወዘተ። እዚ ሓቒ’ዚ ምርዳእ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። እዛ ሓቂ እዚኣ ዘይምርዳእ እምበኣር ንሰብ ሚዛኑን ድሪኺቱን መንነቱን ተቐይሮ እያ። ንኩሉ እቲ ብምስሊ እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ እንርእየሉ መነጸር ድማ ሓደ ኣይገብሮን እዩ። ስለዚ መንነትናን እቲ ናይ ውሽጢ ሰላምን እንረክቦን፡ ክስምዓና ዘለዎ ውሕስነትን ምሉእነትን ካብ እግዚኣብሄር እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር ካብ ነገራት ኣይኮነን። እቲ ሰላሙን ውሕስነቱን ነቲ ብኣምላኽ ዘለዎ መንነት ምዃኑ ዝፈለጠ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ተሓጕሱን (ፊሊ 4:10) ንካልኦት ድማ ብጐይታ ንኽሕጎሱ (ፊሊ 4:4) ነጊሩ። ናይ ጳውሎስ መንነት እቲ ብክርስቶስ ዘለዎ መንነት እምበር፡ ነቲ ብነገራት ምጥራይን ምድላብ ሃብትን ዝርከብ መንነት ኣይነበረን። ግን እቲ ገዛእ ርእሱን ንመንነቱን ብነገራውነት ዝመዝንን ዝዕይርን ሰብ ግን ከቶ ክዓግብን ክሕጎስ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህይወቱ ዝገብሮ ኩሉ ብመንነት ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ብመምዘኒ ነገራት ምህላውን ዘይምህላውን ሃብቲ ምጥራይን ዘይምጥራይን ዋንነት ምርካብን ዘይምርካብን ጥራይ’ዩ ዝመዝኖ።

ድሪኺት ምጥራይ ንብረትካ እንታይ እዩ፧

እዞም ብነገራውነት ተደሪኾም ነገራቶም ዝገብሩ ሰባት፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሃንቀውቶምን ሸቶ ናይ ናብሮምን ገለ ነገር ንምርካብ ጥራይ እዩ። እዚ ዓይነት ድሪኺት እዚ ኣብ ሓደ ግጉይ ስነ-ሓሳብ ዝተሞርኾሰ እዩ፡ ንብረት ምህላው ወይ ምጥራይ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣዝዮም ኣገደስቲ፡ ተደለይቲ፡ ዝያዳ መሰልቲ፡ ውሕስነት ዘለዎምን ሕጉሳት ዝኾኑን ስለ ዝመስሎም እዩ። ግን እቲ ሓቂ ንሱ ኣይኮነን። ምህላው ሃብትን ምጥራይ ንብረትን ንግዚኡ ጥራይ እዩ ዘሐጉሰካ። ምኽንያቱ እዞም ነገራት ነቲ ናይ ውሽጢ ነገርና ምላሽ ዝህቡ ኣይኮኑን። እዃ ደኣ ቀልጢፍና ብዘጥረናዮ ነገራት ተሰላሺና፡ ካልእ ሓድሽን ዝዓበየን ዝማዕበለ ነገር ኣብ ምድላይ ሃሰው ኢና እንብል። እዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋል ዓለምና ዘሎ እዩ፡ ምናልባት ብጽልዋ መራኸቢ-ብዙሓንን ዝተፈላለዩ ኣብ ገበር መጽሄታት እንርእዮም ምልኩዓትን ጽቡቓትን ብነገራውነት ዝተዓለሱን ሰባት ክኸውን ይኽእል እዮ።  ገለ ነገር ምስ ኣጥረኹ ዝያዳ ኣገዳሲ ሰብ ክኸውን እየ፡ እዝን እትን ምስ ገበርኹ ኣብ ማሕበረሰበይ ዝዓበየ ቦታ ክህልወኒ እዩ ዝብል ብዙሕ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ግን ነብሰ-ክብርን ውህሉል ሃብትን ግን ሓደ ኣይኮኑን፡ ምኽንያቱ ዋጋ ገዛእ ርእስና ብዘሎና ንብረትን ገንዘብን ኣይኮነን ዝምዘን፡ እግዚኣብሄር ‘ውን ዋጋ ህይወት ሰብ ብዘለዎ ነገራዊ ሃብቲ ዘይኮነስ ብዋጋ ደም የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝመዝኖ። እዚ ግጉይ ስነ-ሓሳብ ብዛዕባ ገንዘብ፡ ብዙሕ ገንዘብ እንተደኣ ሃልዩኒ፡ ዝበለጸ ውሕስነት ይህልወኒ ዝብል እዩ። ግን ኣይኮነን። ልክዕ እዩ፡ ሰብ ክሰርሕን ከጥርን ሓጢኣት ኣይኮነን፡ ይኹን እምበር ንብረትን ሃብትን ብዘይ ሓሰብናዮን ብዘይ ወጠንናዮን ረቛሒታት ከም ንቅጽበት ካብ ቅድሚ ዓይንና ክጠፍእን ክስወርን ይከኣል እዩ። ከምዘይነበረ ድማ ይኽውን። እቲ ናይ ሓቂ ውሕስነት እሞ ብጭራሽ ካባና ክውሰድ ዘይክእልን ግን እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎና ሕብረትን ብእኡ ዘሎና መንነትን እዩ።

እቲ ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ማለት ኣምላኽ፡ ሰብን ነገራት ዘሎ ዝምድና ኣዝዪ ኣዝዪ ኣገዳሲ እዩ። ሓንሳብ እንተ ደኣ ኣንፈቱ ስሒቱ፡ ብቀሊሉ ናይ ህይወትና ዓላማ፡ መንነት፡ ክብርታት፡ እንታይነትን ሃቀናታትን ብቀሊሉ እዩ ዝቕምስል። ከም ውጽኢቱ ድማ ህይወት ሰብ፡ ሚዛኑ ስሒቱ፡ ነቲ ዝገብሮ ነገራት ካብ ካልኦት ናእዳ፡ ሞጎስ፡ ክብሪ ንኽረኽበሉ ኢሉ እዩ ዝገብሮ። ብኣዒንቲ ካልኦት፡ ንዘይበጻናዮም ደረጃታት፡ ከምዝበጻሕናዮም ኣምሲልና እንዳኣርኣናን፡ ናይ ምምሳል ናብራ ንኽንነብር ይገብረና። ምኽንያት ናይዚ ድማ ነቲ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣጠማምታ ትሑት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብኡ ብዘይ ንእስ ድማ ኣብ ናይ ውድድር ህይወት የእትወና። ምስ ካልኦት ኣብ ዘይፈልጦ ወጥርን መዋጥርን ይሽመና። መንነትናን ክብርናን ብኣምላኽ ምዃኑ ስሒትና ንነብር። ኣብ ናይ ውድድር ህይወት ምእታው ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይመስለንን። ከም ኣመንቲ ድማ ኣብ ናይ ውድድር ህይወት ምእታው ዓለማውነት’ዩ። ተወዳዳሪ ህይወት ምህላው ማለት ድማ፡ ካልኦት ክበልጹካን ክዓብዩኻን ዘይምድላይ። ምዕባዮምን ምብላጾምን፡ ኣብ ክንዲ ዘሐጉሰካን ንኣምላኽ ከይተመስግንን ዝገብረካ፡ ዝያዳ ቅንኢ የሕድረልካ። ብዘይካኻ ካልእ በሊጹ ክርአ ስለ ዘይትደሊ ድማ ናይ ፍርሂ ህይወት ክትነብር ይገብረካ። ብምኽንያት እዚ ድማ ህይወት ትርጉም ስኢና፡ ነቲ ሓደ እንከይሓዝካ፡ ነቲ ሓደ ድማ እንከይገደፈ፡ ሓዲገ-መዲግ ኮይኑ፡ ህይወት ተመናቲዋ ትቕጽል። እዚ ድማ ዓላማ ናይቲ ዝተፈጠርካሉ ህይወት ኣስሒቱ፡ ንካልኦት ሰባት ክትመስልን ከተርክብ ክትመጣጠርን ትነብር። ብዓቢኡ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ኮይኑካ ትነብር።

identity crisis

ነገራውነት ናቱ መንነት ይፈጥረልካ’ዩ፡ ካበየናይ ደረጃን ወገንን ሕብረተ-ሰብ ምዃንካ፡ ኣየናይ ዓይነት ናይ ናብራ መሳልል ከምዘሎካ ትገልጽ። እቲ እትሕዞን እትጥቀሙሉን ንብረት ጃህራዊ ወይ ዝያዳዊ ቦታ ብምሃብ ካብ ባጫን ውርደትን ካልኦት ከምዘምለጥካ ስምዒት ይፈጥር። ብመሰረቱ’ውን እቲ ስምዒት ካብ ርእሰ-ምትሓት ዝመንጨወ እዩ። እዚ ርቡጽ ናይ ህንጡይነት መንነትካ ምድላይ፡ ንሰባት ካብ ምስ ኣምላኽ ጥብቖ ምህላው ኣርሒቑ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ኣብ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልእን ንክፈጥሩ ይገብሮም።

ምስ ምምጻእ ስልጣኔ ኣብ ዓለም ብዙሕ ኣገረምቲ ነገራት እዃ እንተተቀልቀሉ፡ ብኣንጻሩ ድማ ብዙሕ ምቕዋስ ናይ መንነት ኣምጺኡ እዩ። ሎሚ ሰብ መንነቱ በቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ዝሃቦ፡ ውሕስነትን ተቀባልነትን ኣይኮነን ዝልኽዖ። ብገንዘቡን ብንብረቱን ወይ ድማ እንዳ ኹስቶ እኮ ኢና፡ ሰይቲ/ሰብኣይ ኹስቶ እኮ እዩ/ያ እንዳተባህለ፡ በቲ ዘለዎ ዘይዓግብ ዊንታን ሃቀናን፡ ከምኡ`ውን መንነት ዝህቦ ዝመስሎ ነገራውነት ህይወቱ ይመዝን። ይመስለኒ ድማ፡ ልባትና ነታ ሎሚ ዝወጸት ሓዳስ ሞዴልን ፋሽንን ዝኾነት ዘመናዊት ሳምሳንግ ወይ ኣይ-ፎን ወይ ኣፕል ኮምፒተር ከይረከበ ዘይይዓርፍ፡ እተዋዕውዕን ብኣሽሓት ዝዋግኣ መኪና ክገዝእ ዝህንደድ፡ ኣዝዩ ዓቢ ገዛ፡ ብሉጽ ነገራት፡ ገፋሕቲ ውራያት፡ ንዑ ርኣዩለይ መርቑለይ ዘብሉ ኣከዳድናታትን ካልእን፡ እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኮይኑ ግን ብድሕሪት ዝደፍእ ካልእ ሓይሊ ናይ ንዋታውነት ወይ ነገራውነት እዩ። ካብ መን’ዶ ንኢሰ እየ፡ ካልኦት እንተሃልይዎ ንምንታይ ዘይህልወኒ ዝብል ድሪኺት፡ ብዘካዕበትካዮ ንብረት ድሪኺት ህይወትካ እንኽኽውን ማለት እዩ። እዚ ድማ መንነታዊ ቀውሲ እዩ። (ኣብዚ ኣስሚረሉ ክሓልፍ ዝደሊ፡ ጽቡቕ ዘመናዊ ዝኾነ ነገር ኣይሃልወና ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። የግዳስ እንውንኖ ነገራት መምዘኒ መንነትናን ድሪኺት ተግባርናን ኮይኑ ከይህሉ ንጠንቐቀሉ እየ ዝብል ዘለኹ።)

ኣብ ሉቃ 12:15 ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። ኣብ መእተዊ እዚ ጥቕሲ’ዚ፡ ብዛዕባ ምምቃል ርስትን ዘለዎ ዋንነትን እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ጐይታ የሱስ ዝምልሰሉ ዘሎ መልሲ ድማ ህይወት ብገንዘብ ኣይትምዘንን፡ መንነትን ዓላማን ናይ ወሽጢ ድሪኺትን ብገንዘብ ምምጻእ ኣይልወጥን እዩ፡ ዝብሎ እዩ። ጐይታ ብዛዕባ ገንዘብ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ፡ ብዛዕባ ድሪኺትን ሃቀናን እዩ። ስለዚ ነገራውነት፡ መልሰ ግብሪ ናይ ድሪኺትናን ባህሪያትናን ውሽጥናን እዩ (መክ 5:10፣ 12:13)። ክሳድና ተወጢሩ ኣብዘይንወጾ ኣዘቕቲ ኣቲና፡ ንካልኦት ክንመስል ክንወዳደር ኢልና ናይ ሓቒ መንነትናን ክብርናን ዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ዓላማ ካብ ምፍጻም ክንተርፍ ኣይግብኣናን። ከምቲ ኣብርሃም ንበረኸት ዝተጸውዐ ከምኡ ድማ ንሕና ንካልኦት ንበረኸት ክንከውን ኢና ተጸዊዕና (ዘፍ 12:1-3)። ከም ክርስትያናት፡ ጥሪትን ንብረትን ኣይመዝነናን እዩ፡ ደራኺ ሓይልን ደፋኢ ባህሪና’ውን ክኸውን ኣይግብኦን። ናይ ሓቂ መንነትናን ደፋኢ ሓይልናን ድማ እቲ ብምስልን መልኽዕን ኣምላኽ ዝተቀበልናዮ መንነት እግዚኣብሄር እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣምላኽ ብኽብሩ ዘኽበረና ሰባት ኢና። እቲ ዘሎና ዋንነት ግን ንገዛእ ርእስና ክብሪ እንእክበሉ ዘይኮነስ፡ ንኣምላኽ እነኽብረሉን ንኻልኦት ድማ እንባርኸሉ እዩ።

ይቅጽል

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.