ቃል ኣምላኽ፣ ጌጋ-ኣልቦ

ጉልሻ፣ ሓደ ሰለስተ እግሪ ዘለዎ፣ ንመብሰልን ሓዊ መእጎድን እንጥቀመሉ ኣቕሓ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ መርዓታት መስርሒ ጸብሒ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሓዊ ንኽእጎድ ሓጋዚ ኣቕሓ እዩ። ግና ጉልሻ፡ ሰለስተ እግሪ ስለዘለዋ፡ ሓንቲ ካብተን ኣእጋራ እንተተሰይራን ሓንኪሳን፣ እታ ጉልሻ ደው ክትብል ኣይትኽእልን እያ። ብዘይካ ክትወድቕን ክትሩኹመሽን ድማ ካልእ ዕጻ የብላን። እምነት ክርስትና ድማ ልክዕ ከምዘን ሰለስተ ኣእጋር ጉልሻ ዝኾና መሰረታዊ ድልዱል፡ ሰረተ ቃል ኣምላኽ ኣለዎ። ኣገዳሲ መሰረት ድማ እዩ። ሓንቲ ካብተን ኣእጋሩ እንተዘየላ ድማ ጽኑዕን ድልዱልን ኣይከውንን እዩ። ኣብ ክርስትና፣ ምስ ቃል-ኣምላኽ ብዝምልከት (ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ጥራይ  ንዛረብ ስለዘሎና እዩ) ክህሉ ዘለዎ ሰለስተ ኣእጋር ጉልሻ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣ ናይ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተንፍሶ-እግዚ (inspiration)ዘይተሰዓርነትን (infallibility)ጌጋ-ኣልቦነት (inerrancy) እዮም።  እንተደኣ ሓንቲ ካብዘን ዝበልናየን ተኣልያ፡ ምሉእነትን መለኮታውነትን ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ሕቶ ኣትዩ ይሕንክስ እዩ። እዘን ሰለስተ ኣብ ንሓድሕደን ተመላላእቲ እየን። ሓንቲ ካብታ ሓንቲ ኣይትንእስን ኣይትጎድልን ድማ፣ ምኽንያቱ ናይ እግዚኣብሄር ባህሪ (nature) ኣብኡ ስለዘሎ። እዘን ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ብከምዚ ክንገልጸን ንኽእል ኢና፦

ኣምላኽ-ዜስተንፈሶ ቃል ኣምላኽ (Inspiration) – እዛ ቀዳመይቲ እግሪ ናይታ ጉልሻ ምስ መበቆልምንጭን ናይ ቃል-ኣምላኽ እትተኣሳሰር እያ። ቃል-ኣምላኽ ድማ ካብ እስትንፋሰ እግዚኣብሄር ዝመንጨወን ዝወጸን እዩ። እቲ ቃል ብዘሎ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ዝነፈሶ እዩ። ብርግጽ ሰባት እዮም ጽሒፈሞ፣ እዃ ደኣ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ከባቢ 1500 ዓመታት። ዝተፈላለዩ፡ ዝተፈላለየ ዕዮ፡ ተመኩሮ፡ ሞያ፡ ትምህርቲ፡ ደረጃ ህይወት፡ ነገስታት፡ ጓሶት፡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሓካይም . . . ወዘተ፣ ኮታ ብኩሉ ዝተፈላለዩ እዮም። ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓደ ዝሓሳቡ፡ ሓደ ዝዓላምኡ መለኮት ዝኾነ ቃል ኣጽሒፍዎም። ብፍቃድ ሰብ ኣይኮነን። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሰብ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ልምዲ፡ ኣጸሓሕፋ ቅዲ፡ ስነ-ጽሑፍ ካልእ ካልእን ብምጥቃም ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሖምን ተደሪኾምን ቅዱሳን ሰባት ዝጸሓፍዎ እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ (ቃል ብቃል “ኣምላኽ-ዜስተንፈሶ” ዘለዎ) ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2ጢሞ 3:16-17)

ዘይተሰዓርነት ቃል ኣምላኽ (Infallibility) – እታ ካልኣይቲ እግሪ ናይታ ጉልሻ ድማ ዘይተሰዓርነትን ዘይተጸዓድነትን ቃል ኣምላኽ እዩ። እዚ ንስልጣንምጽናዕ ኩሉ ፍጥረትን ናይ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝገልጽ። ብርግጽ ቃል-ኣምላኽ ንኩሉ ፍጥረት ብሓይሊ ቃሉ ኣጽኒዑ ሒዝዎ ኣሎ። እዚ ክንብል እንከሎና፣ ዘይሰዓር፡ ዘይወድቕ ማለት እዩ። ስለዚ ቃል ኣምላኽ ዘልኣለማውን ጸኒዑ ስልጣኑን መንነቱን ከየጉደለ ንዘልኣለም ይነብር ማለት እዩ። ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ፡ ኩሉ ከም ሳዕሪ ክቕምስልን ክጠፍእን እዩ ኢሉ ኣሎ፣ “. . . ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1ጴጥ 1:23-25)። ስለዚ ስልጣኑ ኣይደክምን ወይ ምስ ግዜ መንነቱ ኣይጠፍእን ኣይልወጥን እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ’ውን ነዚ ኣጸጋሚ ኩነት ክምልስ እንከሎ ከምዚ ኢሉ፣ “. . . ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡” (ዮሃ 10:34-35)። ኣብ ካልእ ጽሑፍ’ውን “ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡. . .” (ማቴ 5:18)። እዚ ንዘይተሰዓርነትን ስልጣንን መጽሓፍ ቅዱስ የርእየና።

ጌጋ-ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ (Inerrancy) – እታ ሳልሰይቲ እግሪ ናይታ ጉልሻ ድማ ጌጋ-ኣልቦነት ናይ ቃል ኣምላኽ እዩ። እዚ ብቀሊሉ መጽሓፍ ቅዱስ ምንም ዓይነት ጌጋ የብሉን ማለት እዩ። እዚ እምነትን ምእማንን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ክርስትያን ክኸውን ዘለዎ ድማ፣ “ምሉእነትን ሓቅነትን ተኣማንነትን ቃል ኣምላኽ” ማለት እዩ። የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ “. . . ቃልካ ሓቂ እዩ።” (ዮሃ 17:17)፣ ሓቂ ድማ ወድዓውን (ተጨባጢ) እሙንን እዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናያ ቃል ንምድሓን ጥራይ እትዛረብ ቃል ኣይኮነትን። ብተወሳኺ ንኩሉ ኩነታዊ፡ እምነትን ሰረተ-እምነትን፡ መሰረት ናይ እምነት እያ። ምኽንያቱ ሓደ ክርስትያን ቃል ኣምላኽ ምሉእ እዩ ኢሉ ዘይኣምን እንተደኣ ኮይኑ፡ ነቲ ኣሚንዎ ዘሎ እምነት ኣብ ጥርጥር ዘእቱ እዩ። ስለዚ ቃል-ኣምላኽ ጌጋ-ኣልቦን ፈጺሙ ዘይስሓትን ምሉእ ሰረት-እምነት ክርስትና እዩ (ዮሃ 3:12)።

ስለምንታይ ኣገዲሱና፧

ብርግጽ ኣዝዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ርትዕን እምነትን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ክርስትያን ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝተፈላለየ ኣዝዩ መሰረታዊ ትምህርትታትን ሰረታት እምነት ክርስትና ስለዝዛመድ እዩ። ምስ ቃል ኣምላኽ ዝተሓሓዝ ዘበለ ኩሉ፡ ምስ ናይ እግዚኣብሄር መንነትን እንታይነትን ፍጹም ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ኣብነታት ንምጥቃስ ዝኣክል

  1. ምስ ባህሪ እግዚኣብሄር ዝተሓሓዝ እዩ
  2. ምስ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትን
  3. ታሪኻዊ ባይታ ናይ ቤተ-ክርስትያን እዩ
  4. መሰረት ኩሉ ካልእ ሰረተ-እምነታት እዩ

1. ምትሕሓዝ ናይ እግዚኣብሄር ባህሪ እዩ

ጌጋ-ኣልቦነት ቃል-ኣምላኽ፡ ኣብቲ ዘይሕሱን ዘይልወጥን ባህሪ ኣምላኽ ዝተሰረተ እዩ። ኣብ እብራውያን “በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡. . .” ይብለና፣  (እብ 6:18; ቲቶ 1:2)። እግዚኣብሄር ብፍጹም ኣይሕሱን እዩ ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። . . . ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧” (ዘሁ 23፡19)፣ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ባዕሉ ናይ ስነ-ምግባራዊ ሕጊ ወሃብን መዓቀኒ ኩሉ ሞራላዊ ብሉጽነት እዩ። ካልእ ድማ እግዚኣብሄር ኩሉ-ፈላጢ (ኦምኒ-ሰንት) ስለዝኾነ፣ ነገራት ከይኮኑ ስለዝፈልጦም ምሕሳው ኣየድልዮን እዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ናይ እግዚኣብሄር ዘረባ ኮይኑ፣ ባህሪ (nature) እግዚኣብሄር ዘለዎ እዩ። ከምቲ ባህሪ ኣምላኽ ድም ፍጹም ጌጋ የብሉን።

2. ምህሮ ክርስቶስን ሃዋርያትን እዩ

ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምህሮታት ክርስቶስን ሃዋርያትን ምዃኑ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብንጹር ንረኽቦ ኢና። ስለዚ እዚ ቀዳማይ ርትዕናን እምነትናን ክኸውን ይግባእ። ከም ክርስትያናት ንምህሮ ክርስቶስን ሃዋርያትን ንስዕብ ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ እንኽተሎ ትምህርቲ ሃዋርያት ኣጽኒዕና ክንፈልጥ ይግባእ። ንሱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ-ኣልቦ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምዃኑ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ “. . . ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡” (ዮሃ 10:35) ከምኡ’ውን “ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡. . .” (ማቴ 5:18)። ሓደ በንጃሚን ቢሬኪንሪጅ ዎርፊልድ ዝተባህለ ኣፖሎጂስት ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ –

“ኣብ ሰረት-እምነት ክርስትና እንኣምኖ ኩሉ፣ ኣብ መሰረት እምነት ክርስቶስን ሃዋርያትን እዩ። ንሱ ድማ  ፍጹምን ምሉእን ዝኾነ ኣስተንፍሶ-እግዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ  ከምዘሎ እዩ።  እዚ ድማ ክርስቶስን ሃዋርያትን ዝመሃርዎን ንዓና ዘመሓላለፉልና ምህሮን እዩ። በዚ ምህሮ’ዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ፍጹም ጌጋ-ኣልቦ እዩ።” (ምንጪ – The Inspiration of the Bible)

3. ታሪኻዊ መንጠሪ ባይታ ቤተ-ክርስትያን እዩ

ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ታሪኻዊ ባይታ ቤተ-ክርስትያን እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ብዙሓት ቅንኣት እግዚኣብሄር ተዓጢቆም ዝተንስኡ ከም እኒ ማርቲን ሉተር ኣብ 16 ክ.ዘመን፣ ሓሙሽተ ኣገደስቲ ነጥብታት ሒዙ እዩ ተንሲኡ። እዘን ነጥብታት “ሶላ” ወይ ብትግርይና “ብዘይካ” ወይ “ጥራይ” ማለት እዩ። እዘን ሓሙሽተ ነጥብታት ብሕጽር ዝበለ፣ “ሶላ ስክሪፕቱራ” = መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በዓል ስልጣን፣ “ሶላ ፊዳ” = ብእምነት ጥራይ፡ ብእምነት ብክርስቶስ የሱ ጥራይ፣ “ሶላ ግራቲያ” = ብጸጋ ጥራይ፣ “ሶሉስ ክሪስቱስ” = ክርስቶስ ጥራይ – መድሓንን ጐይታን ንጉስን ከምኡ’ውን፡ “ሶሊ ዲዮ ግሎሪያ” = ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ክብሪ ብምባል ማዕጾ ማዕጾ ወረቀት እንዳጠቕዐ ተንስአ። ብፍላይ ድማ “ሶላ ስክሪፕቱራ” ብምባል፡ ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ሞጒቶም እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝገልጹ ብዙሓት መጽሓፍቲ ተጻሒፎም ኣለዉ፣ ከም ኣብነት ናይ ጆን ሃናህ፡ Inerrancy and the Church ብፍሉይ ክግለጽ ይኽእል። ሓደ ካልእ ፍሉጥ ናይ ስለ-መለኮት ተምሃራይ፣ ሞህለር ዝብሃል’ውን ብከምዚ ገሊጽዎ ንረኽቦ፡

“ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ጌጋታት ከምዘለዎ ከርእዩ ዝፍትኑ ሰባት፣ ቤተ-ክርስትያን ንጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ካብ ሰረተ-እምነታ ገይራ ንዘመናት ሒዛቶ ከምዝጸንሐ ይሰማምዑ እዮም። ኮይኑ ግና ኣብዚ ዘመን ብዙሓት ምሁራንን ነዚ ነገር ክነጽግዎን ክቃወሙዎን ይረኣዩ ኣለዉ።”

ብምባል ሞህለር ካብ ዝጠቀሶም ገለ ሰባት ከም እኒ ሃንሶን ብራዘርስኣንቶኒን ሪቻርድን ከምኡ’ውን ናይ ኣንጀሊካ ምሁራንን ይርከብዎም። ብተወሳኺ’ውን ብዙሕ ኣብ 2011 ዝተሓትሙ ናይ NIV, TNIV, Zondervan, HarperCollins ካልኦትን ዝተሓትሙ ጽሑፋት መጽሕእፍ ቅዱስ፡ ቃል ኣምላኽ ጌጋ ኣለዎ ኢሎም ኣለዉ (ምንጪ – GotQuestion ብዛዕባ’ዚ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ)። ገለ ድማ እቲ ጽሑፍ ብፍጹም ክቕየር ኣለዎ ብምባል ጥቕስታት ኣጉዲሎም ኣሕቲሞም ኣለዉ (ምንጪ – Blogos ብዛዕባ’ዚ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ)።  ሕልፍ ብዝበሉ ድማ ነቲ ኣብ እግሊዘይና ብክንድ-ስም ተጻሒፉ ዝነበረ፡ ንእግዚኣብሄር ዝገልጽ ክንድ-ስም “ንሱ” (He)፣ ናብ ኣጓጉላይ ጾታ ማለት (It) ቀይሮሞ ኣለዉ። ድፍረት!!

ሞህለር ብተወሳኺ  ከምዚ ብምባል ድማ ገሊጹ፡ –

“ናይ ማእከላይ ዘመን ክርስትናን ናይ ክርስትና ኣቦታትን፡ ብዛዕባ ጌጋ-ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ፈጺሞም ኣይቀየሩን። እኳ ደኣ ኣብ ግዜ ተሃድሶ ኣዝዩ  ጸኒዑን ቀጺሉን ፈጹሙ’ውን ኣይደኸመን። የግዳስ ብኣጻሩ፣ ብዙሓት ተሃዶሳውያን ናይ ስነ-መለኮት ምሁራን፣ ነቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን፣ ጳጳስ ዝበሎ ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ስልጣን ከምዝህልዎን ኣለዎን ዝብል ስሕተት፣ ሞጒቶም ቃል ኣምላኽ ብዓል ስልጣን ምኹኑን ኣሪሞሞ እዮም። ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ልዕሊ ማንም ግዜ ካብ ድሕቲ ተሓድሶ “ሶላ ስክሪፕቱራ” ብምባል ቃል ኣምላኽ ኣይጋገን፡ ፍጹምን ንሱ ጥራይ ብዓል ምሉእ ስልጣን ምዃኑን እዩ ተራእዩ”

ሎሚ’ኸ ኣሕዋተይ ንሕና፣ ንቃል ኣምላኽ ንውስኸሉን ነጉድለሉን’ዶ ኣሎና፧ ነቶም ስሕተት ሒዞም ኣብልዕሊ ቃል ኣምላኽ ዘሸራርፉን ዝወሳስኹን’ከ ምላሽ ንህቦም’ዶ፧

ስለዚ ኣበር ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ ሓደ መሰረታዊ ሓቅን ናይ ቤተ-ክርስትያን ነጥበ መናጥሮ፣ ንሕውየትን ሓድሽ ተሓድሶን እዩ ነይሩ። ጌጋ-ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ፣ “እምንቶን መሰረትን ብዙሓት ናይ እምነት ጀጋኑ’ውን እዩ” ይብል ሞህለር ብተወሳኺ።

4. መሰረት ኩሉ ካልእ ሰረተ-እምነት (Doctrines) እዩ

ጌጋ-ኣልቦነት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደን ቀንድን መሰረት ካልእ ኩሉ ሰረተ-እምነታት ክርስትና እዩ። ንካልእ ኩሉ ሰረታት እምነትና ዘጽንዓልና ቀንዲ ዓንዲ እምነት ክርስትና እዩ። ከም ኣብነት ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝተፈጸመ ናይ ዕርቂ ዕዮ – ምድሓን፣ ሓደ ካብ ሰረተ-እምነት እዩ። ምስ ምድሓን ዝተሓሓዙ ኩሎም ሰረተ-እምነትናን እምንቶናን፡ ካብቲ መለኮታውን በዓል ስልጣንን ዝኾነ ጌጋ-ኣልቦ ቃል እግዚኣብሄር ዝመንጨዉ እዮም። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ መሰረት ንኩሉ ሰረተ-እምነታት ስለዝኾነ እዩ።

መሰረታዊ ሰረት

ኣበር ኣልቦነት ናይ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ወንጌላውያን ክርስትያናት ዓቢ ኣቃልቦ ዘድልዮ ኣርእስቲ ይመስለኒ፡ ብፍላይ ድማ  ኣብ መንጎ ናይ ጴንጤ-ኮስታል እምነታት። ነዚ ክምልስ ዝኽእል ኣብ 1977 ዝቖመ፣ ንምሉእን ፍጹምን ኣበር ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ ምላሽ ዝህብን ሰረተ-እምነታዊ  ስምምዕ ኣሎ። እዚ ብቺካጎ ስቴትመንት “The Chicago Statement on Biblical Inerrancy” ዝፍለጥ፡ ንኣበር-ኣልቦነት ቃል ኣምላኽን ኣተራጉምኡን ዝምልከት ሓደ ጽፉፍን ድሩትን ሰረት-እምነት ኣለዎ። ነቲ ዶክመንት ንምንባብ ኣብዚ ምጥዋቕ ይከኣል (ብእግሊዘይና እዩ)። እዚ ዘርእየና ሰረተ-እምነታዊ መረዳእታ ናይ ቃል ኣምላኽ ምህላው ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ሰበኽትን ኣገልገልትን ምሁራንን ብዛዕባ ጌጋ-ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ ነናቶም ዝኾነ ትሩጓሜን ሓሳብን ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ዝተፈላለየ ክርስትያናዊ መጽናዕትታት ከምዘነጽሮ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣዝዩ ኣስጋኢ ዝኾነ፣ እምነት ዝመስል ክሕደታት ብዛዕባ ጌጋ-ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ልዕሊ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ፣ ይርአ ኣሎ።

ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ድማ፣-

  1. ክሕደት ታሪኻዊ ፍጻሜ፡የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ “. . . ኣነ እየ፡. . .” ዮሃ 18:4-6
  2. ክሕደት ታሪኻዊ ፍጻሜ ትንሳኤ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላትን መልኣኽ ነቲ እምኒ ከምዝገልበጦ (ማቴ 28:2-7; ማር 16:5-7; ሉቃ 24:4-7; ዮሃ 20:11-14)
  3. ክሕደት ወንጌል ዮሃንስ የሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መዓልቲ ካብ ካልኦት ወንጌላት ዝተፈልየ እዩ ዝብል ወዘተረፈ ይርከብዎም

እምበኣር፣ እቶም መሰረታውያን ሰረታት፣ መሰረት ክኾኑ ኣለዎም። ቃል ኣምላኽ ጌጋ-ኣልቦ ምዃኑ መሰረታዊ ሰረት ብግዲ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ መሰረት እንተዘይሰሪትና ካልእ ኩሉ መሰረታት ጌጋ እዩ። ንኣበር ኣልቦነት ቃል ኣምላኽ ከይኣመንካ፡ ናብ እምነት እንተኣበልካ ወይ እምነት ኣሎኒ እንተበልካ፡ መለኮታውነት ዘይብሉ ስልጣንን ዘይተሰዓርነትን ቃል ኣምላኽ ዘይኣምን ከንቱ እምነት እዩ። ስለዚ ቃል ኣምላኽ መለኮታዊ በዓል ሰልጣንን ዘይስዓርን ጌጋ-ኣልቦን እዩ። ቃል ኣምላኽ ባዕሉ፣ ብዓንደ-ርእሲ ኣምላኽ እዩ (ዮሃ 1:1)

መበገሲ ሓሳብ ካብ The Inspiration of the Bible

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.