ምሕረት ምግባርን ፈውስን

ሓቀኛ ናይ ውሽጢ ፈውሲ

. . . ግናኸ ምሕረት ምግባር፣ ቁልፊ ናይ ውሽጢ ፈውሲ እዩ። እዚ ቀንዲ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ምሕረት ምግባር ንሰይጣን ዝሰዓሮ ናይ መወዳእታ ጽፍዒት ኮይኑ፣ ምሕረት ዘይምግባር ግና ንሰይጣን ኣብ ህይወትካ ንኽሰርሕ ፍቓድ ምሃብ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ቈረ 2፣10-11 “ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ።” ኢሉ የጠንቅቐና።

ተልእኾ ክርስቶስ የሱስ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 61፣ ከምኡ ድማ የሱስ ባዕሉ ኣብ ሉቃስ ራብዓይ ምዕራፍ ዝገለጾ፣ ምሕረት ብምግባር፣ ካብቲ ባሮቱ ዝነበርና ነገራት ሓራ ምውጻእ እዩ።

“መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ።” ሉቃ 4፣17-21

ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ዝበላ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን 25 ተገሊጻ ዘላ፣ መበል 50 ዓመት ወይ’ውን ዓመት እልልታ ተባሂላ እትፍለጥ እያ። እታ ሻብዐይቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ዓመት ኮይና፣ እቲ ህዝቢ ነታ ምድሪ ካብ ዝኾነ ነገር ዕርፍቲ ዝህበላ እያ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ መበል 50 ዓመት፣ ዓመት እልልታ እያ። እዛ ግዜ እዚኣ ኩሎም ባሮት ሓራ ዝወጹላን ናይ ትሕጃ መሬት ዕዳን ምሕረት ዝግበረላ፣ ብሓጺሩ ዓመት ምሉእ ምሕረት እያ። የሱስ ከኣ ናይ መወዳእታ ምልኣት ናይዚ ተስፋ’ዚ፣ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊኡ ኣዊጁ። እዛ ዓመት ዕልልታ’ዚኣ ኣብ ሊቀ ካህን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ደም ምትዕራቕን ንሕድገት ሓጢኣት ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኣትወላ መዓልቲ ምትዕራቕ እያ እትጅምር።

ምሕረት ምግባር ሓጢኣት ዘርሕቕ ወጌሳ (መጥባሕቲ) እዩ

እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ንፈውሲ፣ ምሕረት እዩ። ዳርጋ ኣካላዊ መጥባሕቲ ከም ምግባር እያ፡ ’ዛ ምሕረት ምግባር እትብል ቃል። ምሕረት ምግባር ማለት ብፍጹም ምርሓቕ ወይ ምእላይ ማለት እያ። ሱሩ ወይ መሰረቱ ከኣ ሞት፡ ማለት ምፍልላይ ማለት እዩ። ሰባት ነቲ ውሽጣዊ ቁስሎም፡ ብደጋዊ ቅብኣት’ዮም ክፍውስዎ ዝፍትኑ። እቲ ሽግር ደጋዊ ጉዳያትና፡ ውጽኢት ናይቲ ውሽጣዊ ቁስልና ምዃኑ ስለዘይንፈልጥ እዩ። ስለዚ ኩሉ ዓይነት መድሃኒትን ንጥፈታትን መሊሱ ንነገራት ዘጋድዶ እምበር ኣይፍውሶን እዩ።

ውሽጣዊ ፍወሳ፣ ነቲ ንሕና እንግደሰሉ ደጋዊ ጉዳያትና ፈውስን ብልጽግናን የምጽኣሉ እዩ፣ 3ዮሃ 2 “ኣታ ፍቑር ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዓየት ብኹሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን ይምነየልካ ኣለኹ” ይብል። መብዛሕትኡ ውሽጣዊ ቁስሊ ብምኽንያት ሕንከት፣ ሕፍረት፣ ምንጻግ፣ ዘይተቐባልነት፣ ጉድለት ፍቕሪ፣ ኣብ ምጅማሩ ዝተሰበረ ርክብን ዝምድናታትን ስድራ-ቤታት ብፍላይ ከኣ ብናይ ኣቦ ወገን ዝመጽእ እዩ። ኣምላኽ ሕብረት ክህልወና’ዩ ፈጢሩና። ብመጠን እቲ መባእታዊ ዝምድናና ዝተባላሸወሉ ከኣ ብኡ መጠን ውሽጣዊ ቁስሊ የጋጥመና። ምሕረት ምግባር ከኣ ነዞም መቑሰልትታትን መጉዳእትታትን እዚኦም፣ ናብ የሱስ እነመሓላልፈሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ መስርሕ እዩ።

ምሕረት ምግባር እንታይ ማለት እዩ?

ብዙሓት ሰባት ዋላ’ውን ክርስትያናት ምሕረት ምግባር እንታይ  ምዃኑ ቅኑዕ ርዲኢት የብለሙን። ስለዚ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ ኣለዉ። ምሕረት ክትገብር ማለት ካብ ፍርዲ ነጻ ክትወጽእን ናብ ፍርዲ ክትኣቱ ከኣ መሰል ዘይምህላውን ማለት እዩ። ንኻልኦት ካብ ፍርዲና ነጻ እንተዘይኣውጺናዮም፣ ናብኡ ናይ ምእታው መሰላትና እንተዘይሓዲግና፣ ከምቲ ዕዳ ብጻዩ ክሓድግ ፍቓደኛ ዘይኮነ ባርያ፣ ኣብ ማቴዎስ 18፡23-35 ዘሎ ዛንታ እንረኽቦ ሰብኣይ  ኮይና ክንርከብ ኢና። ንናይ ኣምላኽ ምሕረት እንተዘይተሰማሚዕካዮ፣ ዘስካሕክሕ ፍርዲ ትዓጽድ ኢኻ። ናይቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝፈረድናዮ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ድማ ሳዕቤኑ ንዓጽዶ ኢና።

ምሕረት ኣብ ዘይምግባር ምጽናዕ ልክዕ ፍርዲ ምፍራድ እዩ። ምሕረት ምግባር ከኣ ኣንጻር ናይ ፍርዲ እዩ። ምሕረት ምግባር ምስ ስምዒትና ኣይራኸብን እዩ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍቓድና ዝምርኮስ ነገር እዩ። ምሕረት ክንገብር ክሳብ ዝስምዓና ንጽበ እንተኾና፡ ብፍጹም ምሕረት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ካልኣይ ኣካል ሰብ፣ ዝበኣሰ መጉዳእቲ ኮይኑ ይርአ። ምሕረት ንምግባር ውሳኔ ብፍቓድና ኢና እንገብሮ፣ ስምዒትና ከኣ ንኣምላኽ ነግዝኦ፣ ንሱ ከኣ ኣብቲ ምዱብ ግዚኡ ንስምዒትና ይቆጻጸሮ።

ምሕረት ምግባር ብክልተ መንገዲ ይፍጸም

ዝፈጸምናዮ ሓጢኣትን እቲ ኣብ ልዕሌና እተፈጸመ በደል

ንሓደ ሰብ ወይ ንናይ ሓደ ሰብ በደል ይቕሬታ ምግባር ጥራይ ኣይኮነን፣ ንሓጢኣት ይቕሬታ’ውን ጥራይ ኣይኮነን። ምሕረት ብምግባር ሓደ ሰብ ዓቢ ጉድለት ከምዝገብረ ክቕበሎን ክእመንን መጀመርታ። ብምቅጻል ድማ ምሕረት ምግባር ናብ ዓማጺ ኩነታት ምፍጣር ኣይኮነን። ማለት ክትዕመጽን ብካልኦት ክትቆጻጸርን ወይ’ውን ካልኦት ክምዝምዙኻን ዝብል ጠለብ ኣየጠቓልልን እዩ። ብዙሓት ሰባት ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ምሕረት ክግበረሎም ይደልዩ፣ ግናኸ ንኻልኦት ምሕረት ምግባር እንታይ ምዃኑ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኦምን እዩ። የሱስ ሓጢኣትካ ወሲድዎ’ዩ ንስካ ክትገብሮ ዘለካ ተሰማሚዕካ ሓራ ምውጻእ እዩ።

ምሕረት ምግባር – ምፍላይ እዩ

ምሕረት ምግባር ልክዕ ሓደ ዓይነት ምስቲ ሓዲሽ ኪዳን ተጠቂምሉ ዘሎ፣ ሞት ዝብል ቃል ዝመሳሰል ትርጓሜ ኣለዎ። ምሟት ማለት ምፍላይ ማለት ኢዩ። ምሕረት ምግባር ከኣ ነቲ ሓጢኣት ካብ ሓደ ቆሪጽካ ናብ ካልእ ምንባር እዩ። ምሕረት ምግባር ብግሪኽ ቃል “ኣፍየሚ” (aphiemi) ይብሎ፣ ማለት ምእላይምልጋስካባኻ ምስዳድምርሓቕ፣ ብምኽንያት ሓጢኣትካ ንዝግብኣካ መቕጻዕቲ ምምሓው፣ ንሓጢኣተኛ ካብ መቕጻዕቲ ምንጋፍ የስምዕ። ምሕረት ምግባር ማለት ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝተገበረ ሓጢኣት፣ ኣብ ልዕሊ የሱስ ከምዝተገብረ ምቑጻርን ነቲ ሓጢኣትን መቕጻዕቱን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ከምዝብጽሐን ከምዝወደቀን ምቑጻር እዩ።

ምሕረት ምግባር – የሱስ ዝፈጸሞ ዕዮ እዩ

ኩላትና ክንገብሮ ዘለና፣ ኩሉ ሓጢኣት ናብ የሱስ ከምዝበጽሐ ዝገልጽ ሓቂ ምእማን እዩ። እቲ ዕዮ ከምዝተፈጸመ እንተ ኣሚንካ ሽዑ እቲ ብኣና ክግበር ዝግብኦ ስራሕ ይፍጸም፡ ሓራ ድማ ትኸውን። ካብ ግብርና ኣይኮነን፣ ግናኸ ኣብ ምእማንና ምስቲ ዝኣመናዮን ዝሰማዕናዮን ተግባራውነት ምውሳድና እዩ። ዮሃ 1፣29

“ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።” ይብል።

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 18 ንጹር ዝኾነ መልእኽትን መጠንቀቕታን ሂብና ኣሎ

ኣብ ማቴ 18፣21-35 ዘሎ፣ ኣብዚ ምስላ’ዚ፣ እቲ ጐይታ ምሕረት ጌይሩ፣ እቲ ባርያ ግን ምሕረት ኣይገብረን። እቲ ባርያ ምሕረት ከምዝተገርብረሉ ይኣምን ከምዘይነብረ ፍሉጥ እዩ። ዕዳ ዘይብሉ ሰብ ገንዘብ ክእክብ ኣየድልዮን። ነጻ ዝወጸ ሰብ፡ ነቲ ዘምለጠሉ መገዲ ከባላሹ ኣይደልን እዩ። ብዙሕ ዕዳ ንዝተሓደገሉ ሰብ፣ ኣብቲ ንገዝኡ ዝወስድ መገዲ ሓጎሱ ክገልጽን ንስድራ-ቤቱ ከኣ ንዝረኸብዎ ሓድሽ ሓርነት ክነግር ክህንጠይን ንኻልኦት ድማ ሓደ ዓይነት ተሓታትነት ከምዘለዎ፣ ንኽሕግዝ ድሉው ክኸውን ባህርያዊ እዩ። እዚ ባርያ ንናይ ጎይትኡ ምሕረት፣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ’ዩ። ንምሕረቱ ተጠራጢሩን ንናይ ገዛእ ርእሱ ክእለት ኪሕዱን እዩ። ንዝተገርብረልና ምሕረት ምስ ተቐበልናዮ ጥራይ ኢና፣ ንኻልኦም ምሕረት እንገብር። ምሕረት ምግባር እንተኣቢና ከኣ ውጽኢቱ ስቓይ እዩ።

መወከሲካብ ብ2010 ዝተርጎምኩዎ መጽሓፍ ዝተወስደ

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Nebiat

    Kbrib Neti Hiyaw Amlak ykun. Goyta ybarkka Senay hawey. Nska bruk eika. Nhna dma neti Goyta zhabeka xega knrebhalu goyta adl slezhabna nemesgno.

Leave a Reply