ንሱ መሲሕ፡ ንኩሎም . . .

የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። ” (ማቴ 2፡1-2)

ዘይከም ወንጌል ሉቃስ፣ ወንጌል ማቴዎስ፡ እቶም ጓሶት ንጐይታ ኣብ መብልዕ ማል እንከሎ ክርእይዎ ከምዝመጹ ኣይነግረናን እዩ። እቲ ምኽንያት ዝመስለኒ ድማ እቲ ቀንዲ ትዂረቱ ዝገበሮ ኣብቶም ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጹ፡ ወጻእተኛታት – ካብ ወገን ኣህዛብ፡ ኣይሁድ ዘይኮኑ ግና ንጐይታ ከምልኹን ክሰግዱን ካብ ርሑቕ ምብራቕ  ዝመጹ ዝገበሮ ይመስል።

ስለዚ፣ መነጸር ናይ ማቴዎስ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ናይቲ ወንጌል ከም ናይ ኩሎም ኣህዛብን ናይ ጽንፈልክ መሲሕን መድሓንን ገይሩ እምበር ከም ሓደ ናይ ኣይሁድ ጥራይ መድሓኒ ከርእዮ ዝፈተወ ኣይመስልን።

እዞም ቀዳሞት ኣምለኽቲ ጐይታ እምበኣር፣ ሰብ ጥበብ እዮም። ሰብ ጥበብ ግና ኣስትሮሎጃውያን፣ ስርሓት ማጂክን ሽሕራውያን፡ ምልኣተ-ጥበብ ዘለዎም እዮም፣ ግና ካብ እስራኤል ዘይኮኑ ግና ካብ ርሑቕ ምብራቕ ዝመጹ እዮም ነይሮም። ርሑቕ ምብራቕ ድማ በቲ ዘመን ካብ ከባቢታት ባቢሎን እዩ ነይሩ። እዞም ሰብ ጥበብ፣ ካብ ኣህዛብ እዮም። ብመለኪዒ ሕጋጋትን ስርዓታትን ብሉይ ኪዳን ድማ ዘይቅዱሳን፡ ዘይጻድቃናት፡ ዘይንጹሃትን ሰባት እዮም።

ኮይኑ ግና ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ዘሎ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ብሁል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል፡ የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። . . . (ማቴ 28፡18-19)።

እዚ ዘረባን ተስፋን ጐይታ ንዓና ቀደም ርሑቓት ንዝነበርና ካብ ወገን ኣህዛብ ዝኾንና ደገን ዕድልን ምድሓንን ከምኡ’ውን ሓጎስ መሲሕ ጐይታን ጥራይ ኣይኮነን ሂቡና። እዚ ንሱ፡ ጐይታን መሲሕን ምዃኑ ምሉእ ምርግጋጽን እዩ ሂቡና። ምኽንያቱ ድማ ሓደ ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝተነግረሉ ትንቢታት ኣህዛብን ህዝብታትን ነገስታትን ናብኡ፣ ብርግጽ እዃ ደኣ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ናብኡ ከምዝመጹ ይነግረና እዩ። ንኣብነት፣-

ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም።” ኢሳይያስ 60፡3

ስለዚ፣ ወንጌል ማቴዎስ ነቲ መሲሓውነት ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ርጉጽ መርትዖ ወሲኹ፡ ንሱ ክርስቶስን መሲሕን ምዃኑ የርእየና – ንሱ ክርስቶስ፡ ንጉስን መፈጸምታ ኩሉ ተስፋታት – ንኩሎም ህዝብታትን ኣህዛብን እዃ ደኣ እምበር ንእስራኤል ጥራይ ኣይኮነን።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply