ስለምንታይ ጐይታ መጺኡ፧

እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። (እብ 2፡14-15)

እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣብዚ እዋን ልደት፡ እታ ናይ ሓቂ ዝበለጸትን መግለጽን ምኽንያት ምምጻእ ጐይታን እያ። ምናልባት ካልኦት ጥቕስታት ዝያዳ ክገልጽ ዝኽእልን ኣዝዩ ምኽንያታዊ መርትዖ ዘለዎ ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ሓንቲ ጥቕሲ ዝተጠቕለለ ሓሳባት፣ ካብቲ መጀመርታን ቀንድን ዓላማ ምምጻእ ጐይታን ክሳብ እቲ ናይ መጨረሽታን መደምደምታን ኩሉ ምድራዊ ህይወት እትገልጽ እያ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ስጋ ለቢሱ ሰብ ምዃንን (incarnation) ክሳብ ስቕለተ ክርስቶስ  (crucifixion) እትገልጽ እያ። እዘን  ክልተ ጥቕስታት ኣዝዩ ንጹርን ጽቡቕን ስእሊ ኣሎ፡ ነቲ – ንምንታይ የሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ምምጻእ ኣድለየ ዝብል፧ ሕቶታት ዝምልሳ ድማ እየን። ብርግጽ ሰብ ምዃን ዘድለየሉ፡ ምእንታናን ምእንቲ ሓጢኣትናን ምእንቲ ክመውት እዩ። ግና ምስ ገለ ዘይኣመንቲ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ከነዕልል እንከሎና፡ ንጹር ስእሊ ንምሃብ ምእንቲ ክሕግዘና፣ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ደረጃ ምርዳእ ክርስትና ክጠቕመናን ድማ ምሉእ ምስሊ ክርስትናን ልደት ጐይታን ክህበና ኣሎና። ነዘን ጥቕስታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት መቃቂልና እስኪ ሓረግ ብሓረግ፡ በዚ ህየሳዊ መገዲ ንርኣየን:

“. . . እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡  . . . ”

እዛ እቶም “ዉሉድ” እትብል ስያመ፡ ካብተን ኣቀዲመት ዝተጠቕሳ ጥቕስታት ዝረዓመት ኮይና፡ ነቶም መንፈሳዊያን ዉሉድ ክርስቶስ፣ ማለት መሲሕ እትገልጽ እያ (ኣብ ኢሳ 8፡18, 53፡10 ምርኣይ ይከኣል)። እዞም ዉሉድ እዚኣቶም ብካልእ ‘ውን “ዉሉድ ኣምላኽ” (ዮሃ 1፡12) ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። ብካልእ ቃላት፡ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብምልኣኽ፣ እግዚኣብሄር፡ ምድሓን ኩሎም “ዉሉዱ” ኣብቲ ቀንዲ ዓላምኡ ምንባሩ የርኢ ኣሎ።

ብልኽዕ ሓቂ እዩ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ ዝብሎ፡ “. . . ንወዱ [የሱስ ክርስቶስ] በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዝብል ኣብ  (ዮሃ 3፡16)። ከምኡ ድማ ብልኽዕ ሓቂ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንደቂ ምእንቲ ኪእክቦም’ውን እዩ – ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን።” (ዮሃ 11፡52)። ስለዚ ዓለማን ትልምን ኣምላኽ እምበኣር፡ ንወዱ ክርስቶስ መስዋእቲ ምእንቲ ዓለም ብምግባር፡ ንምድሓን ኩሎም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ምኽንያት ምድሓን ዝገበሮ (ኣብ 1ጢሞ 4፡10 ምርኣይ ይከኣል)። ስለዚ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ብምቕባል፡ ነቲ ናይ ምርዓም ዉልድነት ኣምላኽ (adoption by receiving Christ) ተቐባሊ ትኸውን ማለት እዩ (ዮሃ 1፡12)።

“ . . . ንሱውን ብእኡ [ብደምን ብስጋን] ሐበሮም።

እዚ ማለት ክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ብስጋ ምምጽኡ – ህላዌኡ ዘልኣለማዊ ምዃኑ ሓደ መረጋገጺ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ብስጋ ኮይኑ መጺኡ እምበር፡ ቅድሚኡስ ህያው ናይ ዘልኣለም ኣምላኽ እዩ። ንሱ መንፈስ እዩ። ንሱ ናይ ዘልኣለም ቃል ሓቂ እዩ። ንሱ (እቲ ቃል) ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ ኣምላኽ’ውን ነበረ (ዮሃ 1፡1, ቆሎ 2፡9)። ግና ንሱ፡ እቲ ቃል ስጋን ደምን ወሲዱ፡ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ንኩሉ ምልኣት መለኮት፡ ኣብ ሓደ ኣካል ኣሕደሮ። ሰብ’ውን መሰለ (ፊሊ 2፡7)። ብኩሉ ድማ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ፍጹም ሰብ፣ ፍጹም ኣምላኽ ኮነ። እዚ ነገር እዚ ብኣዝዩ ብዙሕ መገዲ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ምስጢር እዩ። እዚ ድማ ማእከልን ሕመረት ልቢ እምነት ክርስትናን – ከምኡ’ውን ቀንዲ ምህሮ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ።

“ . . . ብሞቱ  . . . ”

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነሉ፡ ምእንቲ ክመውት እዩ። ብቀሊሉ፡ ንጹህን ቅዱስን ኣምላኽ ምእንቲ ዓመጽትን ሓጥኣንን ክመውት ኣይክእልን እዩ። እቲ ምንታይ፡ ንሱ ምንም ሓንቲ ሓጢኣት እዃ ስለዘይተረኽቦ። ግና ከም ሰብ እንተኮይኑን፡ ሰብ መሲሉ እንተተረኺቡን፡ ግና ምእንቲ ደቂ-ሰባት ክመውት ይኽእል እዩ። ቀንዲ ዓላማ ምምጻእ ጐይታ፡ ንኽመውት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፣ ሰብ ኮይኑ ክውለድ ብግዲ ኣድለየ። ስለዚ፡ ሰብ ኮይኑ ካብ ድንግል ተወለደ። እቲ ምስጢር እምበኣር፡ ምላድ ጐይታ ሓደን እንኮን ዓላማ መስዋእትነቱን ስቕለቱን እዩ። ምላድ ጐይታ ከም ሰብ ኮይኑ እንተዘይነብር፡ ምስቃል ጐይታ ኣብ ዓርቢ-ስቕለት ኣይምሃለወን። በዚ ምኽንያት ሎሚ፡ ኩሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዘይኣምን ሰብ፡ ብዛዕባ ዓላማ ምላድ ጐይታ (በዓል-ልደት) ክሰምዕን ክፈልጥን ዘለዎ።

ምላድ ጐይታ ሓደን እንኮን ዓላማ መስዋእትነቱን ስቕለቱን እዩ

“ . . . ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ . . . ”

ብሞቱ ድማ፣ ክርስቶስ ንኩሉ ኣጽዋር ሰይጣን ገፊፉ፡ ብግልጺ ኣስተሓፈሮ። ብኸመይ፧ ንኩሉ ሓጢኣትና ምሕረት ብምርካብ ብሕድገት ሓጢኣትን ምኽዳን ኩሉ ሓጢኣትና ኮነ። እዚ ማለት ሰይጣን ብዛዕባ ሓጢኣትና ንክኸሰና፡ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ወይ ድማ መሰላዊ ባይታ የብሉን።  ሓጢኣት እንተገይሮም ግና ባይታ ክሲ ይረክብ እዩ። “ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ።” (ሮሜ 8፡33) – ግና በየናይ ባይታ እዮም ጸዲቖም፧ በቲ ዝፈሰሰ ደም ጐይታ የሱስ ክርስቶስ (ሮሜ 5፡9)።

ሰይጣን እቲ ቀንዲ ኣንጻርና ንክስለፍ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣጽዋር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ሓጢኣት እዩ። ግና እንተደኣ ሞት ጐይታ ንኩሉ ሓጢኣትና ወሲድዎ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ቀንድን ዋናን ኣጽዋር ሰይጣን – እቲ እንኮን ቀታልን ኣጽዋሩ – ካብ ኢዱ ተመንዚዑን ተመንጢሉን ተወሲዱን እዩ። ስለዚ ሰይጣን ዝኾነ ናይ ሓጢኣት ክሲ ከሲሱ፡ ንዝኾነ ናይ ሞት ፍርዲ ክውስን ኣይክእልን እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ፈራዲ ባዕሉ ብሞት ሓደ ወዱ፡ ንኹሉ ሰብ ናይ ዘልኣለም ሓርነትን ምድሓንን ፈሪዱሉን ኣዊጅሉን ስለዝኾነ።

“ . . . ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ . . .

ስለዚ፡ ካብ ፍርሃት ሞት ብፍጹም ነጻ ኢና። እግዚኣብሄር እዩ ዘጽድቀና፡ ንሱ ድማ እዩ ዝዂንን (ሮሜ 8፡1)። ሰይጣን፡ ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ድላይን ፍቓድን ብፍጹም ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወትና ብዘይካ እግዚኣብሄር፡ ነዚ እንኮን ናይ መጨረሻ ወሳንን ዋሕስን ህይወት የብልናን። ንሱ፡ ገባርን ፈጣንን፡ ንኣሻቡ ህይወት ሰባት ክልውጥ ዝኽእልን እዩ። እዚ ማለት ድማ ብምድሓኑ ናይ መጨረሽታ ዕረፍትን ሰላም፡ ምስ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ህይወትና ድማ ብሓርነትን ብምንጋፍን – ካብ ናይ ሓጢኣት ባርነት፡ ካብ ዘይንጹር መጻኢ ዝተመልአ ህይወትን፡ ፍርህን መድሓኒ እዩ።

እንተደኣ ነቲ ዝዓበየን ናይ መወዳእታ ጸላኢና ዝኾነ፡ ሞት፡ ፍርሁ እንተዘይብልና፣ ካልእ ዝኾነ ነገር ከፍርሃና ኣይክእል እዩ። ምኽንያቱ ንዝኾነ ሰብ ኣብ ዓለም እቲ ቀንዲ ዘፍርሆ ነገር ከይመውት እዩ። ሞት እንተዘይፈሪህካ፡ ካልእ ዘፍርሃካ ነገር የለን። ስለዚ ድማ እቲ ሞት ዘይፈርህ፡ ኩሉ ግዜ ናይ ሓርነትን ነጻነትን ህይወት ዘለዎ ሰብ እዩ። ሓርነት ናይ ሓጎስ ህይወት ኣለዎ። ሓርነት ምስ ካልኦት ናይ ሰላም ህይወት ኣለዎ። ኮታ ኣብ ኩሉ ነገሩ ሓርነት ኣለዎ።

ዋው! ክንደይ ኮን ግሩምን ዓብዩን ህያብ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምኽንያት በዓል-ልደት ተዋህበና። እዚ ህያብ ካብ እግዚኣብሄር ንንኣምን ተዋህበ። ንሕና እቶም እንኣምን ድማ ንኩሉ ዓለም እንህቦ ህያብ፡ እዚ እዩ። “እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።” (እብ 2፡14-15)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply