ብሓደ ምዃን

ንክፉእ ሓደ ይኽወን እዩ፡

ንኣምላኽ ዕዮኡ ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ ዝፍጸም ኮይኑ ግና እቲ ቀንዲን ሓደን ዕዮ ኣምላኽ ዝፍጸመሉ መገዲ ብመገዲ ሓድነት ወይ ሓደ ምዃን እዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ንሳ እታ ክርስቶስ የሱስ ሓሳቡ ዘንበረላ ማሕበሩ እያ።  ኣብ ኤፌ 1፡23 “ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲብሓደ ምዃን

ዅሉ ኣብ ኵሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።” ንሳ እታ ስጋኡን ኣካላኡን ዝኾነት ማሕበሩ ይብል። ስለዚ እግዚኣብሄር ንዕዮኡ ብማሕበሩ ዝኾነት ኣካሉ እዩ ዝፍጽሞ፡ እዚ ኣካል ድማ እቶም ድምር ውልቀ ሰባት ዝኾኑ ብዙሓት ምእመን እዮም። ንሕና ቅድም ርሑቓት ዝነበርና ሎሚ ብእኡ ምቅራብ ምስ ረኸብና፡ ናብ መንግስቲ ፍቁር ወዱ ካብ መንግስቲ ጸልማት ተሳጊርና ኢና። በዚ ድማ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ስድራ ቤት ኣምላኽ ኮንና ኣሎና። እዛ ስድራ ቤት ኣምላኽ ብፍቅርን ሓድነትን ኣሕዋት እያ እትልለን እትዓይይን። ንሕና ብባህሪና ፍሉያት ዝነበርና፡ ሎሚ ግና ናብ ስድራ ቤት የእትዩ፡ ኣሕዋት ገይሩና። ኣብ ስድራቤት ምስ ኣተኻ ግና ዝተፈላለየ ባህሪ ብርግጽ ኣሎ። ከምቲ ከብዲ ወልዲት ጉራምራ ዝብሃል፡ ሓደን ተፈታውን ምቁር ዝባህሪያቱ ሓደን ድማ እሾክ ኮታ ከቕርበካ ዘይኽእልን እዩ። ግና ኣደ ነዞም ኩሎም ደቃስ ከምቲ ቕንፍዝ ዝበለቶ፡ ከከም ባህሪያቶም ይሕዞም ዝበለቶ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከከም ባህሪያትና ክንነብር ፈጺሙ ኣይምህረናን እዩ። ካብቲ ዝተፈላለየ ዝመጻእናሉ መንገድታት ድሕረ ባይታታትን እንጽሎን እንድረኽን ከምዝኾንና መጠን፡ ኣዚና በቲ ዝሓለፈ ህይወትና ተጸለውቲ ኢና። ግና ከም መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና፡ ንሕና ብመሰረቱ ናብቲ ምሉእ ዝኾነ ባህሪያት ክርስቶስ ክንኣቱ እዩ መጽሓፍ ቕዱስና ዝምብረና። መለለይ ስድራቤት ግና ሓድነትን ፍቅርን እዩ።

1.      ሓድነት፡ ሓድነት ሓደ ባህሪ ስድራቤት እዩ፡ ግና ኣመንቲ ብኣምላኽን ብክርስቶስን ዝኾነ ሓድነት ኣሎና። በዚ መሰረት ድማ ክርስቶስ ከም ናይ ኣቦን ኣደን ሓድነት ክህልወና ዝደልየና። ሕብረትና ከም የሕዋት ኩሉ ግዜ ክልተ ዓይነት ሕብረት ክህልወና ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ምስ ኣቦን ወድን ህብረት ክህልወና ኣለዎ፡ (1ዮሃ 1፡3)። እዚ ዝገህድን ኵን ዝከውንን፡፡ ከምቲ ኣብ መዝ.133፡ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ንሓድሕድና ንዘሎና ሕብረት እቲ ኣምላኽ ብምኽንያት  ሓድነትናን ሕብረትናን ንዝኣዘዞ በረኸት ክንወርስን ኣብ ንሓድሕድና ከነስተብህል ይገብረና። ካልኣይ ሕብረትን ክኸውን ዘለዎ ኣብ ንሓድሕድና እምበር ምስ ዓለም ኮነ ምስ ካልእ ሕብረት ክህልወና መንፈስ ቅዱስ ይነግረና። ኣብ ንሓድሕድና ዘሎ ሕብረት ብምውህሃድን ብምቅብባልን ዝመጽእን ዝዓብን ኣዩ። እዚ ሕብረት እዚ ናብ ሓድሕነት ክዓብይ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። ሃድነት እቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎ ሕብረት ፍጽምና ዘለዎ ውህደት ምስ ዝኸውን እዩ፡ (ዮሃ 17፡22-23)። እዚ ሓድነት እዚ ጳውሎስ ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብን ብምዃንን፡ ብፍቅሪ ብምህላውን ብሓንቲ ነፍሲ ዃንኩም ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። እምበኣር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ክርስትያናት ኣሕዋት ዝኣወጆ ሓድነት እዚ እዩ። (/// 2፡2)። ብርግጽ ብዙሓት (deverse) ኢና፡ ግና ኣብ ብዙሕነት ሃድነት ኣሎና (unity in diversity) ኣብ ሓደ ኣካል (ስጋ) ብምህላውና ሓድነትን ምሉእ ምውህሃድ ክህልወና ግድን እዩ፡ (ሮሜ 12፡5)

2.     ፍቕሪ፡ ፍቕሪ እቲ ካልኣይ ኣብ መንጎና ብኣምላኽ ዝተዋህበናን መለለይናን እዩ። ሓደ ንምዃን ፍቕሪ የድሊ እዚ ፍቕሪ እዚ ኣምላኽ ስለ ዘፍቀረና ንኹሉ ነፍቅር (ዮሃ 3፡15)። ፍቕሪ ቀንዲ መገዲ ሃድነት እዩ ኣምላክ ፍቅሪ ኣዩ፡ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ፍቕሪ ድማ ንካልኦት ነማቕሎን ብእኡ ነፍቅሮምን። እዚ ፍቕሪ እዚ ንክርስቶስ ክሳብ መስቀል ዝወሰዶ እዩ። እዚ ፍቕሪ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ ድማ ንሓድነትና ነጥበ መቐይሮን ተግባራውን እንገብረሉ መገዲ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ምስ ገለጸልና መደምደምታ ፍቕሪ ኣምላኽ ድማ ፍቕሪ ንኹሉ ሰብ እዩ፡ (1ዮሃ 3፡11, 2ጴጥ 1፡7)

ስለዚ ሎሚ ምስጢር ሓድነትና እቲ ብክርስቶስ ዝተኸፍለልና ዋጋ ደኣ እምበር ሓደ ንምዃን እንገብሮ ቃልሲ ኣይኮነን። ሓድነትና ነቲ ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ሃድነትን ዋጋ ክርስቶስ የሱስ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና እዩ። ብክርስቶስ ሓደ ኢና፡ እምበር ሓደ ክንከውን ኣይኮንናን እንጽዕር። ቅደም ርሑቓት ዝነበርና ብደሙ ምቕራብ ስለ ዝረኸብና ስድራቤቱን ኣካሉን ኮይንና ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ልብና ፈሲሱን ተስፋ ኣምላኽ ኣባና ዘየሕፍርን እዩ።

ነዚ ሓድነትን ፍቕርን ግዳ እንተ ነስተውዕሎ!!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.